ኣብ ግብፂ ንዝተኣማመኑ ወይለኦም
ኣፍራስ ግብፂ ስጋ እዮም እምበር፥ መንፈስ ኣይኮኑን፤ ኣብኣኣቶም ብምርኳስ ድማ እቲ ሓጋዝን እቲ ዝተሓገዘን ብሓደ ይወድቑ። ኣቦና ጓሶት ብምጭራሕ ክሸብርዎ ዘይኽእሉ ኣንበሳ እዩ፥ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝዝምባ ኣዕዋፍውን እዩ። ኣሶር ብዘይ ናይ ሰብ ሰይፊ ይወድቕ፥ እቲ ህዝቢ ድማ ንጣዖታቱ ይድርብዮም።
31 1ሓገዝ ክደልዩ ናብ ግብፂ ንዝወርዱ፥ ኣብ ኣፍራስ ንዝምርኰሱ፥ ብዝሒ ስለ ዘለዎም ብሰረገላታት፥ የመና ሓያላት ስለ ዝኾኑ ድማ ብፈረሰኛታት ንዝተኣማመኑ ወይለኦም፤ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾነ ኣቦና ግና ኣይጥምቱን፥ ንእኡውን ኣይደልይዎን። 2ንሱ ግና ባዕሉ ጥበበኛ እዩ፥ መዓት ድማ የምፅእ፤ ቃላቱ ኣይመልስን እዩ። ኣብ ልዕሊ ቤት እቶም ዓመፀኛታት፥ ኣብ ልዕሊ ረድኤት እቶም ክፉእ ዝገብርን ክትስእ እዩ። 3ግብፃውያን ሰባት እዮም እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣይኮኑን፤ ኣፍራሶም ስጋ እዮም እምበር፥ መንፈስ ኣይኮኑን። ኣቦና ኢዱ ምስ ዘርግሐ፥ እቲ ሓጋዚ ይዕንቀፍ፥ እቲ ዝተሓገዘ ኸዓ ይወድቕ፥ ኵላቶም ድማ ብሓደ ይጠፍኡ።
4ኣቦና ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦ ኣንበሳ ወይ ሽደን ኣንበሳ ኣብ ልዕሊ ግዳዩ ኸም ዝጓዝም፥ ጉባኤ ጓሶት ኣብ ልዕሊኡ እንተ ተፀውዐ እኳ፥ ብድምፆም ኣይፈርሕን፥ ብወኻዕታኦም ድማ ኣይሽበርን፤ ከምኡ ኸዓ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ኣብ እምባ ፅዮን ኣብ በሪኻን ክዋጋእ ክወርድ እዩ። 5ኣዕዋፍ ኣብ ላዕሊ ኸም ዝዝምባ፥ ከምኡ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ንኢየሩሳሌም ክከላኸለላ እዩ፤ ክከላኸለላን ከናግፋን፥ ክሓልፈላን ከድሕና እዩ።
6ናብቲ ደቂ እስራኤል የመና ዝረሓቕዎ ተመለሱ። 7በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ናይ ብሩር ጣዖታቱን ናይ ወርቂ ጣዖታቱን፥ እቶም ኣእዳውኩም ብሓጢኣት ዝሰርሓልኩም፥ ክድርብዮም እዩ።
8ሽዑ ኣሶር ክወድቕ እዩ፥ ብዘይ ናይ ሰብ ሰይፊ፥ ናይ ሰብ ዘይኮነ ሰይፊውን ክበልዖ እዩ፤ ካብ ቅድሚ እቲ ሰይፊ ድማ ክሃድም እዩ፥ መንእሰያት ኣሶር ከዓ ተገዲዶም ክሰርሑ እዮም። 9ዕርዱ ብፍርሓት ክፈርስ እዩ፥ ሹመኛታቱ ኸዓ ካብቲ ሰንደቕ ውግእ ደንጊፆም ክሃድሙ እዮም፥ ይብል እቲ ኣብ ፅዮን ሓዊ ዘለዎ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ እቶን ዘለዎ ኣቦና።