ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ህዝቢ ንኣቦ ከድዕዎ

ሹመኛታት ድማ፥ መራሕቲ እስራኤል ባዕልቶም ምስቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብታት ኣብ ምትእትታው ቀዳሞት ከም ዝኾኑ ነገሩ። እዝራ ኽዳኑ ቐደደ፥ ፀጉሩ መለጠ፥ ክሳዕ ምሸት ተገሪሙ ተቐመጠ፥ ደሓር ድማ ነቲ በደል ኣግሂዱ እናገለፀ፥ ኣቦና ኻብቲ ዝግብኦም ኣጉዲሉ ኸም ዝቐፅዖም እናተገረመ፥ ፀሎት ናዘዘ።

ምዕራፍ 9።

እዝ ምስ ተገበረ፥ እቶም ሹመኛታት ናባይ መፂኦም ከምዙይ በሉ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብታት ምስ ርኹስ ነገራቶም፥ ማለት ካብ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ኢያቡሳውያንን ኣሞናውያንን ሞኣባውያንን ግብፃውያንን ኣሞራውያንን ኣይተፈለዩን። ካብ ኣዋልዶም ንገዛእ ርእሶምን ንደቆምን ኣንስቲ ወሰዱ፤ ነቲ ቅዱስ ዘርኢ ከዓ ምስቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብታት ሓዋወስዎ። እቶም ሹመኛታትን መራሕትን ድማ ኣብዝ ክሕደት እዙይ ቀዳሞት ኮኑ።”

እዙይ ምስ ሰማዕኹ፥ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፤ ካብ ርእሰይን ፅሕመይን ፀጉሪ መሊጠ ድማ ተገሪመ ኮፍ በልኩ። ሽዑ ኵሎም እቶም በቲ ቓል ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣቦና፥ ዝርዕዱ፥ ብሰንኪ ክሕደት እቶም ምሩኻት ናባይ ተኣከቡ፤ ኣነ ኸዓ ክሳዕ መስዋእቲ ምሸት ተገሪመ ኮፍ በልኩ። a a v4 መስዋእቲ ምሸት እቲ ኣስታት ሰዓት ትሽዓተ ድሕሪ ቐትሪ ዝቐርብ ዝነበረ መዓልታዊ ልሙድ መስዋእቲ እዩ ነበረ።

ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት፥ ክዳነይን ባርኖሰይን ተቐዲዱ ኸሎ፥ ካብ ትሕትናይ ተሲአ ብብርከይ ተምበርኪኸ፤ ኣእዳወይ ከዓ ናብ ኣቦይ ዘርጊሐ፥ ከምዙይ ከዓ በልኩ፦ “ኦ ኣቦይ፥ ገፀይ ናባኻ ኸልዕል ሓፊረን ተዋሪደን ኣለኹ፥ ኦ ኣቦይ፤ ሓጢኣትና ካብ ርእስና ልዕል ኢሉ እዩሞ፥ በደልናውን ክሳዕ ሰማያት ዓብዩ እዩ። ካብ ዘመን ኣቦታትና ክሳዕ ሕዚ ኣብ ዓብዪ በደል ኔርና ኢና፤ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኸዓ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን ኣብ ኢድ ነገስታት እተን ሃገራት፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንዘመታን ንግሁድ ሕፍረት ገፅናን ተወሃብና፤ ከምዝ ሎሚ ዘሎ። ሕዚ ግና ንቕፅበት ጊዜ፥ ካብ ኣቦና ፀጋ መፂኡ፤ ተረፍ ኣትሪፉልና፥ ኣብ ቅዱስ ስፍራኡ ድማ ፅኑዕ መርገፂ ሂቡና፤ ምእንቲ ኣዒንትና ኸብርህን ኣብ ባርነትና ቑሩብ ህይወት ክህበናን። ባሮት ኢና፤ ኣቦና ግና ኣብ ባርነትና ኣይሓደገናን። ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረቱ ዘርግሐልና፤ ቤት ኣቦና ምእንቲ ኸተስእ፥ ዑናታታ ኽንጽግን፥ ኣብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ድማ መፅለሊ መንደቕ ክህበና፥ ህይወት ሂቡና።

ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ኣቦና፥ ድሕሪ እዙይ እንታይ ክንብል ንኽእል? ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፥

ነቲ ብግዙኣትካ ነቢያት ጌርካ ዝኣዘዝካዮ፦ ‘እታ ክትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ምድሪ፥ ብርኽሰት ህዝባ ርኽስቲ እያ፤ በቲ ርኹስ ልማዶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ብርኽሰቶም መሊኦማ እዮም። ስለዙይ ሕዚ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፤ ኣዋልዶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ፤ ሰላሞምን ልምዓቶምን ድማ ንዘለኣለም ኣይትድለዩ፤ ምእንቲ ኽትሕይሉ፥ ፅቡቕ እታ ምድሪ ኽትበልዑ፥ ንደቅኹም ድማ ንዘለኣለም ርስቲ ኽትገድፉላ።’

ብሰንኪ ክፉእ ግብርናን ዓብዪ በደልናን እዝ ኵሉ ድሕሪ ዝወረደና፥ ንስኻ ኦ ኣቦና እኳ ተዓጊስካ፥ ካብ ሓጢኣትና ዝግባእ ኣጒዲልካ ቀፃዕካና፥ ከምዙይ ዝበለ ተረፍ ድማ ሂብካና፤ ከም ብሓድሽ ትእዛዛትካ ክንጥሕስ፥ ነዝ ርኹስ ነገር ዝገብሩ ህዝብታት ድማ ክንዋሰብዶ ኢና? ተረፍ ወይ ዘምልጥ ከይተረፈ ክሳዕ እተጥፍኣና፥ ኣባና ኣይትቍጣዕንዶ? ኦ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ከምዝ ሎሚ ዘሎ፥ ተረፍ ኮይንና ተሪፍና ኢና እሞ። እንሆ፥ ኣብ ቅድሜኻ ብበደልና ኣለና፤ ብሰንኪ እዙይ ኣብ ቅድሜኻ ክቐውም ዝኽእል ሓደ እኳ የለን።”