ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እቶም ምስ እዝራ ዝተመለሱ

እዝራ ነቶም ምስኡ ዝገሹ ዘርዝሮም፥ ሌዋውያን ድማ ኣይረኸበን፥ ንቤት ኣቦና ኣገልገልቲ ኽመፅኡ ለኣኸ። ብዛዕባ ፅላል ኣቦኡ ድሕሪ ምምካሑ፥ ካብ ንጉስ ወተሃደራት ክሓትት ሓፊሩ፥ ኣብ ክንድኡ ፆም ኣወጀ — እቲ ዝተመዘነ ብሩርን ወርቅን ድማ ብዘይ ጉድኣት ናብ ኢየሩሳሌም በፅሐ።

ምዕራፍ 8።

ኣብ ዘመን መንግስቲ ንጉስ ኣርጠክስስታ ምሳይ ካብ ባቢሎን ዝወፁ ሓለቓታት ማይ ቤቶምን ትውልዶምን እዚኣቶም እዮም፦

ካብ ደቂ ፊንሃስ፥ ጌርሳም፤ ካብ ደቂ ኢታምር፥ ዳንኤል፤ ካብ ደቂ ዳዊት፥ ሃጡስ።

ካብ ደቂ ሳኪንያ፤ ካብ ደቂ ፋሮሽ፦ ዘካርያስ፥ ምስኡ ኸዓ በብትውልዶም ዝተቘፀሩ ሚእትን ሓምሳን ተባዕትዮ።

ካብ ደቂ ፋዓት ሞኣብ፥ ኤልዮኤናይ ወዲ ዘራህያ፥ ምስኡ ኸዓ ክልተ ሚእቲ ተባዕትዮ።

ካብ ደቂ ዛቱ፥ ሳኪንያ ወዲ ያሃዝኤል፥ ምስኡ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ተባዕትዮ።

ካብ ደቂ ዓዲን፥ ኤቤድ ወዲ ዮናታን፥ ምስኡ ኸዓ ሓምሳ ተባዕትዮ።

ካብ ደቂ ዔላም፥ ዮሳያ ወዲ ዓታልያ፥ ምስኡ ኸዓ ሰብዓ ተባዕትዮ።

ካብ ደቂ ሰፋጥያስ፥ ዘባድያ ወዲ ሚካኤል፥ ምስኡ ኸዓ ሰማንያ ተባዕትዮ።

ካብ ደቂ ኢዮኣብ፥ ኣብድዩ ወዲ የሒኤል፥ ምስኡ ኸዓ ክልተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን ተባዕትዮ።

ካብ ደቂ ባኒ፥ ሰሎሚት ወዲ ዮሲፍያ፥ ምስኡ ኸዓ ሚእትን ስሳን ተባዕትዮ።

ካብ ደቂ ቤባይ፥ ዘካርያስ ወዲ ቤባይ፥ ምስኡ ኸዓ ዕስራን ሸሞንተን ተባዕትዮ።

ካብ ደቂ ኣዝጋድ፥ ዮሃናን ወዲ ሃቃጣን፥ ምስኡ ኸዓ ሚእትን ዓሰርተን ተባዕትዮ።

ደቂ ኣዶኒቃም፥ እቶም ዳሕረዎት፥ ስማቶም ከዓ፦ ኤሊፋላት፥ የዩኤል፥ ሳማያ፥ ምስኣቶም ድማ ስሳ ተባዕትዮ።

ካብ ደቂ ቢግዋይ፥ ዑታይን ዛኩርን፥ ምስኣቶም ከዓ ሰብዓ ተባዕትዮ።

እዝራ ንቤት እግዚኣብሄር ኣገልገልቲ ይደሊ

ናብ ኣሃዋ ናብ ዝውሕዝ ርባ ኣከብክዎም፤ ኣብኡ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ተቐመጥና። ነቶም ህዝብን ካህናትን ምስ መርመርኩ ኸዓ፥ ካብ ደቂ ሌዊ ሓደ እኳ ኣብኡ ኣይረኸብኩን። ሽዑ ነቶም ሓለቓታት ኤሊዔዘር፥ ኣርኤል፥ ሳማያ፥ ኤልናታን፥ ያሪብ፥ ኤልናታን፥ ናታን፥ ዘካርያስ፥ መሱላም፥ ከምኡውን ነቶም ዘስተውዕል ሰባት ዮያሪብን ኤልናታንን ፀዋዕክዎም። ናብ ዒዶ፥ እቲ ኣብ ካስፍያ ዝነበረ ሓለቓ ድማ ለኣኽክዎም፤ ንቤት ኣቦና ኣገልገልቲ ምእንቲ ኼምፅኡልና ኸዓ፥ ንዒዶን ነቶም ኣብ ካስፍያ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን ዝብልዎ ነገርክዎም። እታ ፅብቕቲ ኢድ ኣቦና ኣብ ልዕሌና ስለ ዝነበረት ድማ፥ ካብ ደቂ ሞሖሊ ወዲ ሌዊ ወዲ እስራኤል ዝኾነ ዘስተውዕል ሰብ ኣምፅኡልና፤ ንሱ ኸዓ ሳራብያ ነበረ፤ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ሸሞንተ ኾኑ፤ ከምኡውን ሃሻብያ፥ ምስኡ ድማ ካብ ደቂ ሜራሪ ዝኾነ ዮሳያ፥ ምስ ኣሕዋቱን ደቆምን፥ ብኣጠቓላሊ ዕስራ፤ ከምኡውን ካብቶም ዳዊትን እቶም ሓለፍትን ንሌዋውያን ከገልግሉ ዝሸምዎም ሚእትን ዕስራን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ፤ ኵሎም ከዓ በብስሞም ተፀሓፉ።

ሽዑ ኣብኡ፥ ኣብ ርባ ኣሃዋ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ርእስና ኣዋሪድና ንዓናን ንደቅናን ንዅሉ ጥሪትና ድሕንቲ መንገዲ ኻብኡ ኽንደሊ ኢለ ፆም ኣወጅኩ። ካብ ፀላኢ ኣብ መንገዲ ኽሕልወና፥ ካብ ንጉስ ተዋጋእትን ፈረሰኛታትን ክልምን ሓፈርኩ፤ “ኢድ ኣቦና ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ንፅቡቕ ዝደልይዎ እያ፤ ሓይሉን ቊጥዓኡን ግና ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ዝሓድግዎ እዩ” ኢልና ነጊርናዮ ኔርና እሞ። ስለዙይ ፆምና ብዛዕባ እዙይ ናብ ኣቦና ለመንና፤ ንሱ ኸዓ ፀሎትና ሰምዐ።

ካብቶም ሓለቓታት ካህናት ዓሰርተ ኽልተ ፈለኹ፦ ሳራብያ፥ ሃሻብያ፥ ምሳታቶም ከዓ ዓሰርተ ኻብ ኣሕዋቶም። ነቲ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑን፥ እቲ ንጉስን መኻሮኡን ሓለፍቱን ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ እስራኤልን ንቤት ኣቦና ዘቕረብዎ መባእ መዚነ ሃብክዎም። ኣብ ኢዶም ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ዝዋግኡ ኣቑሑ ብሩር፥ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ መዚነ ሃብክዎም፤ ሽሕ ዳርከሞን ዝዋግኡ ዕስራ ፅዋዓት ወርቂ፥ ከም ወርቂ ዝኸብር ፅቡቕን ዝንፀባረቕን ክልተ ኣቑሑ ነሃስ ድማ መዚነ ሃብክዎም። ከምዙይ ከዓ በልክዎም፦ “ንስኻትኩም ንኣቦና ቅዱሳት ኢኹም፤ እዚ ኣቑሑ ድማ ቅዱስ እዩ፤ እዚ ብሩርን ወርቅን ድማ ንኣቦና፥ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ብፍቓድኩም ዝወሃብ መባእ እዩ። ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ኣፍደገ ቤት ኣቦና፥ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ካህናትን ሌዋውያንን ሓለቓታት ማይ ቤት እስራኤልን ክሳዕ እትመዝንዎ፥ ጠንቂቕኩም ሓልውዎ።”

እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ነቲ ዝተመዘነ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑን፥ ናብ ኢየሩሳሌም፥ ናብ ቤት ኣቦና ምእንቲ ኼምፅእዎ፥ ወሰድዎ።

ኣብታ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኸዓ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክንከይድ ካብ ርባ ኣሃዋ ተበገስና። ኢድ ኣቦና ኣብ ልዕሌና ነበረት፤ ካብ ፀላኢን ካብ ኣብ መንገዲ ዝደበየናን ድማ ኣድሓነትና።

ናብ ኢየሩሳሌም መፂና ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ዓረፍና። ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ ኸዓ፥ እቲ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑን ኣብ ቤት ኣቦና ተመዚኑ፥ ናብ ኢድ መረሞት ወዲ ኡርያ፥ እቲ ኻህን ተውሃበ፤ ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሃስ ነበረ፤ ምሳታቶም ከዓ ሌዋውያን ዮዛባድ ወዲ የሱዕን ኖዓድያ ወዲ ቢኑይን ነበሩ። ኵሉ ተቘፂሩ ተመዚኑን፥ ብፅሕፈት ድማ ብምሉእ ሚዛኑ በታ ጊዜ እቲኣ ተፀሓፈ።

ሽዑ እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ሰባት፥ ንኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ዝሕረድ መስዋእቲ ኣቕረቡ፦ ን ኵሉ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ብዕራይ፥ ተስዓን ሽዱሽተን ድዑል፥ ሰብዓን ሸውዓተን ገንሸል፥ ዓሰርተ ኽልተ ድቤላ ኸዓ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፤ እዚ ዅሉ ንኣቦና ዝሕረድ መስዋእቲ ነበረ። ነቲ ትእዛዛት ንጉስ ድማ ንሓለፍቲ ንጉስን ንመኳንንቲ እቲ ኣብ ስግር ርባ ዝነበረ ሃገርን ሃብዎም፤ እዚኣቶም ከዓ ነቶም ህዝብን ንቤት ኣቦናን ደገፍዎም። a a v36 ስግር ርባ ማለት፥ ነቲ ኣብ ምዕራብ ርባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ሃገሮም ዝወሃብ ወግዓዊ ፋርሳዊ ስም ነበረ።