ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንህዝቢ ኣቦ ተስፋ ኣሎ

ሰካንያ ሕዚውን ተስፋ ኸም ዘሎ ዓው ኢሉ ተዛረበ፥ እቲ ጉባኤ ድማ ነቲ ጓኖት መርዓ ኽፈርስ ምስ ኣቦና ኪዳን ክኣቱ ኣብ ክረምታዊ ዝናም ተኣከበ። እዝራ ነፍሲ ወከፍ ነገር ኸከም ኸተማኡ ዝምርምሩ ሰባት ሸመ፥ እቶም ዝበደሉ ድማ ተሰምዩ።

ምዕራፍ 10።

ዔዝራ እናፀለየን እናተናዘዘን እናበኸየ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣቦና እናተደፍአን እንተሎ፥ የመና ዓብዪ ጉባኤ እስራኤል፥ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፥ ናብኡ ተኣከቡ፤ እቲ ህዝቢ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ። ሽዑ ሰካንያ ወዲ የሒኤል፥ ካብ ደቂ ዔላም ሓደ ዝኾነ፥ ንዔዝራ ከምዙይ በሎ፦ “ንሕና ንኣቦና በዲልና፥ ካብ ህዝቢ እታ ምድሪ ድማ ጓኖት ኣንስቲ ኣእቲና ኢና። እዙይ ኮይኑ ግና፥ ንእስራኤል ሕዚውን ተስፋ ኣሎ። ስለዙይ ሕዚ፥ ከምቲ ጐይታይን እቶም ብትእዛዝ ኣቦና ዝንቀጥቀጡን ዝመኸሩ፥ ነዘን ኵለን ኣንስቲ ምስ ደቀን ክንሰዶ፥ ምስ ኣቦና ኪዳን ንእቶ፤ ከምቲ ሕጊ ድማ ይገበር። እዝ ነገር እዙይ ኣባኻ ዝተፀገዐ እዩ እሞ፥ ተልዓል፤ ንሕና ኸዓ ምሳኻ ኢና። በርትዕ፥ ግበሮ ኸዓ” በሎ።

ሽዑ ዔዝራ ተሲኡ፥ ነቶም ሓለቓ ካህናት፥ ንሌዋውያን፥ ንብዘሎ እስራኤልን ከምቲ ዝተዋዓዓልዎ ክገብሩ ኣምሓሎም። ንሳቶም ድማ መሓሉ።

ሽዑ ዔዝራ ኻብ ቅድሚ ቤት ኣቦና ተሲኡ፥ ናብ ክፍሊ ኢዮሃናን ወዲ ኤልያሺብ ከደ፤ ብዛዕባ ምብዳል እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ይሓዝን ስለ ዝነበረ፥ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን ሓደረ። ሽዑ ኵሎም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ኽእከቡ፥ ብይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቃል ሰደዱ። ብውሳነ እቶም ሹማምትን ዓበይትን ድማ፥ እቲ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመፀ ዅሉ፥ ኵሉ ንብረቱ ተወሪሱ ኻብ ጉባኤ እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ይውፃእ።

ኵሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ኣብ ሰለስተ መዓልቲ፥ ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ ናይታ ታሽዐይቲ ወርሒ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይን ብዛዕባ እቲ ኸቢድ ዝናምን እናንቀጥቀጠ፥ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣቦና ዘሎ ኣደባባይ ተቐመጠ።

ዔዝራ ካህን ተሲኡ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩም ጓኖት ኣንስቲ ኣእቲኹም፥ ንበደል እስራኤል ወሲኽኹም በዲልኩም ኢኹም። ሕዚ ድማ ንኣቦና፥ ነቲ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ተናዘዙ፤ ፍቓዱውን ግበሩ። ካብ ህዝቢ እታ ምድርን ካብ እተን ጓኖት ኣንስትን ድማ ተፈለዩ” በሎም።

ሽዑ ብዘሎ እቲ ጉባኤ ዓው ኢሉ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “እወ! ከምቲ ዝበልካዮ ኽንገብር ይግባእ እዩ። ግና እቲ ህዝቢ ብዙሕ እዩ፤ ወቕቲ ዝናም ድማ እዩ እሞ፥ ኣብ ወፃኢ ደው ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ኣብዝ ነገር እዙይ የመና በዲልና ኢና እሞ፥ እዙይ ናይ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ስራሕ ኣይኮነን። ሹማምትና ነቲ ብዘሎ ጉባኤ ይሥርሑ። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ ነዳዲ ቝጥዓ ኣቦና ካባና ክሳዕ ዝምለስ፥ ኵሎም እቶም ኣብ ከተማታትና ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ፥ ምስ ዓበይትን ፈራዶን ነፍሲ ወከፍ ከተማ፥ ኣብ ውሱን ጊዜ ይምፅኡ” በሉ።

ዮናታን ወዲ ኣሳሄልን ያሕዝያ ወዲ ቲቅዋን ጥራሕ ነዙይ ተቓወምዎ፤ መሱላምን ሻበታይ እቲ ሌዋዊን ድማ ደገፍዎም።

እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኸዓ ኸምኡ ገበሩ። ዔዝራ ካህን ድማ ሰባት፥ ርእስታት ቤት ኣቦታት፥ ነፍሲ ወከፍ በቲ ስሙ፥ ንቤት ኣቦኡ ሓረየ። ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ ኸዓ ነቲ ነገር ክምርምሩ ተቐመጡ፥ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ፥ ምስ ኵሎም እቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ሰባት ወድኡ።

እቶም ዝበደሉ

ካብ ደቂ ካህናት ጓኖት ኣንስቲ ኣእቲዮም ዝተረኽቡ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ኢየሱስ ወዲ ኢዮሳዳቅን ኣሕዋቱን፥ ማዕሴያ፥ ኤሊዔዘር፥ ያሪብ፥ ገዳልያ።

ኣንስቶም ክሰዱ ድማ ተማባፅዑ፤ በዲሎም ስለ ዝነበሩ ኸዓ፥ ብዛዕባ በደሎም ካብ መጓሰ ማጕላ ሰውኡ።

ካብ ደቂ ኢሜር፦ ኣናኒን ዘብድያን።

ካብ ደቂ ሓሪም፦ ማዕሴያ፥ ኤልያስ፥ ሳማያ፥ የሒኤል፥ ዖዝያን።

ካብ ደቂ ጳስሑር፦ ኤልዮዔናይ፥ ማዕሴያ፥ እስማኤል፥ ናትናኤል፥ ኢዮዛባድ፥ ኤልዓሳ።

ካብ ሌዋውያን፦ ኢዮዛባድ፥ ሺምዒ፥ ቀላያ (ንሱ ኸዓ ቀሊጣ እዩ)፥ ጴጣሕያ፥ ይሁዳ፥ ኤሊዔዘር።

ካብ መዘምራን፦ ኤልያሺብ። ካብ ሓለውቲ ደገ፦ ሻሉም፥ ጤለም፥ ኡሪ።

ካብ እስራኤል ድማ፦ ካብ ደቂ ጳርዖሽ፥ ራምያ፥ ይዝያ፥ መልክያ፥ ሚያሚን፥ ኤልዓዛር፥ መልክያ፥ በናያስ።

ካብ ደቂ ዔላም፦ ማታንያ፥ ዘካርያስ፥ የሒኤል፥ ዓብዲ፥ የሪሞት፥ ኤልያስ።

ካብ ደቂ ዛቱ፦ ኤልዮዔናይ፥ ኤልያሺብ፥ ማታንያ፥ የሪሞት፥ ዛባድ፥ ዓዚዛ።

ካብ ደቂ ቤባይ፦ ኢዮሃናን፥ ሓናንያ፥ ዛባይ፥ ዓትላይ።

ካብ ደቂ ባኒ፦ መሱላም፥ ማሉክ፥ ዓዳያ፥ ያሱብ፥ ሺኣል፥ የሪሞት።

ካብ ደቂ ጳሓት ሞኣብ፦ ዓድና፥ ከላል፥ በናያስ፥ ማዕሴያ፥ ማታንያ፥ ባስልኤል፥ ቢኑይ፥ ምናሴ።

ካብ ደቂ ሓሪም፦ ኤሊዔዘር፥ ይሺያ፥ መልክያ፥ ሳማያ፥ ሺምዖን፥ ብንያም፥ ማሉክ፥ ሳማርያ።

ካብ ደቂ ሓሹም፦ ማታናይ፥ ማታታ፥ ዛባድ፥ ኤሌፋላት፥ የረማይ፥ ምናሴ፥ ሺምዒ።

ካብ ደቂ ባኒ፦ ማዓዳይ፥ እንበረም፥ ኡኤል፥ በናያስ፥ ቤዳያ፥ ከሉሂ፥ ዋንያ፥ መሬሞት፥ ኤልያሺብ፥ ማታንያ፥ ማታናይ፥ ያዓሱ። ካብ ደቂ ቢኑይ፦ ሺምዒ፥ ሰለምያ፥ ናታን፥ ዓዳያ፥ ማክናዴባይ፥ ሻሻይ፥ ሻራይ፥ ዓዛርኤል፥ ሸለምያ፥ ሸማርያ፥ ሻሉም፥ ኣማርያ፥ ዮሴፍ።

ካብ ደቂ ናባው፦ ይዒኤል፥ ማትታንያ፥ ዛባድ፥ ዘቢና፥ ያዳይ፥ ኢዩኤል፥ በናያስ።

ኵሎም እዚኣቶም ጓኖት ኣንስቲ ኣእተዉ፤ ገሊኦም ድማ ውሉድ ዝወለዳሎም ኣንስቲ ነበርኦም።