ብዛዕባ ዕንወት ኢየሩሳሌም ዜና መፀ
ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ፈሪሱ ኣሎ፥ ነህምያ ድማ ነቲ ህዝቢ መሊሶም ክሰርሕዎ ይመርሖም። ኣብ ማእኸል፥ ነቲ ንህዝቡ ብዅሉ ምድረ በዳ ዝደገፈ ኣቦ ዘዘከር ዓብዪ ፀሎት ኣሎ።
1 1ቃላት ነህምያ ወዲ ሓካልያ። ኣብ መበል ዕስራ ዓመት ብወርሒ ኪስሌው፥ ኣብ ግንቢ ሱሳ ነይረ፥ a a v1 ኪስሌው፥ ናይ እብራውያን ዓውደ ኣዋርሕ ታሽዓይ ወርሒ ነበረ፤ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳርን ኣብ ታሕሳስን ዝርከብ እዩ።
2ኣናኒ፥ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይ፥ ምስ ሰባት ካብ ይሁዳ መፀ። ኣነ ኸዓ ብዛዕባ እቶም ዝደሓኑ፥ ካብ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድ፥ ብዛዕባ ኢየሩሳሌምውን ሓተትክዎም። 3ንሳቶም ድማ ከምዙይ በሉኒ፦ “እቲ ካብ ምርኮ ዝተረፈ ተረፍ፥ ኣብቲ ኽፍሊ ሃገር፥ ኣብ ዓብዪ መከራን ውርደትን ኣሎ። ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ፈሪሱ፥ ደጌታታ ድማ ብሓዊ ነዲዱ።”
4እዝ ነገር እዙይ ሰሚዐ፥ ተቐሚጠ በኸኹ፤ ንብዙሕ መዓልቲ እናሓዘንኩ፥ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦና እናፆምኩን እናፀለኹን ነበርኩ። 5ከምዙይ ድማ በልኩ፦ በይዛኻ፥ ኦ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦ፥ ዓቢይን ዘፍርሕን ኣምላኽ፥ ነቶም ዘፍቅርዎን ትእዛዛቱ ዝሕልዉን ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ 6እዝንኻ ጽን ይበል፥ ኣዒንትኻውን ክፉት ይኹን፤ ነዝ ኣነ ባርያኻ ሕዚ ለይትን መዓልትን ምእንቲ ደቂ እስራኤል ባሮትካ ኣብ ቅድሜኻ ዝፅልዮ ዘለኹ ፀሎት ክትሰምዕ፤ ነቲ ንሕና ደቂ እስራኤል ዝበደልናካ ሓጢኣት እናተናዘዝኩ፥ ኣነን ቤት ኣቦይን በዲልና ኢና። 7የመና በዲልና ኢና፤ ነቲ ንስኻ ንባርያኻ ሙሴ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን ኣይሓሎናን።
8በይዛኻ፥ ነቲ ንባርያኻ ሙሴ ዝኣዘዝካዮ ቓል ዘክር፦ “እንተ ጠለምኩም፥ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፤ 9ተመሊስኩም ናባይ እንተ ተመለስኩም፥ ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹምን እንተ ገበርኩምዎምን ግና፥ ምሩኻትኩም ኣብ ዝረሓቐ ወሰን ሰማያት እኳ እንተለዉ፥ ካብኡ ኽእክቦም፥ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኸንብር ዝሓረኽዋ ቦታ ኸምፅኦም እየ።”
10ንሳቶም ባሮትካን ህዝብኻን፥ እቶም ብዓብዪ ሓይልኻን ብብርቱዕ ኢድካን ዝተቤዘኻዮ እዮም። 11በይዛኻ ጐይታ ኣቦይ፥ እዝንኻ ናብ ፀሎት ባርያኻን ናብ ፀሎት ባሮትካን ጽን ይበል፤ ንሳቶም እቶም ንስምካ ምፍራሕ ባህ ዝብሎም እዮም። ሎሚ ንባርያኻ ኣስምረሉ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ሰብኣይ እዙይ ድማ ራህርሀሉ። ኣነ ኸዓ በቲ ጊዜ እቲ ኣሳላፊ ወይኒ ንጉስ ነይረ።