ፀጋን ሰላምን ናብ ቆሮንቶስ
እታ ጳውሎስ ኣዝያ ብሕታዊት መልእኽቱ፥ ንኣገልግሎቱ ብመከራ እናተኸላኸለ፥ ብድኻም ጥራሕ ድማ እናተመከሐ፥ ኣብኡ ሓይሊ እግዚኣብሄር ፍፁም ዝኾነሉ።
1 1ብፍቓድ ኣቦና ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ጳውሎስን ጢሞቴዎስ ሓውናን፥ ኣብ ቆሮንቶስ ናብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣቦና፥ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ኵሎም ቅዱሳን፦ 2ካብ ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፀጋን ሰላምን ይኹንኩም።
ኣቦ ኵሉ ምፅንናዕ
3ኣቦና፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣቦ ምሕረትን ኵሉ ምፅንናዕን፥ ቡሩኽ ይኹን፤ 4ንሱ በቲ ባዕልትና ካብ ኣቦና እንቕበሎ ምፅንናዕ፥ ንኻልኦት ኣብ ኵሉ መከራኦም ምእንቲ ኸነፅናንዖም፥ ኣብ ኵሉ መከራና የፅናንዓና። 5ከምቲ መከራ ክርስቶስ ናባና ዝበዝሕ፥ ምፅንናዕናውን ብክርስቶስ ከምኡ ዝበዝሕ እዩ። 6መከራ እንተ ተቐበልና፥ ንምፅንናዕኹምን ንምድሓንኩምን እዩ፤ እንተ ተፀናናዕና ድማ፥ ነቲ ንሕናውን እንቕበሎ መከራ ብትዕግስቲ ኽትፅመምዎ ከለኹም ዝረጋገፅ፥ ንምፅንናዕኹም እዩ። 7ከምቲ ኣብ መከራ እትሳተፉ፥ ከምኡውን ኣብ ምፅንናዕ ከም እትሳተፉ ስለ እንፈልጥ፥ እቲ ብዛዕባኻትኩም ዘለና ተስፋ ፅኑዕ እዩ።
8ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝገጠመና መከራ ክትፈልጡ ንደሊ ኢና፤ ካብ ዓቕምና ኣዝዩ ንላዕሊ ስለ ዝኸበደና፥ ብህይወት ክንነብር እኳ ተስፋ ቖሪፅና ነበርና። 9ኣብ ርእስና ዘይኮነ ደኣ ኣብቲ ንምዉታን ዘተስኦ ኣቦና ምእንቲ ኽንውከል እምበር፥ ናይ ሞት ፍርዲ ኸም እተቐበልና ኣብ ርእስና ተሰሚዑ ነበረ። 10ካብ ከምዙይ ዝበለ ናይ ሞት ሓደጋ ኣናገፈና፤ መሊሱ ኸዓ ከናግፈና እዩ፤ ገና ኸም ዘናግፈና ድማ ኣብኡ ተስፋ ገይርና ኣለና፤ 11ንስኻትኩም ድማ ብፀሎትኩም ክትሕግዙና ከለኹም፥ በቲ ብብዙሕ ፀሎት ናባና ዝተውሃበ ናይ ፀጋ ውህብቶ ምእንታና ብዙሓት ምእንቲ ኸመስግኑ እዩ።
ጳውሎስ መደቡ ለወጠ
12ትምክሕትና እዝ እዩ፦ ብናይ ዓለም ጥበብ ዘይኮነ ደኣ ብፀጋ ኣቦና፥ ብቕድስናን ብንፅህናን ኣቦና፥ ኣብ ዓለም፥ ብፍላይ ከዓ ናባኻትኩም ከም ዝነበርና ልብና ይምስክረልና እዩ። 13ነቲ እተንብብዎን እተስተውዕልዎን እምበር ካልእ ኣይንፅሕፈልኩምን ኢና፤ ምሉእ ብምሉእ ከም እተስተውዕሉ ድማ ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ 14ከምቲ ብኸፊል ዝተረዳእኹምና፥ ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ፥ ከምቲ ንሕና ብዛዕባኻትኩም እንምካሕ፥ ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባና ክትምክሑ ኢኹም።
15በዝ ምትእምማን እዙይ ድማ፥ ካልኣይ ፀጋ ምእንቲ ኽትረኽቡ፥ ቅድም ናባኻትኩም ክመፅእ መደብኩ። 16ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከለኹ ናባኻትኩም ክበፅሕ፥ ካብ መቄዶንያ ድማ ተመሊሰ ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ንስኻትኩም ከዓ ናብ ይሁዳ ክትፍንዉኒ መደብኩ። 17እዙይ ክመድብ ከለኹ እምበኣር ቀላል ዲየ ነይረ? ወይ “እወ፥ እወ”ን “ኣይኮነን፥ ኣይኮነን”ን ብሓንሳእ ምእንቲ ኽብል፥ ከም ፍቓድ ስጋ ዲየ ዝመድብ? 18ኣቦና እሙን ከም ዝኾነ ርግፅ፥ እቲ ናባኻትኩም ዝበልናዮ ቓል “እወ”ን “ኣይኮነን”ን ኣይነበረን። 19እቲ ብኣይን ብስልዋኖስን ብጢሞቴዎስን ኣብ ማእኸልኩም ዝተሰብከ ወዲ ኣቦና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ “እወ”ን “ኣይኮነን”ን ኣይነበረን፥ ኣብኡ ደኣ ኵልሻዕ “እወ” እዩ ነይሩ። 20ኣቦና ዝኣተዎ ተስፋ ዝኾነ ዅሉ፥ ኣብኡ “እወ” እዩ፤ ስለዙይ ስለ ክብሩ ኢልና፥ ብእኡ ገይርና ንሕናውን ንኣቦና “ኣሜን” ንብል ኢና።
21ሕዚ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ዘፅንዐና፥ ዝቐብኣናውን ኣቦና እዩ፤ 22ንሱ ድማ ዝሓተመና፥ ናይ ዝመፅእ ነገር መረጋገፂ ኽኸውን፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ዝሃበና እዩ። a a v22 እታ 'መረጋገፂ' ንእትብል ናይ ግሪኽ ቃል፥ ናይ ንግዲ ቃል እያ፦ ቅድመ ክፍሊት። ኣቦና ነቲ ገና ዝመፅእ ዘሎ ዅሉ ነገር ከም ቀዳማይ ክፍሊት ጌሩ፥ ነቲ ዝጀመሮ ኸም ዝውድኦ መረጋገፂ ገይሩ፥ መንፈስ ቅዱስ ይህብ። 23ምእንቲ ክናሕሰየልኩም ኢለ ናብ ቆሮንቶስ ከም ዘይተመለስኩ፥ ብነፍሰይ ንኣቦና ምስክር ጌረ እፅውዕ ኣለኹ። 24ኣብ እምነትኩም እንገዝእ ዘይኮነ ደኣ፥ ንሓጐስኩም ምሳኻትኩም ሓቢርና እንሰርሕ ኢና እምበር፤ ብእምነት ፅኑዓት ኴንኩም ጠጠው ኢልኩም ኣለኹም እሞ።