ብንብዓት ዝተፀሓፈ መልእኽቲ
ኣብኡ ሓደ ሰብ ንጳውሎስ በዲሉ ነይሩ፥ እቶም ብዙሓት ድማ ቐፅዕዎ። ጳውሎስ ከዓ፥ እዙይ ሕዚ ይኣክል፥ ቅድሚ ሓዘን ዝውሕጦ ይቕረ በልሉ፥ ይብል። ነታ ብንብዓት ዝተፀሓፈት መልእኽትን ነቲ ዝተረፈ ምብፃሕን የብርህ፤ ክልቲኡ ካብ ዘይግዳስ ዘይኮነስ፥ መሊሱ ኸየጕህዮም ዘይደለየ ፍቕሪ እዩ ነይሩ።
2 1ስለዙይ ካልኣይ ጊዜ ብሓዘን ናባኻትኩም ከይበፅሕ፥ ኣብ ልበይ ወሰንኩ። 2ኣነ እንተ ኣጕሃይኩኹም ደኣ፥ ብዘይ እቲ ኣነ ዘጕሃኽዎ፥ ዘሕጕሰኒ መን ተሪፉ? 3ነዙይ ዝፀሓፍኩ ኸዓ፥ ምስ መፃእኩ እቶም ከሕጕሱኒ ዝግብኦም ምእንቲ ኸየጕህዩኒ እየ፤ ሓጐሰይ ሓጐስ ኵላትኩም ምዃኑ፥ ብዛዕባ ኵላትኩም ተኣሚነ ኣለኹ። 4ካብ ብርቱዕ ጭንቅን ስቓይ ልብን ተልዒለ፥ ብብዙሕ ንብዓት ፀሓፍኩልኩም፤ ከጕህየኩም ዘይኮንኩስ፥ እታ ንኣኻትኩም ዘላትኒ ዝበዝሐ ፍቕሪ ምእንቲ ኸርእየኩም ደኣ እምበር።
5ሓደ ሰብ ሓዘን ኣምፂኡ እንተ ኾይኑ ግና፥ ንኣይ ኣይኮነን ኣጕሃየኒ፥ ብገለ መጠን ደኣ ንኵላትኩም እምበር፤ ኣብ ልዕሊኡ ብዙሕ ከኽብደሉ ኣይደልን እየ።
ይቕረ በሉሉ መሊስኩምውን ኣፅንዕዎ
6ንኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ እዝ ብብዙሓት ዝተገብረ መቕፃዕቲ ይኣኽሎ እዩ። 7ሕዚ ግና ብኣንፃሩ ይቕረ ኽትብሉሉን ከተፅናንዕዎን ይግባእ፤ እንተ ዘይኮነ ብመጠን ዘይብሉ ሓዘን ከይውሕጦ። 8ስለዙይ ፍቕርኹም ንእኡ መሊስኩም ከተፅንዕዎ እምሕፀነኩም ኣለኹ። 9ነዙይ ዝፀሓፍኩ ኸዓ፥ ክፍትነኩምን ብዅሉ እዙዛት ምዃንኩም ክፈልጥን ኢለ እየ። 10ንስኻትኩም ይቕረ ንእትብሉሉ ዅሉ፥ ኣነውን ይቕረ እብለሉ እየ። እቲ ይቕረ ዝበልክዎ ገለ እንተሎ ኸዓ፥ ምእንታኹም ኢለ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ በልኩ፥ 11ሰይጣን ምእንቲ ኸየታልለና፤ ተንኰሉ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ።
12ናይ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ናብ ጥሮኣስ ምስ መፃእኩ፥ ብጐይታ ደገ ተኸፈተለይ፥ 13መንፈሰይ ግና ዕረፍቲ ኣይረኸበን፤ ንቲቶ ሓወይ ኣብኡ ስለ ዘይረኸብክዎ። ስለዙይ ተሰናቢተዮም ናብ መቄዶንያ ኸድኩ።
14ነቲ ብክርስቶስ ኵልሻዕ ብዓወት ዝመርሐናን፥ ብኣና ኣቢሉ ኸዓ መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝዝርግሐን ኣቦና ግና ምስጋና ይኹን። a a v14 ናይ ዓወት ሰልፊ፥ ሓደ ዝሰዓረ ሓለቓ ሰራዊት ንምሩኻቱ እናመርሐ፥ ኣብ መንገዱ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን እናዐጠነ ዝግበር ሮማዊ በዓል ዓወት እዩ ነይሩ — ጳውሎስ ንኣቦና ኣብ ዓወት ክርስቶስ ንህዝቡ እናመርሐ ይስእሎ ኣሎ። 15ንሕና ኣብ መንጎ እቶም ዝድሕኑን እቶም ዝጠፍኡን፥ ናይ ክርስቶስ መኣዛ ንኣቦና ኢና እሞ፥ 16ነቶም ሓደ፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዝኸውን መኣዛ፤ ነቶም ካልኦት ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዝኸውን መኣዛ ኢና። ነዙይከ መን እዩ ዝኣኽሎ? 17ንሕና ኸምቶም ብዙሓት፥ ቃል ኣቦና ዝሸጡ ኣይኮንናን፤ ብቕንዕና ደኣ፥ ካብ ኣቦና ኸም ዝተልኣኽና ኣብ ቅድሚኡ ብክርስቶስ ንዛረብ እምበር።