ራእይ ኣብ ዘይብሉ
ብዛዕባ ገዛእቲ፥ ቍጥዓን ውሉድን። ፃድቃን ምስ ዝዕምብቡ ህዝቢ ይሕጐስ፥ ሓጢኣተኛታት ምስ ዝገዝኡ ግና ይግዕር። ዓሻ ኵሉ ቝጥዓኡ የውፅእ፥ ብዘረባኡ ዝሃውኽ ሰብ ድማ ካብ ዓሻ ይኸፍእ። ራእይ ኣብ ዘይብሉ፥ ህዝቢ ይዘባረቕ።
29 1ብዙሕ ጊዜ እናተገስፀ ኽሰምዕ ዘይደሊ ሰብ፥ ብድንገት ፈውሲ ብዘይብሉ ኽስበር እዩ። 2ፃድቃን ምስ ዝዕምብቡ፥ ህዝቢ ይሕጐስ፤ ሓጢኣተኛታት ምስ ዝገዝኡ ግና፥ ህዝቢ ይግዕር። 3ጥበብ ዘፍቅር ሰብ፥ ንኣቦኡ የሐጕሶ፤ ብፃይ ኣመንዝራታት ግና፥ ሃብቱ ይብትን። 4ንጉስ ብፍርዲ ንሃገር የፅንዓ፤ ጉቦ ዝደሊ ሰብ ግና የፍርሳ። 5ንብፃዩ ዘሞጕስ ሰብ፥ ንኣእጋሩ መርበብ ይዝርግሓሉ። 6ክፉእ ሰብ ብገዛእ ሓጢኣቱ ይፍንጠር፤ ፃድቕ ግና ይዝምር፥ ይሕጐስ ድማ። 7ፃድቕ ንፍርዲ ድኻ ይግደሰሉ፤ ሓጢኣተኛ ግና ከምዙይ ዝበለ ምስትውዓል የብሉን። 8መላገፅቲ ንኸተማ የንድድዋ፤ ጠቢባን ግና ንቝጥዓ የህድኡ። 9ጥበበኛ ሰብ ምስ ዓሻ ናብ ፍርዲ ምስ ዝኸይድ፥ እቲ ዓሻ ይቝጥዕን የላግፅን፤ ሰላምውን የለን። 10ደመኛታት ንፍፁም ይፀልኡ፤ ንቅኑዕ ከዓ ኽቐትልዎ ይደልዩ። 11ዓሻ ኵሉ ቝጥዓኡ የውፅእ፤ ጥበበኛ ግና ይገትኦ፥ ንርእሱ የህድእ። 12ገዛኢ ንሓሶት እንተ ሰሚዑ፥ ኵሎም ሹማምቱ ክፉኣት ይኾኑ። 13ድኻን ገፋዒን ሓደ ዝሓብሮም ነገር ኣለዎም፦ ኣቦና ንኣዒንቲ ክልቲኦም የብርሃለን። 14ንጉስ ንድኻ ብቕንዕና እንተ ፈረደ፥ ዙፋኑ ንዘለኣለም ፅኑዕ ይኸውን። 15በትሪ ምስ ቃል ተግሳፅ ጥበብ ይህብ፤ ንርእሱ ዝተገደፈ ውሉድ ግና፥ ንእኖኡ የሕፍራ። 16ሓጢኣተኛታት ምስ ዝዕምብቡ፥ ዓመፅ ይዕምብብ፤ ፃድቃን ግና፥ ውድቀት እቶም ሓጢኣተኛታት ክርእዩ እዮም። 17ንወድኻ ገስፆ፥ ንሱ ኸዓ ሰላም ክህበካ እዩ፤ ንልብኻውን ደስ ከብሎ እዩ። 18ራእይ ኣብ ዘይብሉ፥ ህዝቢ ይዘባረቕ፤ ሕጊ ዝሕሉ ግና፥ ብፁእ እዩ። 19ባርያ ብቓል ጥራሕ ኣይግሰፅን፤ እንተ ኣስተውዓለ እኳ፥ ኣይእዘዝን እዩ። 20ብዘረባኡ ዝሃውኽ ሰብ ትርኢ ዲኻ? ካብኡ ንዓሻ ዝበለፀ ተስፋ ኣሎ። 21ባርያ ኻብ ንእስነቱ ጀሚርካ ብቕብጠት እንተ ኣዕበኻዮ፥ ኣብ መወዳእታ ኸም ወራሲ ክኸውን እዩ። 22ዝቝጣዕ ሰብ ባእሲ የለዓዕል፤ ሕንቁቕ ሰብ ከዓ ብዙሕ ሓጢኣት ይገብር። 23ትዕቢት ሰብ የዋርዶ፤ ትሑት መንፈስ ግና፥ ክብሪ የጥሪ። 24መሻርኽቲ ሰራቒ፥ ንገዛእ ነፍሱ ፀላኢ እዩ፤ መርገም ይሰምዕ፥ ገለ ግና ኣይዛረብን። a a v24 እቲ ‘መርገም’ ነቲ ገበን ዝረኣየ ዝኾነ ሰብ ቀሪቡ ክምስክር ዝግድድ ህዝባዊ መሐላ እዩ። 25ፍርሓት ሰብ መፈንጠር የንብር፤ ኣብ ኣቦና ዝተኣማመን ግና፥ ብሰላም ይነብር። 26ብዙሓት ሞገስ ገዛኢ ይደልዩ፤ ፍርዲ ሰብ ግና፥ ካብ ኣቦና እዩ ዝመፅእ። 27ዓማፃይ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፃድቃን ርኹስ እዩ፤ ቅኑዕ ሰብ ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ሓጢኣተኛታት ርኹስ እዩ።