ኑዛዜ ኣጉር
ኣጉር ንኣቦኡ ከም ዝደኸመን ናይ ባዕሉ ጥበብ ከም ዜብሉን ይእመን፥ ድሕሪኡ ሓንቲ ነገር ይልምን፦ ድኽነት ኮነ ሃብቲ ዘይኮነስ፥ እቲ ዝግብኦ እንጀራ ጥራሕ። እቲ ዝተረፈ ብኣፃብዕቱ ይቖፅር፦ ኣርባዕተ ነገራት ከቶ ዘይፀግባ፥ ኣርባዕተ ኣዝዩ ዘደንቑ፥ ኣርባዕተ ንኣሽቱን ጥበበኛታትን።
30 1ቃላት ኣጉር ወዲ ያቄ፥ እቲ ምስላ። እቲ ሰብኣይ ከምዙይ ይብል፦ ደኺመ ኣለኹ፥ ኦ ኣቦይ፤ ደኺመ ኣለኹ፥ ኦ ኣቦይ፥ ሃሊኸ ድማ ኣለኹ። 2ብሓቂ ኣነ ሰብ ንኽኸውን ኣዝዩ ገፋፊ እየ፤ ምስትውዓል ሰብ የብለይን። 3ጥበብ ኣይተማሃርኩን፤ ፍልጠት እቲ ቅዱስ ድማ የብለይን። 4ናብ ሰማይ ደይቡ ዝወረደ መን እዩ? ንፋስ ብሕፍኑ ዝኣከበ መን እዩ? ንማያት ብኽዳን ዝጠቕለለ መን እዩ? ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ዘቖመ መን እዩ? ስሙ መን እዩ? ስም ወዱ ድማ መን እዩ? ብርግፅ ትፈልጥ ኢኻ! a a v4 ኣጉር ነዝ ነገራት እዙይ ዝገበረ መንን ስም ወዱ መንን ምዃኑ ይጥይቕ ኣሎ። ኢየሱስ ድማ ነቲ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከምዙይ ኢሉ መለሶ፦ “ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደኳ የለን” (ዮሃንስ 3፥13)። ኣቦ ወዲ ኣለዎ። 5ነፍሲ ወከፍ ቃል ኣቦና ፅሩይ እዩ፤ ንሱ ነቶም ናብኡ ዝዕቆቡ ዋልታ እዩ። 6ኣብ ቃላቱ ኣይትውስኽ፤ ከይገስፀካ ሓሳዊ ኸዓ ከይገብረካ። 7ክልተ ነገር እልምነካ ኣለኹ፤ ከይሞትኩ ከሎ ካባይ ኣይትኽልኣዮ፦ 8ዓመፅን ሓሶትን ካባይ ኣርሕቕ፤ ድኽነት ኮነ ሃብቲ ኣይትሃበኒ፤ ዝግብኣኒ እንጀራ ጥራሕ ምገበኒ፥ 9እንተ ፀገብኩ ከይክሕደካ “እግዚኣብሄር መን እዩ?” ከይብል፥ ወይ እንተ ደኸኹ ከይሰርቕ፥ ስም ኣምላኸይ ከዓ ከየርክስ። 10ንባርያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይተሕምዮ፤ ከይረግመካ በደለኛ ኸዓ ከይትኸውን። 11ነቦኡ ዝረግም ወለዶ ኣሎ፥ ንኖኡ ኸዓ ዘይባርኽ። 12ኣብ ገዛእ ዓይኑ ንፁህ ዝኾነ ወለዶ ኣሎ፥ ካብ ርኽሰቱ ግና ዘይተሓፀበ። 13ወለዶ ኣሎ፥ ዓይኑ ኽንደይ ዕቡይ፥ ትርኢቱ ኸዓ ኽንደይ ዝንዕቕ እዩ! 14ኣስናኑ ኣስይፍቲ ዝኾኑ ወለዶ ኣሎ፥ መንከሱ ድማ ፅንፅልሒት፥ ነቶም ድኻታት ካብ ምድሪ፥ ነቶም ፅጉማት ከዓ ካብ ማእኸል ሰብ ኽበልዑ። 15ንዕላቕ ክልተ ኣዋልድ ኣለዋ፤ “ሃብ! ሃብ!” ይብላ። ሰለስተ ነገራት ከቶ ኣይፀግባን፥ ኣርባዕተ ኸዓ “ይኣክል” ኣይብላን፦ 16መቓብር፥ መኻን ማህፀን፥ እታ ብማይ ዘይትፀግብ ምድሪ፥ እቲ “ይኣክል” ዘይብል ሓዊ ኸዓ። 17እታ ነቦኡ እትላገፅ ዓይኒ፥ ንኖኡ ምእዛዝ ከዓ እትንዕቕ፥ እቶም ኳዃት ስንጭሮ ክጐድጕድዋ እዮም፥ ጨቓዊት ኣሞራ ኸዓ ኽበልዕዋ እዮም። 18ሰለስተ ነገራት ንኣይ ኣዝዩ ዘደንቑ እዮም፤ ኣርባዕተ ኸዓ ኣየስተውዕሎምን፦ 19መንገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፥ መንገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፥ መንገዲ መርከብ ኣብ ማእኸል ባሕሪ፥ መንገዲ ሰብኣይ ምስ ጓል ከዓ። 20መንገዲ ኣመንዝራ ኸምዙይ እዩ፦ ትበልዕ ኣፋ ኸዓ ትሕከ፥ “ገለ እከይ ኣይገበርኩን” ድማ ትብል። 21ምድሪ ኣብ ትሕቲ ሰለስተ ነገር ትርዕድ፤ ኣብ ትሕቲ ኣርባዕተ ኸዓ ክትፆሮ ኣይትኽእልን፦ 22ባርያ እንተ ነጊሱ፥ ዓሻ ኸዓ ብምግቢ ምስ ፀገበ፤ 23ፅልእቲ ሰበይቲ መወዳእታ እንተ ተመርዒያ፥ ገረድ ኸዓ ንእምበይተኣ ምስ ተከአት። 24ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ንኣሽቱ ነገራት ኣለዉ፥ ንሳቶም ግና የመና ጥበበኛታት እዮም፦ 25ፃፀ ዘይበርትዑ ህዝቢ እዮም፥ ምግቦም ግና ብሓጋይ የክቡ፤ 26ጤሎ ዘይብርቱዕ ህዝቢ እዮም፤ ገዛኦም ግና ኣብ ኣኻውሕ ይሰርሑ፤ 27ኣንበጣ ንጉስ የብሎምን፤ ኵሎም ግና ብሰልፊ ይኸዱ፤ 28ጐብየ ብኢድካ ክትሕዞ ትኽእል፤ ኣብ ኣዳራሽ ነገስታት ግና ይርከብ። 29ሰለስተ ብምኻዶም ግርማ ዘለዎም ኣለዉ፤ ኣርባዕተ ኸዓ ብኻዳኦም ዝግርሙ እዮም፦ 30ኣንበሳ፥ ካብ ኵሎም ኣራዊት ዝሓየለ፥ ካብ ዝኾነ ዘይምለስ፤ 31እቲ እናተዀራዕ ዝኸይድ ደርሆ፥ ድቤላ፥ ሰራዊቱ ምስኡ ዘለዎ ንጉስ ድማ። 32ንባዕልኻ ልዒልካ ዓሻ እንተ ኔርካ፥ ወይ ክፉእ እንተ መኺርካ፥ ኢድካ ኣብ ኣፍካ ግበር። 33ፀባ ምጭፋቕ ርግኦ የውፅእ፥ ኣፍንጫ ምጭፋቕ ከዓ ደም የውፅእ፤ ቍጥዓ ምልዕዓል ድማ ባእሲ የውፅእ።