ምስላ ኣደ ንንጉስ
ንግስቲ ኣደ ንወዳ እቲ ንጉስ፥ ወይኒ ንገዛእቲ መሰል እቶም ግፉዓት ከም ዘረስዖም ተጠንቕቖ፥ ስለዙይ ንዘይዛረቡ ኽዛረበሎም ኣለዎ። ድሕሪኡ ምስሊ ብርትዕቲ ሰበይቲ፥ ግራት እትዕድግ፥ ብዓወት እትነግድ፥ ድሕሪ ፀልማት እትሰርሕ፥ ኣብ ደጌታት ከተማ ኸዓ እትንኣድ።
31 1ቃላት ንጉስ ለሙኤል፥ እቲ ኣዲኡ ዝመሃረቶ ምስላ፦ 2እንታይ፥ ወደይ? እንታይ፥ ወዲ ማህፀነይ? እንታይ፥ ወዲ መብፅዓይ? 3ሓይልኻ ንኣንስቲ ኣይትሃብ፥ መንገድኻ ድማ ነቶም ንነገስታት ዘጥፍኡ ኣይትሃብ። 4ኦ ለሙኤል፥ ወይኒ ምስታይ ንነገስታት ኣይኮነን፥ ብርቱዕ መስተ ምምናይ ከዓ ንኣሕሉቕ ኣይኮነን። 5እንተ ሰተዩ፥ እቲ ዝተኣዘዘ ይርስዑ፥ መሰል ኵሎም ግፉዓት ከዓ የቐይኑ እዮም እሞ። 6ብርቱዕ መስተ ነቲ ዝጠፍእ ዘሎ ሃቦ፥ ወይኒ ድማ ነቶም ኣብ መሪር ፀበባ ዘለዉ ሃቦም። 7ይስተዩ እሞ ድኽነቶም ይረስዑ፥ መከራኦም ድማ ደጊም ኣይዘክሩን። 8ኣፍካ ነቶም ዘይዛረቡ ክፈት፥ ንመሰል ኵሎም እቶም ዝተገድፉ ድኻታት ክፈት። 9ኣፍካ ክፈት፥ ብፅድቂ ፍረድ፥ ንመሰል ድኻን ፅጉምን ከዓ ተማጐት።
ብርትዕቲ ሰበይቲ
10ብርትዕቲ ሰበይቲ መን ክረኽባ ይኽእል? ካብ ክቡር ዕንቊ ኣዝያ ትኸብር። 11ልቢ ሰብኣያ ይኣምና፥ ዝኾነ ክቡር ነገር ድማ ኣይስእንን። 12ብዅሉ መዓልቲታት ህይወታ፥ ፅቡቕ ደኣ እምበር ክፉእ ኣይትገብረሉን። 13ፀጕሪ በጊዕን እንጣጢዕን ትደሊ፥ ብፍቓደኛ ኣእዳዋ ድማ ትሰርሕ። 14ከም መራኽብ ንግዲ እያ፥ ምግባ ኻብ ርሑቕ ተምፅእ። 15ገና ለይቲ እንተሎ ትትስእ፥ ንስድራ ቤታ ምግቢ ተዳሉ፥ ንኣግራዳ ድማ ግደ ትህብ። 16ሓደ ግራት ርእያ ትዕድጎ፥ ካብ ፍረ ኣእዳዋ ድማ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል። 17ንርእሳ ብሓይሊ ትዓጥቕ፥ ቀላፅማ ድማ ተበርትዕ። 18ንግዳ ኸም ዝኸስብ ትግንዘብ፤ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። 19ኣእዳዋ ናብ መፍተል ትዝርግሕ፥ ኣእዳዋ ድማ ንእንዝርት ይሕዛ። 20ነቲ ድኻ ኢዳ ትኸፍት፥ ናብ ፅጉም ድማ ኣእዳዋ ትዝርግሕ። 21ንስድራ ቤታ ኣይትፈርሕን፥ በረድ ኣብ ዝወርደሉ ጊዜ፤ ኵሉ ስድራ ቤታ ቀይሕ ግምጃ ተኸዲኑ እዩ እሞ። 22ንርእሳ ምንፃፋት ትገብር፤ ክዳና ኸዓ ቀጢን ዓለባን ሕብሪ ወይንን እዩ። 23ሰብኣያ ኣብ ደጌታት ይፍለጥ፥ ምስ ዓበይቲ እታ ሃገር ኮፍ ኣብ ዝብለሉ ጊዜ። 24ቀጢን ክዳውንቲ ሰሪሓ ትሸጥ፥ ንነጋዶ ድማ ቅናውቲ ተቕርበሎም። 25ሓይልን ክብረትን ክዳና እዮም፥ ነተን ዝመፃ መዓልቲታት ከዓ ትስሕቕ። 26ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፥ ናይ እምነት ትምህርቲ ኸዓ ኣብ ልሳና ኣሎ። 27መንገዲ ስድራ ቤታ ትሕሉ፥ እንጀራ ስንፍና ኸዓ ኣይትበልዕን። 28ደቃ ተሲኦም ብፅእቲ ይብልዋ፤ ሰብኣያ ኸዓ ከምኡ፥ ይንእዳ ድማ፦ 29“ብዙሓት ኣዋልድ ብርትዐ ገይረን፥ ንስኺ ግና ንዅለን ትበልፅየን ኢኺ።” 30ሞገስ መስሓቲ እዩ፥ ፅባቐ ኸዓ ጊዜያዊ እዩ፥ ንኣቦና እትፈርሕ ሰበይቲ ግና ክትንኣድ እያ። 31ፍረ ኣእዳዋ ሃብዋ፥ ግብራ ኸዓ ኣብ ደጌታት ይንኣዳ።