ኣቦ ንጋይ ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕለፋ
ኣቦና ንጋይ ብሕቡእ ደጀንን ብግብዝና ምህዳምን ካልኣይ ጊዜ ኣሕሊፉ ሃቦ፥ ንጉሳ ኸዓ ተሰቕለ። ሽዑ፥ ኣብ መንጎ ውግኣት ብዘይተለመደ ኣገባብ ተቐሚጡ፥ ብምሉኡ እቲ ጉባኤ—ስደተኛታት ሓዊሱ—ኣብ ክልተ ኣኽራን ደው በለ፥ ኵሉ ቃል ሕጊ፥ በረኸትን መርገምን፥ ዓው ኢሉ ተነበበ።
8 1ኣቦና ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበር። ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ምሳኻ ወሲድካ ናብ ጋይ ደይብ። እንሆ፥ ንንጉስ ጋይን ንህዝቡን ንኸተማኡን ንምድሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ። 2ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮ፥ ንጋይን ንንጉሳን ከምኡ ግበር፤ ነቲ ምርኮን እንስሳን ግና ንስኻትኩም ውሰዱ። ኣብ ድሕሪ እታ ኸተማ ድማ ሕቡእ ደጀን ኣንብር።”
3ኢያሱን ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰባትን ድማ ናብ ጋይ ክድይቡ ተልዓሉ። ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሓርዩ ኸዓ ብለይቲ ሰደዶም። 4ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዘዞም፦ “እንሆ፥ ኣብ ድሕሪ እታ ኸተማ ሕቡኣት ኴንኩም ተፀበዩ፤ ካብታ ኸተማ ኣዚኹም ኣይትረሓቑ፤ ኵላትኩም ድማ ተጠንቀቑ። 5ኣነን ኵሎም እቶም ምሳይ ዘለዉ ህዝብን ናብታ ኸተማ ክንቐርብ ኢና። ከምቲ ቐደም ክዋግኡና ምስ ወፁ ድማ፥ ካብ ቅድሚኦም ክንሃድም ኢና። 6ንሳቶም ድማ ካብ ከተማ ኽሳዕ ነርሕቖም ደድሕሬና ክወፁ እዮም፤ ‘ከምቲ ቐደም ካብ ቅድሜና ይሃድሙ ኣለዉ’ ክብሉ እዮም እሞ። ሽዑ ካብ ቅድሚኦም ክንሃድም ኢና። 7ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ሕቡእ ደጀን ተሲእኹም ነታ ኸተማ ሓዝዋ፤ ኣቦኻትኩም ኣብ ኢድኩም ከሕልፈልኩም እዩ እሞ። 8ነታ ኸተማ ምስ ሓዝኩማ ኸዓ፥ ብሓዊ ኣቃፅልዋ፤ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዘ ግበሩ። እንሆ፥ ኣዘዝኩኹም።”
9ኢያሱ ድማ ሰደዶም፤ ንሳቶም ከዓ ናብቲ ሕቡእ ደጀን ዝግበረሉ ቦታ ኸይዶም፥ ኣብ መንጎ ቤትኤልን ጋይን፥ ብወገን ምዕራብ ጋይ ተፀበዩ፤ ኢያሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ሓደረ። 10ኢያሱ ድማ ኣንጊሁ ተሲኡ ነቲ ህዝቢ ኣከቦ፤ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ኮይኑ ኸዓ ናብ ጋይ ኣደየቦም። 11ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት ድማ ወፁ፤ ቀሪቦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እታ ኸተማ በፂሖም፥ ብሰሜን ጋይ ሰፈሩ፤ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ጋይን ድማ ለሰ ነበረ። 12ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ወሲዱ ድማ ኣብ መንጎ ቤትኤልን ጋይን፥ ብወገን ምዕራብ እታ ኸተማ ሕቡእ ደጀን ኣንበረ። 13ነቲ ህዝቢ ኸዓ ኣሰለፍዎ፤ ኵሉ እቲ ሰፈር ብሰሜን እታ ኸተማ፥ እቲ ድሕሪት ዝሓለወ ሰራዊት ድማ ብምዕራብ እታ ኸተማ ኾነ፤ ኢያሱ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል እቲ ለሰ ኣተወ። 14ንጉስ ጋይ ድማ እዙይ ምስ ረአየ፥ ሰብ እታ ኸተማ ኣንጊሆም ተሲኦም ናብቲ ኣብ ቅድሚ ዓራባ ዘሎ እተመደበ ቦታ፥ ንሱን ኵሉ ህዝቡን ንእስራኤል ኽወግእዎም ቀልጢፎም ወፁ። ኣብ ድሕሪ እታ ኸተማ ድማ ሕቡእ ደጀን ከም ዝፅበ ኣይፈለጠን። a a v14 ዓራባ ኢሉ ዝተፀውዐ እቲ ኻብ ባሕሪ ገሊላ ንደቡብ ናብ ምዉት ባሕሪ ዝወርድ ዓሚቕ ጎላጕል ሽንጥሮ ዮርዳኖስ እዩ። 15ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን ድማ ከም ዝተሳዕሩ ኾይኖም ናብ ምድረ በዳ ገፁ ሃደሙ። 16ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ኵሎም ህዝቢ ድማ ክሳጕጕዎም ተፀዋዒዖም ወፁ፤ ንኢያሱ እናሰዓቡ ኸዓ ካብታ ኸተማ ተርሓቑ። 17ኣብ ጋይ ኮነ ኣብ ቤትኤል፥ ደድሕሪ እስራኤል ዘይወፀ ሓደ ሰብኣይ እኳ ኣይተረፈን፤ ነታ ኸተማ ኸፊቶም ሓዲጎም ድማ ንእስራኤል ሰዓቡ።
18ኣቦና ድማ ንኢያሱ “ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ መዝረቕ ናብ ጋይ ዘርግሖ፤ ኣብ ኢድካ ኸሕልፈልካ እየ እሞ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ መዝረቕ ናብታ ኸተማ ዘርግሖ።
19ኢዱ ምስ ኣልዓለ ኸዓ፥ እቶም ሕቡኣት ተዋጋእቲ ብቕልጡፍ ካብ ቦታኦም ተሲኦም ናብታ ኸተማ ጎይዮም ኣተዉ፤ ሓዝዋ ድማ ቀልጢፎም ብሓዊ ኣንደድዋ። 20ሰብ ጋይ ድማ ንድሕሪኦም ግልፅ ምስ በሉ፥ እንሆ ኻብታ ኸተማ ትኪ ናብ ሰማይ እንትዓርግ ረአዩ፤ እቶም ናብ ምድረ በዳ ዝሃደሙ ኸዓ ናብቶም ዝሰዓብዎም ተመሊሶም ስለ ዝነበሩ፥ ንኽሃድሙ መንገዲ ኣይነበሮምን። 21ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን ድማ እቶም ሕቡኣት ተዋጋእቲ ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፥ ትኪ እታ ኸተማ ድማ ኸም ዝዓረገ ምስ ረአዩ፥ ተመሊሶም ንሰብ ጋይ ወቕዕዎም። 22እቶም ካልኦት ድማ ክቕበልዎም ካብታ ኸተማ ወፁ፤ ስለዙይ ሰብ ጋይ ኣብ ማእኸል እስራኤል፥ ገሊኦም በዝ ገሊኦም በቱ ኾይኖም ተኸበቡ። እስራኤል ድማ ክሳዕ ሓደ እኳ ዘይተርፍ ወይ ዘየምልጥ ወቕዕዎም። 23ንንጉስ ጋይ ግና ብህይወቱ ሒዞም ናብ ኢያሱ ኣምፅእዎ።
24እስራኤል ድማ ነቶም ኣብ መሮርን ኣብቲ ዝሰጐጕዎም ምድረ በዳን ዝነበሩ ኵሎም ሰብ ጋይ ምቕታል ምስ ወድኡ፥ ኵሎም ከዓ ክሳዕ ሓደ እኳ ዘይተርፍ ብስሕለት ሰይፊ ምስ ወደቑ፥ ኵሎም እስራኤል ናብ ጋይ ተመሊሶም ብስሕለት ሰይፊ ወቕዕዋ። 25በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ ኵሎም፥ ሰብኡት ይኹኑ ኣንስቲ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነበሩ፤ ኵሎም ህዝቢ ጋይ እዮም። 26ኢያሱ ድማ ንኵሎም ሰብ ጋይ ክሳዕ ፈፂሙ ዘጥፍኦም፥ ነቲ ዝዘርግሖ ዝነበረ መዝረቕ ዝሓዘት ኢዱ ኣይመለሳን። 27እስራኤል ድማ ከምቲ ኣቦና ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ናይታ ኸተማ እቲኣ እንስሳን ምርኮን ጥራሕ ንርእሶም ወሰዱ። 28ኢያሱ ድማ ንጋይ ኣንደዳ፤ ንዘለኣለም ዝነብር ኵምራ ዑና ገይሩ ኸዓ ገበራ፤ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ዑና ኾይና ኣላ። 29ንንጉስ ጋይ ከዓ ክሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ። ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ ኢያሱ ሬሳኡ ኣውሪዶም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኽድርብይዎ ኣዘዘ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ዓብዪ ኵምራ እምኒ ኣቑሙ፤ ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብኡ ኣሎ።
እስራኤል ኪዳን ኣቦ ኣሐደሰ
30ሽዑ ኢያሱ ኣብ እምባ ጌባል ንኣቦና፥ ንኣምላኽ እስራኤል፥ መሰውኢ ሰርሐ፤ 31ከምቲ ባርያ ኣቦና ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ዝኣዘዞም፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ዝተፅሓፈ ድማ፥ እቲ መሰውኢ ሓፂን ዘይተንከፎ፥ ብዘይተወቕረ ኣእማን ዝተሰርሐ ነበረ። ኣብኡ ኸዓ ንኣቦና ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡ፤ መስዋእቲ ሰላምውን ሰውኡ። 32ኣብኡ ድማ ኢያሱ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል፥ ካብቲ ሙሴ ዝፀሓፎ ሕጊ ሙሴ ቀዲሑ ኣብቲ ኣእማን ፀሓፈ። 33ኵሎም እስራኤል፥ ጓና ይኹን ወዲ ዓዲ፥ ምስ ዓበይቶምን ሹማምቶምን ፈረድቶምን ኮይኖም፥ ነቶም ታቦት ኪዳን ኣቦና ዝፆሩ ሌዋውያን ዝኾኑ ካህናት እናጠመቱ፥ ብኽልተ ወገን እቲ ታቦት ደው በሉ። ነቲ ህዝቢ እስራኤል ክባርኽዎ ኸምቲ ባርያ ኣቦና ሙሴ ቐደም ዝኣዘዞም፥ ፍርቆም ናብ እምባ ገሪዛን፥ ፍርቆም ድማ ናብ እምባ ጌባል ኣቢሎም ጠመቱ። 34ድሕሪኡ ድማ ኵሉ ቓል እቲ ሕጊ፥ እቲ በረኸትን እቲ መርገምን፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ዝተፅሓፈ፥ ኣንበቦ። 35ካብቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኵሉ ቓል፥ ሓደ እኳ ዘይተርፍ፥ ኢያሱ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ጉባኤ እስራኤል፥ ኣብ ቅድሚ ኣንስትን ቆልዑን ኣብ ማእኸሎም ዝነብሩ ጓኖትን ኣንበቦ።