ሕቡእ ሓጢኣት ኣብ ጋይ ስዕረት ኣምፅአ
ጋይ ንሓንቲ ንእሽተይ ሰራዊት እስራኤል ሰዓረቶ፥ ትብዓት እቲ ህዝቢ ድማ መኸኸ። ኢያሱ ምስ ጠረዐ ኣቦና ቐጥ ዝበለ መልሲ ሃቦ፦ ሓደ ሰብ ካብቲ ዝተሓረመ ሰሪቑ። ኣካን ድማ ከም ዝረኣዮን ከም ዝተመነዮን ከም ዝወሰዶን ከም ዝሓብኦን ኣመነ፤ ንሱን ኵሉ ንብረቱን ከዓ ኣብቲ ለሰ ጠፍኡ።
7 1ደቂ እስራኤል በቲ ዝተሓረመ ነገር በደሉ፤ ኣካን ወዲ ካርሚ፥ ወዲ ዛብዲ፥ ወዲ ዛራ፥ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ፥ ካብቲ ዝተሓረመ ወሰደ። ስለዙይ ቍጥዓ ኣቦና ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ። a a v1 ሓደ ነገር ‘ንጥፍኣት ዝተሓረመ’ እንትኸውን፥ ብምሉኡ ናይ እግዚኣብሄር ይኸውን ነይሩ፤ ዝኾነ ሰብ ገለ ኽፋሉ ንርእሱ ኽሕዝ ኣይፍቀደሉን ነይሩ። 2ኢያሱ ድማ ካብ ኢያሪኮ፥ ናብታ ኣብ ጥቓ ቤት ኣዌን፥ ብምብራቕ ቤቴል ዘላ ጋይ ሰባት ለኣኸ፤ “ደይብኩም ነታ ምድሪ ስለይዋ” ድማ በሎም። ንሳቶም ከዓ ደዪቦም ንጋይ ሰለይዋ።
3ተመሊሶም ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢሎም ነገርዎ፦ “ኵሉ ህዝቢ ክድይብ ኣየድልን እዩ። ንጋይ ክዋግኡ ኣስታት ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ስደድ፤ ንሳቶም ውሑዳት እዮም እሞ፥ ንኵሉ እቲ ህዝቢ ኣይተድክሞ።” 4ስለዙይ ካብቲ ህዝቢ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ደየቡ፤ ግና ኣብ ቅድሚ ሰብ ጋይ ሃደሙ። 5ሰብ ጋይ ከዓ ኣስታት ሰላሳን ሽዱሽተን ሰባት ካብኣቶም ወቕዑ፤ ካብ ደገ ክሳዕ መፍረስ ኣእማን ሰጒጎም ኣብቲ ቍልቍለት ወቕዕዎም። ልቢ እቲ ህዝቢ ድማ መኸኸ፤ ከም ማይ ከዓ ኾነ። 6ኢያሱ ድማ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ንሱን ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣቦና ክሳዕ ምሸት ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ፤ ኣብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ። 7ኢያሱ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ጐይታ ኣቦ! ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፍካ ኽትህበናን ከተጥፍኣናን ኢልካዶ ንዮርዳኖስ ኣሳጊርካዮ? ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ምተረፍና እንተ ንኸውን! 8ኦ ጐይታ ኣቦ፥ በይዛኻ፥ እስራኤል ካብ ፀላእቱ ተመሊሱ ምስ ሃደመ፥ እንታይ ክብል እየ? 9ከነዓናውያንን ኣብዛ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎምን ክሰምዑ እዮም፤ ክኸቡናን ስምና ኻብ ምድሪ ኽድምስሱን እዮም። ሽዑ ንዓብዪ ስምካ እንታይ ክትገብረሉ ኢኻ?”
10ኣቦና ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ተንስእ! ስለ ምንታይ ብገፅካ ተደፊእካ ኣለኻ?
11እስራኤል ሓጢኣት ገበረ፤ ነቲ ዝኣዘዝክዎም ኪዳነይ ጠሓሱ። ካብቲ ዝተሓረመ ወሲዶም፥ ሰሪቖም፥ ሓሲዮም፥ ኣብ ማእኸል ንብረቶም ኣእትዮምዎ። 12ስለዙይ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፀላእቱ ደው ክብል ኣይክእልን እዩ፤ ባዕልቶም ንጥፍኣት ተሓሪሞም ስለ ዘለዉ፥ ናብ ፀላእቶም ዝባኖም ይህቡ ኣለዉ። ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ዝተሓረመ እንተ ዘይ ኣጥፊእኩምዎ፥ ደጊመ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እየ። 13ተንስእ! ነቲ ህዝቢ ቀድሶ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ ‘ንፅባሕ ርእስኹም ቀድሱ፤ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ እዩ እሞ፦ ኦ እስራኤል! ኣብ ማእኸልካ ዝተሓረመ ነገር ኣሎ፤ ክሳዕ ነቲ ዝተሓረመ ኻብ ማእኸልኩም እተርሕቕዎ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ደው ክትብሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።’
14ንግሆ በብነገድኩም ቕረቡ። እታ ኣቦና ዝሓረያ ነገድ በብዓሌታ ትቕረብ፤ እቲ ዝሓረዮ ዓሌት በብቤተሰቡ ይቕረብ፤ እቲ ዝሓረዮ ቤተሰብ ከዓ በብሰብኡ ይቕረብ። 15እቲ ምስ ዝተሓረመ ዝተረኽበ ሰብ፥ ኪዳን ኣቦና ስለ ዝጠሓሰን ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረን፥ ንሱን ዘለዎ ዅሉን ብሓዊ ይቃፀል።”
16ኢያሱ ድማ ኣንጊሁ ተሲኡ ንእስራኤል በብነገዱ ኣቕረቦም፤ ነገድ ይሁዳ ኸዓ ተሓረየት። 17ንዓሌታት ይሁዳ ድማ ኣቕረቦም፤ ዓሌት ዛራ ኸዓ ተታሕዘ። ንዓሌት ዛራ በብቤተሰቡ ኣቕረቦ፤ ዛብዲ ኸዓ ተታሕዘ። 18ኢያሱ ድማ ንቤተሰቡ በብሰብኡ ኣቕረቦ፤ ኣካን ወዲ ካርሚ፥ ወዲ ዛብዲ፥ ወዲ ዛራ፥ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ፥ ተታሕዘ። 19ኢያሱ ድማ ንኣካን “ወደይ! ንኣቦና፥ ንኣምላኽ እስራኤል ክብሪ ሃቦ፤ ኣመስግኖውን። ዝገበርካዮ ሕዚ ንገረኒ፤ ካባይ ኣይትሕብኣዮ” በሎ።
20ኣካን ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነ ብሓቂ ኣብ ኣቦና፥ ኣብ ኣምላኽ እስራኤል ሓጢአ፤ ዝገበርክዎ እዙይ እዩ፦ 21ካብቲ ምርኮ፥ ካብ ሰናኦር ዝመፀ ፅቡቕ ባርኖስን፥ ኣስታት ሓሙሽተ ፓውንድ ብሩርን፥ ኣስታት ሓደ ነጥቢ ኽልተ ፓውንድ ዝሚዛኑ ዘንጊ ወርቅን ረአኹ። ተመኒአ ኸዓ ወሰድክዎም፤ እንሆ፥ ኣብ ምድሪ ድንኳነይ ተሓቢኦም ኣለዉ፤ ብሩር ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣሎ።”
22ኢያሱ ድማ ልኡኻት ለኣኸ፤ ንሳቶም ከዓ ናብ ድንኳን ጐዩ፤ ኣብ ድንኳኑ ተሓቢኡ ረኸብዎ፤ ብሩር ድማ ኣብ ትሕቲኡ ነበረ። 23ካብ ውሽጢ እቲ ድንኳን ወሲዶምዎም፥ ናብ ኢያሱን ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣምፅእዎም፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ኣንበርዎም። 24ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን ድማ ንኣካን ወዲ ዛራን፥ ነቲ ብሩርን ነቲ ባርኖስን ነቲ ዘንጊ ወርቅን፥ ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣሕማሉን ኣእዱጉን ኣባጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ዅሉን ወሲዶም፥ ናብ ለሰ ዓኾር ኣደየብዎም። 25ኢያሱ ድማ “ስለ ምንታይ ኣሸገርካና? ኣቦና ሎሚ ኸሸግረካ እዩ” በለ። ኵሎም እስራኤል ድማ ንኣካን ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ብሓዊ ኣንዲዶም ድማ ብእምኒ ቐጥቀጥዎም። 26ዓብዪ ዅምራ ኣእማን ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኰመሩ፤ ንሱ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ኣብኡ ኣሎ። ሽዑ ኣቦና ኻብ ብርቱዕ ቍጥዓኡ ተመለሰ። ስለዙይ እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ ዓኾር ተብሃለት። b b v26 ‘ዓኾር’ ማለት ‘ሽግር’ ማለት እዩ፤ እቲ ለሰ ኸዓ፥ ሓጢኣት ኣካን ኣብ እስራኤል ዘውረዶ መዓት ንምዝካር ተሰምየ።