ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መልቀስ ብዛዕባ ጢሮስ

ጢሮስ ከም ግርምቲ መርከብ ኮይና ዝቐረበት መልቀስ፥ ጣውላታት ፅሕዲ፥ ምሰሶ ዝግባ፥ ካብ ግብፂ ዝመፀ ልሕፂ እንጣጢዕ ሸራ ዘለዋ፥ ካብ ኵሉ ብዝመፁ ብስም ዝተፀውዑ ነጋዶ ዝተመልአትን ዝተሰራሕትን። ንፋስ ምብራቕ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ይሰብራ፤ መርከበኛታት ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሓመድ ኣብ ርእሶም ደርብዮም ነዙይ መልቀስ ይዝምሩ።

ምዕራፍ 27።

ቃል ኣቦና ድማ ናባይ መፀ፦

“ሕዚ ንስኻ፥ ኦ ወዲ ሰብ፥ ብዛዕባ ጢሮስ መልቀስ ኣልቅስ፥ ንጢሮስ፥ ኣብ ኣፍ ደገታት ባሕሪ እትነብር፥ ኣብ ብዙሕ ደሴታት ንዘለዉ ህዝብታት ነጋዲት፥ ከምዙይ በላ፦ ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኦ ጢሮስ፥ ንስኺ “ኣነ ብፅባቐ ፍፅምቲ እየ” ኢልኪ።’ ዶባትኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ እዮም፤ ነዳቖ ፅባቐኺ ፈፀሙ። ኵሎም ብሉሓትኪ ሰርሕዎ፥ ካብ ፅሕዲ ሰኒር ነበሩ፤ ካብ ሊባኖስ ዝግባ ወሲዶም፥ ምሰሶ ገበሩልኪ። መቐዘፍትኺ ካብ ዓበይቲ ኣእዋም ባሳን ገበርወን፤ ወለልኪ ድማ ኣብ ፅሕዲ ተሰኪዑ ዝነበረ፥ ካብ ወሰን ኪቲም ዝመፀ ስኒ ሓርማዝ ገበርዎ። ሸራኺ ካብ ግብፂ ዝመፀ፥ ዝተጠልፈ ምሩፅ ልሕፂ እንጣጢዕ ነበረ፥ ንሱ ኸዓ ሰንደቕ ዕላማኺ ኮይኑ የገልግል ነበረ፤ መኽደን ድማ ካብ ወሰን ኤሊሳ ዝመፀ ሰማያውን ሓምራውን ነበረ። ህዝቢ ሲዶንን ኣርዋድን ቀዘፍትኺ ነበሩ፤ ኦ ጢሮስ፥ ጥበበኛታት መራሕቲ መርከብ ኮይኖም ኣባኺ ነበሩ። ሽማግለታት ጌባልን ጥበበኛታታን ኣባኺ ነበሩ፤ ነቓዓትኺ ድማ ይለምፁ ነበሩ፤ ኵለን መራኽብ ባሕሪ ምስ ሰብ መርከበን ንሸቐጥኪ ክነግዳ ናባኺ መፃ። ፋርስን ሉድን ፉጥን ኣብ ሰራዊት ነበሩ፥ ሰብ ውግእ ነበሩ። ዋልታኦም ቍራዓቶምን ኣብ መናድቕኪ ሰቐልዎም፥ ክብሪ ድማ ወሰኹልኪ። ሰብ ኣርዋድን ሰራዊትን ኣብ ዙርያ መናድቕኪ ነበሩ፥ ጋማዳውያን ድማ ኣብ ግምብታትኪ ነበሩ። ዋልታኦም ኣብ መናድቕኪ ሰቐልዎም፤ ኣብ ዙርያኺ ድማ ፅባቐኺ ፈፀሙ።

“ተርሴስ ብምኽንያት ብዝሒ ኵሉ ዓይነት ሃብቲ ምሳኺ ነገደ፤ ብሩርን ሓፂንን ታኒካን ዓረርን ድማ ብሸቐጥኪ ለወጡ።

“ያዋን ቶቤልን ሞሳሕን ብነፍሳት ሰብን ኣቑሑ ነሃስን ምሳኺ ነገዱ።

“ካብ ቤት ቴርጋማ ድማ ኣፍራስን ኣፍራስ ውግእን ኣባቕልን ብሸቐጥኪ ለወጡ።

“ሰብ ድዳን ምሳኺ ነገዱ፤ ብዙሕ ደሴታት ድማ ዕዳጋኺ ነበረ፤ ስኒ ሓርማዝን ፀሊም ዕንፀይትን ድማ ይኸፍሉኺ ነበሩ።

“ኣራም ብምኽንያት ብዝሒ ሸቐጥኪ ምሳኺ ነገደ፤ መረግድ ሓምራውን ዝተጠልፈ ስራሕን ምሩፅ ልሕፂ እንጣጢዕን ዕንቊ ባሕርን ቀይሕ ዕንቊን ድማ ብሸቐጥኪ ለወጡ።

“ይሁዳን እስራኤልን ምሳኺ ነገዱ፤ ስርናይ ካብ ሚኒትን ሕሩጭን መዓርን ዘይትን በለሳን ድማ ሃቡ።

“ደማስቆ ብምኽንያት ብዝሒ ሸቐጥኪ፥ ብምኽንያት ብዝሒ ኵሉ ዓይነት ሃብቲ፥ ወይኒ ሔልቦንን ፀምሪ ዛሃርን ሒዙ ምሳኺ ነገደ። ዌዳንን ካብ ኣውዛል ዝመፀ ያዋን ብሸቐጥኪ ነገዱ፤ ዝተቐጥቀጠ ሓፂንን ሳናመኪን ቓንጫ ዶሪራን ኣብ ማእኸል ሸቐጥኪ ነበረ።

“ድዳን ንምጕላብ ዝኸውን ዓለባ ኮርቻ ሒዙ ምሳኺ ነገደ።

“ዓረብን ኵሎም መሳፍንቲ ቄዳርን ዓማዊልኪ ነበሩ፤ ብዕያውን ድቤላን ኣጣልን ድማ ይነግዱ ነበሩ።

“ነጋዶ ሳባን ራዕማ ምሳኺ ነገዱ፤ ፀፅቡቕ ኵሉ ቀመማትን ኵሉ ክቡር ዕንቊን ወርቅን ብሸቐጥኪ ከፈሉ።

“ካራን ካኔን ኤደን፥ ነጋዶ ሳባን ኣሶርን ኪልማድን ምሳኺ ነገዱ። እዚኣቶም ኣብ ዕዳጋኺ፥ ብምሩፅ ክዳውንቲ፥ ብሰማያውን ዝተጠልፈ ዓለባ፥ በገመድ ተኣሲሩ ዝተዓፀወ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ምንፅፍን ምሳኺ ነገዱ። መራኽብ ተርሴስ ነቲ ሸቐጥኪ ተሰኪመን ኣመላለሳልኪ። ስለዙይ ኣብ ልቢ ባሕሪ መላእኪ፥ ኣዝዩ ኸዓ ተፅዒንኪ። ቀዘፍትኺ ናብ ዓበይቲ ማያት ኣውፅኡ፤ ንፋስ ምብራቕ ድማ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ። ሃብትን ንብረትኪን ሸቐጥኪን ሰብ መርከብኪን መራሕቲ መርከብኪን ለምፅትኺን ነጋዶ ሸቐጥኪን፥ ኵሎም ኣባኺ ዘለዉ ተዋጋእትኺን፥ ምስ ኵሎም እቶም ኣባኺ ዘለዉ ሰባት፥ በታ ዕለተ ውድቀትኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ ክሰጥሙ እዮም። ብድምፂ ኣውያት መራሕቲ መርከብ፥ እቲ ጐልጐል ይንቀጥቀጥ። ነቲ መቐዘፊ ዝሕዙ ኵሎም፥ ሰብ መርከብ ኵሎም መራሕቲ መርከብ ባሕርን፥ ካብ መራኽቦም ይወርዱ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ደው ይብሉ፥ ብዛዕባኺ ድማ ድምፆም ኣልዒሎም መሪር ብኽያት ይበኽዩ። ኣብ ርእሶም ሓመድ ይነስንሱ፥ ኣብ ሓሙዅሽቲ ድማ ይንከባለሉ፤ ምእንታኺ ርእሶም ይላፅዩ፥ ክዳን ሓዘንውን ይኽደኑ፤ ብምረት ነፍሶም ድማ ብመሪር ብኽያት ይበኽዩልኪ። ብዋይዋይታኦም መልቀስ የልቅሱልኪ፥ ይሓዝኑልኪ ድማ፦ “ከም ጢሮስ ዝበለ መን ኔሩ፥ ከምታ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ስቕ ዝበለት?” ኣቑሑ ካብ ባሕርታት ምስ ወፁ፥ ንብዙሓት ህዝብታት ኣፅገብኪ፤ ብብዙሕ ሃብትን ንግድኺን ድማ ንነገስታት ምድሪ ኣህብተምኪ። ሕዚ ብባሕርታት ተሰበርኪ፥ ኣብ መዓሙቝ ማያት ኣለኺ፤ ንግድኺን ኵሎም ሰብ መርከብኺን ድማ ምሳኺ ሰጠሙ። ኵሎም እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ብኣኺ ይስደምሙ፥ ነገስታቶም ድማ ብፍርሒ ይርዕዱ፤ ገፆም ተለዊጡ። እቶም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዘለዉ ነጋዶ ብኣኺ የፋጭሩ፤ መገረሚ ኮንኪ፥ ንዘለኣለም ከዓ ኣይክትህልውን ኢኺ።’”