ኣቦ ንጢሮስ ይፈርዳ
ጢሮስ ካብ ዕንወት ኢየሩሳሌም ትጥቀም፥ ደገ ስለ ዝተሰብረ ድማ ዝበዝሐ ንግዲ ትፅበ። ኣቦና ኣህዛብ ከም ማዕበል ከም ዝመፅዋ ይዛረብ። ናቡከደነፆር ንቕፅራ ኽፈርስ፥ ኣእማና ናብ ባሕሪ ክድርበ፥ እቲ ቦታ ድማ መንፀፊ መርበብ ዝኸውን ጥራሕ ከውሒ ኮይኑ ክተርፍ እዩ።
26 1በታ ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፥ ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦
2ኦ ወዲ ሰብ፥ ጢሮስ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ‘ኣሰይ! እታ ደገ ህዝብታት ተሰቢራ፥ ናባይ ተኸፊታ፤ ንሳ ዓኒያ ኣላ፤ ኣነ ሃብቲ ኽእክብ እየ’ ኢላ እያ እሞ፥ 3ስለዙይ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኦ ጢሮስ፥ ኣነ ፀላኢኺ እየ። ከምቲ ባሕሪ ማዕበሉ ዘልዕል፥ ብዙሓት ኣህዛብ ናባኺ ኸልዕል እየ። 4ንሳቶም ድማ ንቕፅሪ ጢሮስ ከፍርስዎ፥ ንግምቢታታ ኸዓ ኼፍርስወን እዮም፤ ኣነውን ሓመዳ ካብኣ ሓኺኸ፥ ጥራሕ ከውሒ ክገብራ እየ። 5ኣብ ማእኸል ባሕሪ መንፀፊ መርበብ ክትከውን እያ፤ ኣነ ተዛሪበ ኣለኹ እሞ፥ ይብል ኣሎ ልዑል ኣቦ። ንሳ ድማ ንኣህዛብ ምርኮ ክትከውን እያ፤ 6እተን ኣብ መሮር ዘለዋ ቍሸታታ ኸዓ ብሰይፊ ክቕተላ እየን። ሽዑ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
7ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ነገስታት ዝኾነ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ብዙሕ ጭፍራ ዓብዪ ሰራዊትን፥ ካብ ሰሜን ናብ ጢሮስ ከምፅኦ እየ። 8ነተን ኣብ መሮር ዘለዋ ቍሸታትኺ ብሰይፊ ኽቐትለን እዩ፤ ኣባኺ ድማ መካበቢ ኽሰርሕ፥ ኣባኺ ድልድል ሓመድ ክገብር፥ ኣባኺ ኸዓ ዋልታ ኼልዕለልኪ እዩ። 9ነቲ ቕፅርኺ በቲ መህረሚኡ ኽሃርሞ፥ ንግምቢታትኪ ኸዓ ብምሳራቱ ኼፍርሰን እዩ። 10ኣፍራሱ ብዙሓት ብምዃኖም፥ ተጎጎኦም ክኽድነኪ እዩ። ከምቲ ናብ ዝተሰብረ ቕፅሪ ዘለዋ ኸተማ ዝኣትዉ ሰባት፥ ንሱ ናብ ደገኺ ኽኣቱ እንተሎ፥ ካብ ድምፂ ፈረሰኛታትን ዓረብያታትን ሰረገላታትን ዝተልዓለ፥ ቕፅርኺ ኽርዕድ እዩ። 11ብሸኰና ኣፍራሱ ንዅለን ኣደባባያትኪ ኽረግፀን እዩ፤ ንህዝብኺ ብሰይፊ ኽቐትሎም፥ ሓያላት ኣዕማድኪ ኸዓ ናብ ምድሪ ኽወድቃ እየን። 12ሃብትኺ ኽዘምቱ፥ ኣቑሕኺ ኽመዝብሩ፥ ቕፅርኺ ኸፍርሱ፥ ፅቡቓት ኣባይትኺ ኸዓ ኼፍርሱ እዮም፤ ኣእማንኪ ኣእዋምኪ ሓመድኪ ድማ ናብ ማእኸል ባሕሪ ኽድርብይዎ እዮም። 13ጫውጫውታ መዛሙርኪ ኸህድእ እየ፤ ድምፂ መሰንቆታትኪ ደጊም ኣይስማዕን እዩ። 14ጥራሕ ከውሒ ኽገብረኪ እየ፤ መንፀፊ መርበብ ድማ ክትኮኒ ኢኺ። ኣነ ኣቦ ተዛሪበ ኣለኹ እሞ፥ ደጊም ኣይትህነፅን ኢኺ፤ ይብል ኣሎ ልዑል ኣቦ።
15ልዑል ኣቦ ንጢሮስ ከምዙይ ይብላ ኣሎ፦ እቶም ቍሱላት እንትግዕሩ፥ ኣብ ማእኸልኪ ቅትለት እንትፍፀም፥ እተን ደሴታት ካብ ድምፂ ውድቀትኪ ዝተልዓለ ኣይርዕዳንዶ? 16ሽዑ ኵሎም መሳፍንቲ ባሕሪ ኻብ ዙፋናቶም ክወርዱ፥ ልብሶም ከውርዱ፥ ዝተጠልፈ ኽዳውንቶም ድማ ከውፅኡ እዮም። ራዕዲ ተኸዲኖም ኣብ ምድሪ ክቕመጡ፥ ኵሉ ጊዜ እናርዓዱ ብዛዕባኺ ኽስደምሙ እዮም። 17ብዛዕባኺ መልቀስ ኣልዒሎም ከምዙይ ክብሉ እዮም፦ ‘ኦ እታ ስምኺ ዝተፈለጠ ኸተማ፥ ካብ ባሕሪ ብህዝቢ እተመላእኺ፥ ከመይ ጌርኪ ጠፋእኪ! ንስኽን ምስ ተቐማጦኽን ኣብ ባሕሪ ሓያላት ኔርክን፥ ንዅሎም ኣብኣ ዝነበሩ ኸዓ ራዕድኽን ኣውዲቕክንሎም ኔርክን!’ a a v17 ጢሮስ ሃፍታም፥ ኣብ ደሴት እትርከብ ናይ ባዕላ መንግስቲ ዝነበራ ኸተማ ኾይና፥ ሓይላን ብዝሒ ህዝባን ኣብ ንግዲ ባሕሪ ዝተመስረተ ነበረ። 18ሕዚ እተን ደሴታት በታ መዓልቲ ውድቀትኪ ይርዕዳ፤ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ድማ ብምሕላፍኪ ይሽበራ።
19ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምተን ካብ ጥንቲ ዝተሓደጋ ኸተማታት፥ ኣነ ባዲማ ኸተማ ምስ ገበርኩኺ፥ ነቲ መዓሙቝ ኣብ ልዕሊኺ ምስ ኣልዓልኩ፥ እቲ ዓብዪ ማያትውን ምስ ከደነኪ፥ 20ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብቶም ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኸውርደኪ እየ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸዓ ኣብ ማእኸል ናይ ጥንቲ ዑናታት፥ ኣብታ ታሕተዋይ ምድሪ ኸቕምጠኪ እየ፤ ምእንቲ ኸይትምለሲ፥ ኣብ ምድሪ ህያዋን ድማ ስፍራ ኸይትሕዚ። 21ዜፍርሕ መወዳእታ ኸምፅኣልኪ እየ፥ ደጊምውን ኣይክትህልውን ኢኺ። ክትድለዪ ኢኺ፥ ግና ደጊም ከቶ ኣይክትርኸብን ኢኺ፤ ይብል ኣሎ ልዑል ኣቦ።