ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ምሕረት ንህላወኡ ይዓግቶ

ነታ ምድሪ ኸም ዝረኽብዋ፥ ግና ኣብ ማእኸሎም ከም ዘይድይብ ምስ ተነግሮም፥ እቶም ህዝቢ ሓዘኑ፥ ስልማቶም ድማ ቀንጠጡ። ሙሴ፥ እቲ ምስ ኣቦና ከም ፈታዊ ገፅ ንገፅ ዝዛረብ፥ ብዘይ ንሱ ሓንቲ ስጕምቲ ኽኸይድ ኣበየ፤ ሽዑ ኽብሩ ኽርኢ ለመነ፥ ኣብ ኰዅሒ ድማ ተሓብአ።

ምዕራፍ 33።

ኣቦና ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻን እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብን ካብዙይ ተበገሱ፤ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ንዘርእኻ ክህባ እየ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ደይቡ። መልኣኽ ኣብ ቅድሜኻ ክሰድድ እየ፤ ንከነዓናውያንን ንኣሞራውያንን ንኬጢያውያንን ንፈሪዛውያንን ንኤዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ከዓ ከሳጕጎም እየ። ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ደይቡ፤ ኣብ ማእኸልኩም ግና ኣይድይብን እየ፤ ተሪር ዝኽሳድኩም ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ ኣብ መንገዲ ከጥፍአኩም እኽእል እየ።”

እቶም ህዝቢ ነዝ ዜና ጓሂ እዙይ ምስ ሰምዑ ሓዘኑ፤ ማንም ሓደ እኳ ከዓ ስልማቱ ኣይገበረን።

ኣቦና ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ነይሩ እዩ እሞ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ተረርቲ ኽሳድ ህዝቢ ኢኹም። ንሓደ ቕፅበት እኳ ኣብ ማእኸልኩም እንተ ደየብኩ ኸጥፍአኩም እየ። ሕዚ ድማ እንታይ ከም ዝገብረኩም ምእንቲ ኽውስን፥ ስልማትኩም ካባኹም ኣውፅኡ።”

ስለዙይ ደቂ እስራኤል ካብ እምባ ኮሬብ ጀሚሮም ስልማቶም ቀንጠጡ።

እቲ መራኸቢ ድንኳን

ሙሴ ነቲ ድንኳን ወሲዱ ኣብ ወፃኢ እቲ ሰፈር፥ ካብቲ ሰፈር ኣርሒቑ ይተኽሎ ነበረ፤ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ይብሎ ነበረ። ንኣቦና ዝደሊ ዅሉ ድማ ናብቲ ኣብ ወፃኢ እቲ ሰፈር ዝነበረ መራኸቢ ድንኳን ይወፅእ ነበረ። ሙሴ ናብቲ ድንኳን ክወፅእ እንተሎ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ተሲኦም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ደው ይብሉ ነበሩ፤ ሙሴ ክሳዕ ዝኣቱ ድማ የማዕድውዎ ነበሩ። ሙሴ ናብቲ ድንኳን ክኣቱ እንተሎ፥ እቲ ዓምዲ ደመና ወሪዱ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ይብል ነበረ፤ ኣቦናውን ምስ ሙሴ ይዛረብ ነበረ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው ኢሉ ዝነበረ ዓምዲ ደመና ምስ ረአዩ፥ ተሲኦም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ይሰግዱ ነበሩ። ኣቦና ድማ፥ ከምቲ ሰብ ምስ ፈታዊኡ ዝዛረብ፥ ምስ ሙሴ ገፅ ንገፅ ይዛረቦ ነበረ። ሙሴ ናብ ሰፈር ይምለስ ነበረ፤ እቲ ኣገልጋሊኡ ዝኾነ መንእሰይ ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና ካብቲ ድንኳን ኣይወፅእን ነበረ። a a v11 "ገፅ ንገፅ" ምዝራብ ማለት፥ ከምቲ ኣዕሩኽ ዝገብርዎ፥ ኣቦና ምስ ሙሴ ብቐጥታን ብቕርበትን ተዛረበ ማለት እዩ እምበር፥ ሙሴ ነቲ ዘይተኸወለ ገፁ ረአየ ማለት ኣይኮነን፤ ነዙይ ከዓ ኣብ ቍፅሪ 20 ማንም ርእዩ ብህይወት ክነብር ከም ዘይኽእል ይነግር።

ህላወ ኣቦና ምሳና

ሙሴ ድማ ንኣቦና ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ንስኻ ‘ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣደይቦ’ ትብለኒ ኣለኻ፤ ግና ምሳይ መን ከም እትልእኽ ኣይገለፅካለይን። ንስኻ ግና ‘ብስምካ እፈልጠካ፥ ኣብ ቅድመይ ድማ ፀጋ ረኺብካ ኣለኻ’ ኢልካ ነይርካ። ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ፀጋ ረኺበ እንተ ኾይነ፥ ንኣኻ ምእንቲ ኽፈልጠካን ኣብ ቅድሜኻውን ፀጋ እናረኸብኩ ምእንቲ ኽቕፅልን፥ በጃኻ መንገድኻ ኣርእየኒ። እዝ ህዝቢ እዙይ ህዝብኻ ምዃኑ ኸዓ ዘክር።”

ንሱ ድማ “ህላወይ ምሳኻ ክኸይድ እዩ፤ ዕረፍቲውን ክህበካ እየ” በሎ።

ሙሴ ድማ ከምዙይ በሎ፦ “ህላወኻ ምሳና ዘይከይድ እንተ ኾይኑ፥ ካብዙይ ኣይተደይበና። ኣነን ህዝብኻን ኣብ ቅድሜኻ ፀጋ ከም ዝረኸብና፥ ብኻልእ ከመይ ኢሉ ኽፍለጥ እዩ? ኣነን ህዝብኻን ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘሎ ኵሉ ህዝቢ ተፈሊና ምእንቲ ኽንከውን፥ ንስኻ ምሳና ብምኻድ ድዩ ዘይኮነ?”

ኣቦና ድማ ንሙሴ “ኣብ ቅድመይ ፀጋ ረኺብካ ኣለኻ፥ ብስምካውን እፈልጠካ እየ እሞ፥ ነዝ ዝለመንካዮ ነገር እዙይ ክገብሮ እየ” በሎ።

ሽዑ ሙሴ “በጃኻ ኽብርኻ ኣርእየኒ” በለ።

ንሱ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ንዅሉ ፅቡቕነተይ ኣብ ቅድሜኻ ከሕልፎ፥ ስመይ ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ክእውጅ እየ። ነቲ ዝምሕሮ እምሕሮ፥ ነቲ ዝርህርሃሉ ከዓ ይርህርሃሉ።” ንሱ ግና “ማንም ርእዩኒ ብህይወት ክነብር ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ገፀይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” በለ። ኣቦና ድማ ከምዙይ በለ፦ “እንሆ፥ ኣብ ጥቓይ ቦታ ኣሎ፤ ንስኻ ኣብቲ ከውሒ ደው ክትብል ኢኻ፤ ክብረይ ክሓልፍ እንተሎ ድማ፥ ኣብ ንቃዕ እቲ ከውሒ ከእትወካ፥ ክሳዕ ዝሓልፍ ከዓ ብኢደይ ክሽፍነካ እየ። ድሕሪኡ ኢደይ ከልዕል እየ፤ ዝባነይ ከዓ ክትርኢ ኢኻ፤ ገፀይ ግና ኣይረአን እዩ።”