ሓደስቲ ፅላት ምፅራብ
ሙሴ ሓደስቲ ፅላት ፀረበ፥ ኣቦና ኸዓ ሓሊፉ ስሙ ኣወጀ፦ መሓርን ለጋስን፥ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ብምሕረት ዝበዝሐ፥ ይቕረ በሃሊ፥ ንበዳሊ ግና እንተይቀፃዕካ ዘይሓድግ። እቲ ኪዳን ተሓደሰ፥ ሙሴ ኸዓ ገፁ ኸም ዘንፀባርቕ እንተይፈለጠ ወረደ።
34 1ኣቦና ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ከምተን ቀዳሞት ክልተ ፅላት እምኒ ንባዕልኻ ፀርብ። ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓላት ኣብተን ክፅሕፎ እየ። 2ንግሆ ተዳሉ፤ ሽዑ ናብ እምባ ሲና ደይብ፤ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ኣብ ቅድመይ ድማ ቅረብ። 3ሓደ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ፤ ኣብቲ እምባ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸዓ ኣይረአ፤ ኣባጊዕ ኮነ ኣብዑር እኳ ኣብ መንፅር እቲ እምባ ኣይረዓ።”
4ሙሴ ኸዓ ከምተን ቀዳሞት ክልተ ፅላት እምኒ ፀረበ፤ ኣንጊሁ ድማ ተሲኡ፥ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ነተን ክልተ ፅላት እምኒ ብኢዱ ሒዙ ናብ እምባ ሲና ደየበ። 5ኣቦና ድማ ብደመና ወረደ፤ ኣብኡ ምስኡ ቆመ፤ ስም ኣቦና ድማ ኣወጀ።
6ኣቦና ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ ሓለፈ፤ ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣወጀ፦ “ኣቦኻ፥ መሓርን ለጋስን፥ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ብምሕረትን ሓቅን ዝበዝሐ፥ 7ንኣሽሓት ምሕረት ዝሕሉ፥ በደልን ዓመፅን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል፤ ንበዳሊ ግና እንተይቀፃዕካ ኣይሓድግን፤ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ፥ ከምኡውን ኣብ ደቂ ደቆም፥ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዘምፅእ።”
8ሙሴ ኸዓ ቀልጢፉ ናብ ምድሪ ድኒኑ ሰገደ። 9ከምዙይ ድማ በለ፦ “ኦ ጐይታ ኣቦ! ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ፀጋ እንተ ረኺበ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ እኳ እንተኾነ፥ ጐይታ ኣቦ ኣብ ማእኸልና ይኺድ። ንበደልናን ንሓጢኣትናን ይቕረ በለልና፤ ርስትኻ ጌርካ ድማ ተቐበለና።”
10ከምዙይ ድማ በለ፦ “እንሆ፥ ኪዳን እኣቱ ኣለኹ። ኣብ ቅድሚ ኵሉ ህዝብኻ፥ ኣብ ዝኾነ ህዝቢ ኾነ ኣብ ኵላ ምድሪ ዘይተፈጥረ ተኣምራት ክገብር እየ። እቲ ምሳኻ ዝገብሮ ዘለኹ ነገር ዘፍርሕ እዩ እሞ፥ ኵሎም እቶም ኣብ ማእኸሎም እትነብር ህዝቢ ተግባር ኣቦኻ ክርእዩ እዮም። 11እቲ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ሓሉ። እንሆ፥ ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንፊርዛውያንን ንኤዋውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኻ ኸሳጕግ እየ። 12ተጠንቀቕ፤ ምስቶም ኣብታ እትኣትዋ ምድሪ ዝነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ፤ መፈንጠር ከይኾኑኻ። 13እኳ ደኣ፥ መሰውኢታቶም ኣፍርስ፤ ሓወልትታቶም ድማ ሰባብር፤ ዓፀድ ኣስታሮቶምውን ቝረፅ። 14ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ፤ ስም ኣቦኻ ቀናእ እዩ እሞ፤ ንሱ ቀናእ ኣቦ እዩ።” a a v14 ቅንኣት ኣቦና ንእሽቶ ቅንኣት ኣይኮነን፤ እቲ ሓደ ሰብኣይ ንመርዓቱ ዘለዎ ብርቱዕን ዝከላኸልን ፍቕሪ ደኣ እዩ እምበር። ንሱ ንልቢ ውሉዱ ምስቶም ዘጥፍእዎም ጣዖታት ኣይማቐልን እዩ።
15“ምስ ተቐማጦ እታ ምድሪ ኪዳን ኣይትእቶ፤ ንሳቶም ንኣማልኽቶም እናመንዘሩ ምስ ሰውኡሎም፥ ክፅውዑኻ እዮም፤ ንስኻ ድማ ካብ መስዋእቶም ክትበልዕ ኢኻ፤ 16ካብ ኣዋልዶም ድማ ንኣወዳትካ ክትወስድ ኢኻ፤ ኣዋልዶም ከዓ ንኣማልኽቶም እናመንዘራ፥ ንኣወዳትካ ኸምኡ ኽገብሩ ይስሕባኦም።”
17“ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንባዕልኻ ኣይትግበር።”
18“በዓል ቅጫ ሓሉ፤ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ብላዕ፤ ኣብ ወርሒ ኣቢብ በቲ ምዱብ ጊዜ ኣብዕሎ፤ ብወርሒ ኣቢብ ካብ ግብፂ ስለ ዝወፃእኻ ኢኻ።”
19“ማህፀን ዝኸፍት ኵሉ በዅሪ ናተይ እዩ፤ ካብ ጥሪትካ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ፥ በዅሪ ብዕራይን በጊዕን።”
20“ንበዅሪ ኣድጊ ብዕያት ተበጀዎ፤ እንተ ዘይተበጀኻዮ ግና ክሳዱ ስበሮ። ንበዅሪ ኣወዳትካ ዅሎም ተበጀዎም። ጥራሕ ኢድ ኣብ ቅድመይ ሓደ እኳ ኣይረአ።”
21“ሽዱሽተ መዓልቲ ትሰርሕ፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ኣዕርፍ፤ ብጊዜ ማሕረስን ዓፂድን እኳ ኣዕርፍ።”
22“ብመጀመርታ ፍረ ዓፂድ ስርናይ በዓል ሰሙናት ኣብዕል፤ ኣብ መቐይሮ ዓመት ድማ በዓል ምእካብ ኣብዕል።”
23“ተባዕታይ ዝኾነ ኵሉ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ኣቦ እስራኤል ይረአ። 24ንህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ኸሳጕግ፥ ወሰንካ ድማ ከስፍሕ እየ፤ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ኽትረአ ክትድይብ እንተለኻ፥ ምድርኻ ሓደ እኳ ኣይክመኒያን እዩ።”
25“ደም መስዋእተይ ምስ ብዅዕ ኣይተቕርቦ፤ መስዋእቲ በዓል ፋሲካ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።”
26“ካብ ምድርኻ እቲ ዝበለፀ በዅሪ ፍረ፥ ናብ ቤት ኣቦኻ ኣእትዎ። ንማሕስእ ብፀባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።”
27ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ከም እዝ ቃላት እዚ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ ኣለኹ እሞ፥ እዝ ቃላት እዚ ፀሓፍ።”
28ሙሴ ኸዓ ኣብኡ ምስ ኣቦና ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ፤ እንጀራ ኣይበልዐን፥ ማይ ድማ ኣይሰተየን። ቃላት እቲ ኪዳን፥ እቲ ዓሰርተ ቃላት፥ ኣብተን ፅላት ፀሓፎ።
ሙሴ ወረደ
29ሙሴ ነተን ክልተ ፅላት ምስክር ብኢዱ ሒዙ ኻብ እምባ ሲና ክወርድ እንተሎ፥ ምስ ኣቦና ብምዝራቡ ገፁ ኸም ዘንፀባረቐ ኣይፈለጠን። 30ኣሮንን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ድማ፥ ገፅ ሙሴ ኸም ዘንፀባረቐ ረአዩ፤ ናብኡ ኽቐርቡ ኸዓ ፈርሑ። 31ሙሴ ድማ ፀውዖም፤ ኣሮን ምስ ኵሎም መራሕቲ እታ ጉባኤ ናብኡ ተመለሱ፤ ሙሴ ኸዓ ምስኦም ተዛረበ። 32ድሕሪዙይ ኵሎም ደቂ እስራኤል ቀረቡ፤ ነቲ ኣቦና ኣብ እምባ ሲና ዝበሎ ዅሉ ድማ ኣዘዞም። 33ሙሴ ኸዓ ምስኣቶም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ኣብ ገፁ መጋረጃ ገበረ። 34ሙሴ ግና ምስ ኣቦና ኽዛረብ ናብ ቅድሚኡ ምስ ዝኣቱ፥ ክሳዕ ዝወፅእ ነቲ መጋረጃ የልዕሎ ነበረ፤ ወፂኡ ድማ ነቲ ዝተኣዘዞ ንደቂ እስራኤል ይነግሮም ነበረ። 35ደቂ እስራኤል ድማ ገፅ ሙሴ ኸም ዘንፀባረቐ ይርእዩ ነበሩ፤ ሙሴ ኸዓ መሊሱ ምስ ኣቦና ኽሳዕ ዝዛረብ ዝኣቱ፥ ነቲ መጋረጃ ኣብ ገፁ መሊሱ ይገብሮ ነበረ።