ሙሴ ነቲ ማሕበር ይፅውዕ
ሙሴ ነቲ ማሕበር ኣቦና ዝደለዮ ነገራት ነገሮም፥ እቲ ምሃብ ከዓ ፍፁም ብፍቓድ ነበረ፦ ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝተንቀሳቐሶ ወርቅን ፈትልን ቈርበትን ዘይትን ኣእማን መረግድን የምፅእ ነበረ። ክኢላታት ኣንስቲ ድማ ብገዛእ ኣእዳወን ይፈትላ ነበራ። ባስልኤልን ኤልያብን ተሰምዩ፥ ክሰርሑ ጥራሕ ዘይኮነ ንኻልኦት ክምህሩ'ውን ተዓደሉ።
35 1ሙሴ ንብዘሎ ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣኪቡ ከምዙይ በሎም፦ “እዚ ኣቦና ክትገብርዎ ዝኣዘዘኩም ነገራት እዩ። 2ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ይስራሕ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንኣኻትኩም ቅድስቲ፥ ንኣቦና ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ኣብኣ ዝሰርሕ ኵሉ ይቀተል። 3ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ዝኾነ ኣባይትኹም ሓዊ ኣይተንድዱ።”
ብፍቓድ ዝወሃብ መባእ
4ሙሴ ንብዘሎ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣቦና ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ፦ 5ካባኻትኩም ንኣቦና መባእ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ፍቓደኛ ልቢ ዘለዎ ድማ ነቲ መባእ ኣቦና የምፅእ፦ ወርቅን ብሩርን ነሃስን፥ 6ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ቀጭን ሃርን፥ ፀጕሪ ጤልን፥ 7ዝተቐረፀ ቈራብቲ ማጓሉን፥ ልስሉስ ቈራብትን፥ ዕንፀይቲ ሰራው፥ 8ንቐንዲል ዝኸውን ዘይትን፥ ንመቕብኢ ዘይትን ንጥዑም ዕጣንን ዝኸውን ቀመማትን፥ 9ኣእማን መረግድ፥ ዝስኳዕ ኣእማንን፥ ንኤፉድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን።
10“ካባኻትኩም ጥበብ ዘለዎ ኵሉ ሰብ መፂኡ ነቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ዅሉ ይስራሕ፦ 11እቲ መሕደሪ ድንኳን፥ ድንኳኑን፥ መኽደንን፥ ቝልፉን፥ ሉሑን፥ ጋድማቱን፥ ኣዕማዱን፥ ኣእጋሩን፥ 12እቲ ታቦት ምስ መፃውሩን፥ እቲ መኽደንን፥ እቲ ዝጋርዶ መጋረጃን፥ 13እቲ ጠረጴዛ ምስ መፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ሕብስቲ ቝርባንን፥ 14እቲ ብርሃን ዝህብ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ምስ ኣቑሑኡን ቐናዲሉን፥ ንቐንዲል ዝኸውን ዘይትን፥ 15እቲ መሰውኢ ዕጣንን መፃውሩን፥ መቕብኢ ዘይትን ጥዑም ዕጣንን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ድንኳን መዕፀዊ መጋረጃን፥ 16እቲ መሰውኢ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ምስ ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡን፥ መፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ እቲ ገበራን ኣጋሮኡን፥ 17እቲ መጋረጃታት ቕፅርን፥ ኣዕማዱን ኣእጋሩን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ዝኸውን መጋረጃን፥ 18ሽኻላት እቲ ድንኳንን ሽኻላት እቲ ቕፅርን ምስ ኣግማዶምን፥ 19እቲ ኣብ መቕደስ ንምግልጋል ዝኸውን ብጥበብ ዝተኣልመ ኣልባስን፥ እቲ ንካህን ኣሮን ዝኸውን ቅዱስ ኣልባስን፥ ደቁ ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ ዝኽደንዎ ኣልባስን።”
20ሽዑ ብዘሎ ማሕበር ደቂ እስራኤል ካብ ሙሴ ወፁ። 21ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝተንቀሳቐሶ፥ ነፍሲ ወከፍ መንፈሱ ዝደፋፍኦ ድማ፥ ንስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳንን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቅዱስ ኣልባሳት ዝኸውን መባእ ኣቦና ኣምፅአ። 22ሰብኡትን ኣንስትን ብሓደ መፁ፤ ፍቓደኛ ልቢ ዘለዎም ኵሎም ድማ ኣምባር፥ ኵትሻ፥ ቀለበት፥ ኣልቦ፥ ብዘሎ ዓይነት ኣቕሓ ወርቅን ኣምፅኡ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነቲ ወርቂ እናወዝወዘ ንኣቦና መስዋእቲ ኣቕረበ። a a v22 እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ማለት፥ ከም ምውፋይ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተልዒሉ ዝቐርብ መባእ እዩ። 23ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትሊ፥ ሃሪ፥ ፀጕሪ ጤል፥ ዝተቐረፀ ቈራብቲ ማጓሉ፥ ወይ ልስሉስ ቈራብቲ ዝነበሮ ዅሉ ሰብ ኣምፅኦ። 24ብሩር ወይ ነሃስ ከበርክት ዝኽእል ኵሉ ሰብ ድማ ንመባእ ኣቦና ኣምፅኦ፤ ንዝኾነ ስራሕ ዝኸውን ዕንፀይቲ ሰራው ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣምፅኦ። 25ጥበብ ዘለዋ ኵላ ሰበይቲ ድማ ብኢዳ ፈተለት፤ ነቲ ዝፈተለቶ ፈትሊ ኸዓ ኣምፅአቶ፦ ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕን ቀጭን ሃርን። 26ልበን ዝተንቀሳቐሰ ጥበብ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ ነቲ ፀጕሪ ጤል ፈተላ። 27እቶም መራሕቲ ድማ ኣእማን መረግድ፥ ንኤፉድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዝስኳዕ ክቡር ኣእማንን ኣምፅኡ፥ 28ቀመማትን፥ ንብርሃንን ንመቕብኢ ዘይትን ንጥዑም ዕጣንን ዝኸውን ዘይትን ኣምፅኡ። 29ልቦም ዝፈቐደሎም ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ደቂ እስራኤል ድማ፥ ነቲ ኣቦና ብሙሴ ገይሩ ክግበር ዝኣዘዞ ዅሉ ስራሕ፥ ንኣቦና ብፍቓዶም መባእ ኣምፅኡ።
ባስልኤል ብስሙ ተፀውዐ
30ሽዑ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ፥ ኣቦና ንባስልኤል፥ ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፥ እቲ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ፥ ብስሙ ፀዊዑ ኣሎ። 31ኵሉ ዓይነት ስራሕ ምእንቲ ክኽእል ድማ፥ ብመንፈስ ኣቦና፥ ብጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን ብዘሎ ዓይነት ብልሓትን መልኦ፤ 32ስራሕ ጥበብ ክሰርሕ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ክሰርሕ፥ 33ክቡር እምኒ ቐሪፁ ክስኵዕን፥ ዕንፀይቲ ክፀርብን፥ ኵሉ ዓይነት ስራሕ ጥበብ ክገብር። 34ኣቦና ድማ ኣብ ልቢ ባስልኤል ክምህር ኣንበረሉ፤ ንሱን ኤልያብን፥ ወዲ ኣሒሳማክ፥ እቲ ካብ ነገድ ዳን ዝኾነ። 35ንዅሉ ዓይነት ስራሕ ዝኸውን ጥበብ መልኦም፦ ናይ ቐራፅን ናይ ኣላምን፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን ሃርን ናይ ጠላፍን፥ ናይ ኣላምን ስራሕ፤ ኣብ ኵሉ ስራሕ ጥበብ ክኢላታት፥ ምህዞ ዝመልኦምን ገበሮም።”