ፍቓደኛ ልብን ክኢላ ኣእዳውን
እቲ ስራሕ ጀመረ፥ እቲ ሓደ ፀገም ከዓ ብዝሒ ነበረ—እቶም ክኢላታት ነቲ ህዝቢ ኻብ ዘድሊ ኣብዚሖም ከም ዘምፅኡ ንሙሴ ነገርዎ፥ ስለዙይ ደው ክብሉ ኣዘዞም። ሽዑ እቲ ዓለባታትን መቘለፍን ጋድማትን መጋረጃን ከምቲ ምስሊ ፍፁም ተገብረ፥ እቲ መሕደሪ ድንኳን ከዓ ቍራፅ ብቍራፅ ተኣከበ።
36 1ባስልኤልን ኤልያብን፥ ነቲ መቕደስ ንምስራሕ ኣቦና ጥበብን ምስትውዓልን ዝሃቦ ኵሉ ክኢላ ሰብን፥ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ዅሉ ነቲ ስራሕ ይስርሑ።
2ሽዑ ሙሴ ንባስልኤልን ንኤልያብን፥ ኣቦና ኣብ ልቦም ጥበብ ዝሃቦ ኵሉ ክኢላ ሰብን፥ ነቲ ስራሕ መፂኦም ክሰርሑ ልቦም ዘለዓዓሎም ዅሎምን ፀውዖም። 3ነቲ ደቂ እስራኤል ነቲ መቕደስ ንምስራሕ ዘምፅእዎ ኵሉ መባእ ካብ ሙሴ ተቐበሉ። እቶም ህዝቢ ግና ንግሆ ንግሆ ብፍቓዶም ዝወሃብ መባእ የምፅኡሉ ነበሩ። 4ኵሎም እቶም ኵሉ ስራሕ መቕደስ ዝሰርሑ ዝነበሩ ክኢላታት ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ ካብቲ ዝሰርሖ ዝነበረ ስራሕ ተፈልዩ መፁ። 5ንሙሴ ድማ “እቲ ህዝቢ ነቲ ኣቦና ክንገብሮ ዝኣዘዘና ስራሕ፥ ካብ ዘድሊ ኣዝዩ ኣብዚሑ የምፅእ ኣሎ” በልዎ።
6ሽዑ ሙሴ ኣዘዘ፤ ኣብ ኵሉ እቲ ሰፈር ድማ “ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ደጊም ንመቕደስ መባእ ኣየቕርብ” ኢሎም ለኣኹ። እቲ ህዝቢ ድማ ምምፃእ ኣቋረፀ፥ 7እቲ ኣቐዲሞም ዝነበሮም ነቲ ዅሉ ስራሕ ንምግባር እኹል፥ ልዕሊ እኹል ነበረ እሞ።
ዓሰርተ ዓለባታት ሃርን ወርቅን
8እቶም ክኢላታት ድማ ነቲ ድንኳን ሰርሑ፤ ካብ ዝተፍሓሰ ሃርን፥ ካብ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ዝተገብረ፥ ምስሊ ኪሩቤል ዘለዎ፥ ብክኢላ ኣላም ዝተሰርሐ ዓሰርተ ዓለባታት ገበሩ። 9ምንዋሕ ነፍሲ ወከፍ ዓለባ ዕስራን ሸሞንተን እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ነበረ፤ ዓቐን ኵሉ ዓለባታት ሓደ ነበረ። 10ነተን ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን፤ ነተን ካልኦት ሓሙሽተ ዓለባታትውን ብሓደ ኣላግበን። 11ኣብ ጫፍ እታ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዘላ ግዳማዊት ዓለባ ብሰማያዊ ፈትሊ ቐለበታት ገበረ፤ ኣብ ጫፍ እታ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዘላ ግዳማዊት ዓለባ ኸዓ ኸምኡ ገበረ። 12ኣብታ ቐዳመይቲ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ገበረ፤ ኣብ ጫፍ እታ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዘላ ዓለባ ኸዓ ሓምሳ ቐለበት ገበረ፤ እቲ ቐለበታት ንሓድሕዱ ዝገጣጠም ነበረ። 13ብወርቂ ጌሩ ሓምሳ መቘለፊ ሰርሐ፤ ነቲ ዓለባታት ድማ በቲ መቘለፊ ንስንሳቱ ኣጋጠሞ፤ እቲ ድንኳን ከዓ ሓደ ኾነ።
14ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ዝድረብ ድማ ብፀጕሪ ጤል ጌሩ ዓለባታት ሰርሐ፤ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ገበረ። 15ዓቐን እቲ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ሓደ ነበረ፤ ምንዋሕ ነፍሲ ወከፍ ዓለባ ሰላሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ነበረ። 16ነተን ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን፤ ነተን ካልኦት ሽዱሽተ ዓለባታትውን ብሓደ ኣላግበን። 17ኣብ ጫፍ እታ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዘላ ግዳማዊት ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ገበረ፤ ኣብ ጫፍ እታ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዘላ ዓለባ ድማ ሓምሳ ቐለበት ገበረ። 18እቲ መደረብታ ሓደ ምእንቲ ክኸውን፥ ብነሃስ ጌሩ ሓምሳ መቘለፊ ሰርሐ። 19ነቲ መደረብታ ኸዓ ብዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ ጌሩ መኽደን ገበረሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብልስሉስ ቈርበት ጌሩ መኽደን ገበረሉ።
20ድሕሪዙይ ነቲ ድንኳን ዝኸውን ደው ዝብል ሉሕ ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ሰርሐ። 21ምንዋሕ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ ዓሰርተ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ እመትን ፈረቓን ነበረ። 22ነፍሲ ወከፍ ሉሕ ንስንሳቱ ዝገጣጠም ከክልተ ጉጭ ነበሮ፤ ንዅሉ ነቲ ናይ ድንኳን ሉሕ ከዓ ኸምኡ ጌሩ ሰርሖ። a a v22 ጉጭ ማለት ኣብ ታሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ ዘሎ፥ ኣብቲ ናይ ብሩር መርገፂ ዘሎ ኣፍ ዝኣቱ፥ ነቲ ሉሕ ደው ኢሉ ዝሕዝ፥ ዝወፅእ ዕንፀይቲ ጉጭ እዩ። 23ነቲ ድንኳን ዝኸውን ሉሕ ሰርሐ፤ ብወገን ደቡብ ዕስራ ሉሕ ገበረ። 24ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ ብብሩር ጌሩ ኣርብዓ መርገፂ ሰርሐ፤ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ንኽልተ ጉጩ ዝኸውን ክልተ መርገፂ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ቐፃሊ ሉሕ ድማ ንኽልተ ጉጩ ዝኸውን ክልተ መርገፂ ገበረ። 25ነቲ ኻልኣይ ወገን ድንኳን፥ ማለት ብወገን ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ ገበረ፥ 26ብብሩር ዝተሰርሐ ኣርብዓ መርገፂኦምን፤ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ መርገፂ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ቐፃሊ ሉሕ ድማ ክልተ መርገፂ ገበረ። 27ብድሕሪ እቲ ድንኳን፥ ማለት ብወገን ምዕራብ ሽዱሽተ ሉሕ ገበረ። 28ንመኣዝናት እቲ ድንኳን ኣብ ዳሕረዋይ ወገኑ ዝኸውን ክልተ ሉሕ ገበረ። 29ክልቲኡ ኻብ ታሕቲ ድርብ ነበረ፤ ክሳዕ ላዕሊ ኸዓ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለበት ተጋጥመ፤ ንኽልቲኡ ኣብቲ ክልተ መኣዝን ከምኡ ገበሮ። 30ስለዙይ ሸሞንተ ሉሕ ምስ ብሩር መርገፂኦም ነበረ፤ ዓሰርተ ሽዱሽተ መርገፂ ኾይኑ፥ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ መርገፂ ነበረ።
31ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ድማ ወርወር ሰርሐ፤ ሓሙሽተ ወርወር ንሉሕ ሓደ ወገን ድንኳን ገበረ፥ 32ሓሙሽተ ወርወር ነቲ ኻልኣይ ወገን ድንኳን ዘሎ ሉሕ፥ ሓሙሽተ ወርወር ድማ ብድሕሪ እቲ ድንኳን ብወገን ምዕራብ ንዘሎ ሉሕ ገበረ። 33እቲ ኣብ ማእኸል ዘሎ ወርወር ከዓ ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ኣብ ማእኸል እቲ ሉሕ ክሕለፍ ገበሮ። 34ነቲ ሉሕ ብወርቂ ለበጦ፤ ነቲ ወርወር ዝኣትዎ ቐለበታት ድማ ብወርቂ ሰርሐ፤ ነቲ ወርወርውን ብወርቂ ለበጦ።
35ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌሩ መጋረጃ ሰርሐ፤ ብብልሓት ድማ ምስሊ ኪሩቤል ገበረሉ። 36ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ድማ ኣርባዕተ ዓምዲ ገበረሉ፤ ብወርቂ ለበጦም፤ መሰቓቐሊኦም ከዓ ብወርቂ ነበረ፤ ኣርባዕተ መርገፂ ብሩር ድማ ኣፍሰሰሎም።
37ነቲ ኣፍ ደገ ድንኳን ድማ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ መጋረጃ ገበረ፥ 38ምስ መሰቓቐሊኡ ድማ ሓሙሽተ ኣዕምዱ ገበረ፤ ንጕልላቶምን ዘንግታቶምን ብወርቂ ለበጦ፤ እቲ ሓሙሽተ መርገፂኦም ግና ነሃስ ነበረ።