ባስልኤል ነቲ ታቦት ይሰርሕ
ባስልኤል ነቲ ኣቐዲሙ ዝተገለፀ ይሰርሕ፦ እቲ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት ምስ እቶም ኣብ ልዕሊ መኽደን ስርየት ገፅ ንገፅ ዝጠማመቱ ኪሩቤል፥ እቲ ጠረጴዛ፥ ዕንበባ ለውዚ ዝመስሉ ፅዋዓት ዘለዎ ዝተቐጥቀጠ ቐዋሚ ቐንዲል፥ እቲ መሰውኢ ዕጣን፥ መቕብኢ ዘይትን ዕጣንን። እቲ ትእዛዛት ምዕራፍ ዕስራን ሓሙሽተን ክትትንክፎ ዝከኣል ነገራት ኮነ።
37 1ባስልኤል ነቲ ታቦት ብዕንፀይቲ ሰራው ገበሮ፤ ምንዋሑ ዳርጋ ኣርብዓን ሓሙሽተን ኢንች፥ ምግፋሑ ዕስራን ሸውዓተን ኢንች፥ ምብራኹ ኸዓ ዕስራን ሸውዓተን ኢንች ነበረ። 2ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ውሽጡን ደገኡን ለበጦ፤ ብዙርያኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። 3ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ድማ ነቲ ኣርባዕተ እግሩ ብፍሲ ገበረሉ፤ ክልተ ቐለበት ኣብ ሓደ ወገኑ፥ ክልተ ቐለበት ከዓ ኣብቲ ኻልእ ወገኑ ገበረ። 4መፃውር ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው ገበረ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦም። 5ነቲ ታቦት ምእንቲ ኽፅወር ከዓ ነቲ መፃውር ናብቶም ኣብ ጐኒ ታቦት ዘለዉ ቐለበታት ኣእተዎ።
6መኽደን ስርየት ሓጢኣት ብፅሩይ ወርቂ ገበረ፤ ምንዋሑ ዳርጋ ኣርብዓን ሓሙሽተን ኢንች፥ ምግፋሑ ኸዓ ዕስራን ሸውዓተን ኢንች ነበረ። a a v6 እቲ መኽደን ስርየት፥ ኣቦና ንህዝቡ ዝረኽበሉን ምሕረት ዝውሃበሉን ቦታ ነበረ፤ ሓዳስ ኪዳን ድማ ንኢየሱስ ባዕሉ፥ እቲ ደሙ ሕዚ ዝኽድነና ቦታ ምሕረት፥ ኢሉ ይሰምዮ። 7ወርቂ ቐጥቂጡ ኸዓ ኣብ ክልተ ወሰን እቲ መኽደን ስርየት ክልተ ኪሩቤል ገበረ፤ 8ሓደ ኪሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፥ ካልኣይ ኪሩቤል ከዓ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ገበረ፤ ነቶም ኪሩቤል ምስቲ መኽደን ስርየት ኣላጊቡ ብኽልተ ወሰኑ ገበሮም። 9እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ንላዕሊ ዘርጊሖም ነቲ መኽደን ስርየት ጋረድዎ፤ ገፃቶም ድማ ገፅ ንገፅ እናተረኣኣዩ ናብቲ መኽደን ስርየት ጠመቱ።
እቲ ጠረጴዛ
10ነቲ ጠረጴዛ ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው ገበሮ፤ ምንዋሑ ዳርጋ ሰላሳን ሽዱሽተን ኢንች፥ ምግፋሑ ዓሰርተ ሸሞንተ ኢንች፥ ምብራኹ ኸዓ ዕስራን ሸውዓተን ኢንች ነበረ። 11ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለበጦ፤ ብዙርያኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። 12ኣብ ዙርያኡ ድማ ዳርጋ ሰለስተ ኢንች ዝምግፋሑ ኽባስ ገበረሉ፤ ነቲ ኽባስ ከዓ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። 13ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ድማ ብፍሲ ገበረሉ፤ ነቲ ቐለበታት ከዓ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሩ ዘለዎ ኣርባዕተ መኣዝን ገበሮ። 14እቲ ቐለበታት ድማ እቲ ጠረጴዛ ዝፅወረሉ መፃውር ዝኣትዎ ኾይኑ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ኽባስ ነበረ። 15ነቲ ጠረጴዛ ዝፅወረሉ መፃውር ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው ገበረ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦ። 16ነቲ ኣብ ጠረጴዛ ዝቕመጥ ኣቑሑ ድማ ብፅሩይ ወርቂ ገበሮ፤ ፃሕልታቱን ሒላባቱን ጭሐሎታቱን ነቶም መስዋእቲ መስተ ዝፍሰሰሎም ፅዋዓቱን ገበረ።
እቲ ቐዋሚ ቐንዲል
17ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ብዝተቐጥቀጠ ፅሩይ ወርቂ ገበሮ፤ እግሩን ዘንጉን ፅዋዓቱን ክበቡን ዕምበባኡን ምስኡ ሓደ ኮይኑ ዝተሰርሐ ነበረ። 18ሽዱሽተ ጨንፈር ከዓ ኻብ ጐኑ ይወፁ ነበሩ፤ ሰለስተ ጨንፈር ኣብ ሓደ ወገኑ፥ ሰለስተ ጨንፈር ከዓ ኣብቲ ኻልእ ወገኑ ነበረ። 19ኣብ ሓደ ጨንፈር ዕምበባ ለውዚ ዝመስላ ሰለስተ ፅዋዓት፥ መምስ ክበበንን ዕምበበንን ነበረ፤ ኣብቲ ቐፂሉ ዘሎ ጨንፈር ከዓ ሰለስተ ፅዋዓት ነበረ፤ ከምዙይ ድማ ንዅለን እተን ኻብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ዝወፃ ሽዱሽተ ጨናፍር ገበረ። 20ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ባዕሉ ድማ፥ ዕምበባ ለውዚ ዝመስላ ኣርባዕተ ፅዋዓት፥ መምስ ክበበንን ዕምበበንን ነበራ። 21ሓደ ክበብ ኣብ ትሕቲ እታ ቐዳመይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ክበብ ኣብ ትሕቲ እታ ኻልአይቲ ፅምዲ፥ ሓደ ክበብ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ሳልሰይቲ ፅምዲ ነበረ፤ ንዅለን እተን ሽዱሽተ ጨናፍር ከምኡ ነበረ። 22ክበቡን ጨናፍሩን ምስኡ ሓደ ኮይኑ ዝተሰርሐ ነበረ፤ ኵሉ ኻብ ዝተቐጥቀጠ ፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ሓደ ኮይኑ ነበረ። 23ነቲ ሸውዓተ መብራህቱን መዀስተሪኡን መዋህለሊታቱን ድማ ብፅሩይ ወርቂ ገበረ። 24ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን ኵሉ ኣቑሑኡን ድማ ካብ ሰብዓን ሓሙሽተን ፓውንድ ፅሩይ ወርቂ ገበሮ።
መሰውኢ ዕጣን
25ነቲ መሰውኢ ዕጣን ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው ገበሮ፤ ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ኾይኑ፥ ምንዋሑ ዓሰርተ ሸሞንተ ኢንች፥ ምግፋሑ ዓሰርተ ሸሞንተ ኢንች፥ ምብራኹ ኸዓ ሰላሳን ሽዱሽተን ኢንች ነበረ፤ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ሓደ ኮይኑ ዝተሰርሐ ነበረ። 26ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለበጦ፤ ላዕላዩን ኵሉ ወገኑን ኣቕርንቱን ለበጦ፤ ብዙርያኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። 27ክልተ ቐለበት ወርቂ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊሉ፥ ኣብ ክልተ ጐድኑ ገበረሉ፤ እዚ ኸዓ እቲ ዝፅወረሉ መፃውር ዝኣትዎ ነበረ። 28ነቲ መፃውር ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው ገበረ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦ። 29ነቲ ዝተቐደሰ መቕብኢ ዘይትን ነቲ ጥዑም ዝጨናኡ ፅሩይ ዕጣንን ድማ፥ ከምቲ ኽኢላ ቐማማይ ዝገብሮ ጌሩ ገበረ።