ኪዳን ኣቦና ኣብ ኮሬብ
ሙሴ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ንሓድሽ ወለዶ ይደግም፤ እቲ ኪዳን ምስ ኣቦታቶም ጥራሕ ዘይኮነ ምሳታቶም ከም ዝተገብረ ድማ የፅንዕ። ኣብዙይ ሰንበት ኣብቲ ዝዝከር ባርነት እያ ዝተመስረተት። እቶም ህዝቢ በቲ ሓዊ ፈሪሖም፥ ሙሴ ኣብ ክንዳኦም ክሰምዕ ለመንዎ፤ ኣቦና ድማ ልቦም ከምኡ ኾይኑ ክነብር ተመነየ።
5 1ሙሴ ንዅሉ እስራኤል ፀዊዑ ከምዙይ በሎም፦ “ኦ እስራኤል፥ ነቲ ሎሚ ኣብ እዝንኹም ዝዛረቦ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ፤ ተማሃርዎ፥ ተጠንቂቕኩም ከዓ ግበርዎ።” 2ኣቦና ኣብ ኮሬብ ምሳና ኪዳን ገበረ። 3ኣቦና ነዝ ኪዳን እዙይ ምስ ኣቦታትና ኣይኮነን ዝገበሮ፥ ምሳና ደኣ እምበር፥ ምስ ኵላትና እዞም ሎሚ ኣብዙይ ብህይወት ዘለና። 4ኣቦና ኣብቲ እምባ፥ ካብ ውሽጢ እቲ ሓዊ፥ ገፅ ንገፅ ተዛረበኩም።
5በቲ ጊዜ እቱይ፥ ንስኻትኩም ነቲ ሓዊ ስለ ዝፈራሕኩም ናብቲ እምባ ስለ ዘይደየብኩም፥ ቃል ኣቦና ክነግረኩም ኣብ መንጎ ኣቦናን ኣብ መንጎኹምን ደው ኢለ ነበርኩ። ከምዙይ ከዓ በለ፦
6“ካብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ ኣቦኻ እየ።
7“ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
8“ፅሩብ ምስሊ ንርእስኻ ኣይትግበር፤ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ፥ ወይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዘሎ ማያት ዘሎ ነገር፥ ዝኾነ ምስሊ ኣይትግበር። 9ኣነ ኣቦኻ ቀናእ ኣቦ እየ እሞ፥ ኣይትስገደሎም፥ ኣይተገልግሎምውን፤ ነቶም ዝፀልኡኒ፥ በደል ኣቦታት ናብ ደቆም፥ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዘምፅእ እየ። 10ነቶም ዝፈትዉንን ትእዛዛተይ ዝሕልዉን ግና፥ ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ።
11“ስም ኣቦኻ ብኸንቱ ኣይትፀውዕ፤ ኣቦና ነቲ ስሙ ብኸንቱ ዝፅውዕ፥ ብዘይ ቅፅዓት ኣይሐድጎን እዩ እሞ።
12“ከምቲ ኣቦኻ ዝኣዘዘካ፥ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ሓልዋ። 13ሽዱሽተ መዓልቲ ክትሰርሕ፥ ኵሉ ተግባርካውን ክትገብር ኢኻ፤ 14እታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ግና ንኣቦኻ ሰንበት እያ። ንስኻ፥ ወድኻ ኾነ ጓልካ፥ ኣገልጋሊኻ ኾነ ኣገልጋሊትካ፥ ብዕራይካን ኣድግኻን፥ ዝኾነ እንስሳኻ፥ ወይ እቲ ኣብ ከተማታት ምድርኻ ዘሎ ጓና፥ ዝኾነ ዕዮ ኣይትግበር፤ ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካን ድማ ከማኻ ምእንቲ ኸዕርፉ። 15ኣብ ግብፂ ባርያ ከም ዝነበርካ ዘክር፤ ኣቦኻ ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልፅምን ካብኡ ኣውፅአካ። ስለዙይ ኣቦኻ ንመዓልቲ ሰንበት ክትሕልዋ ኣዘዘካ።
16“ከምቲ ኣቦኻ ዝኣዘዘካ፥ ንኣቦኻን ንኣዴኻን ኣኽብር፤ ኣብታ ኣቦኻ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ፅቡቕ ድማ ምእንቲ ኽኾነልካ።
17“ኣይትቕተል።
18“ኣይትዘሙ።
19“ኣይትስረቕ።
20“ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።
21“ንሰበይቲ ብፃይካ ኣይትመነ። ንቤቱ፥ ንግራቱ፥ ንኣገልጋሊኡን ንኣገልጋሊቱን፥ ንብዕራዩን ንኣድጉን፥ ወይ ካብ ንብረት ብፃይካ ዝኾነ ነገር ኣይትመነ።”
22ኣቦና ነዝ ቃላት እዚ ኣብቲ እምባ፥ ካብ ውሽጢ እቲ ሓዊን ደመናን ድቡን ፀልማትን፥ ብዓብዪ ድምፂ ንብዘሎ ጉባኤኹም ተዛረቦ፤ ዝወሰኾ ከዓ ኣይነበረን። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ፅሒፉ ድማ ሃበኒ። 23እቲ ድምፂ ካብ ውሽጢ እቲ ፀልማት ምስ ሰማዕኹም፥ እቲ እምባ ድማ ብሓዊ እናተቓፀለ እንተሎ፥ ኵሎም ኣሕሉቕ ነገድኩምን ዓበይትኹምን ናባይ መፃእኹም፤
24ከምዙይ ከዓ በልኩም፦ “እንሆ፥ ኣቦና ኽብሩን ዕቤቱን ኣርኣየና፤ ድምፁ ድማ ካብ ውሽጢ እቲ ሓዊ ሰማዕና። ኣቦና ምስ ሰብ ክዛረብ፥ እቲ ሰብ ከዓ ብህይወት ክነብር፥ ሎሚ ረአና። 25ሕዚ ስለ ምንታይ ንመውት? እዝ ዓብዪ ሓዊ ኽበልዐና እዩ። ድምፂ ኣቦና መሊስና እንተ ሰማዕና፥ ክንመውት ኢና። 26ካብ ኵሉ ሰብ፥ ድምፂ እቲ ህያው ኣቦ ካብ ውሽጢ እቲ ሓዊ ክዛረብ እንተሎ ኸማና ሰሚዑ ብህይወት ዝነበረ መን እዩ? 27ቅረብ እሞ ኣቦና ዝብሎ ዅሉ ስማዕ፤ ሽዑ ኣቦና ዝብለካ ዅሉ ንገረና፤ ንሕና ድማ ክንሰምዕን ክንእዘዝን ኢና።”
28ኣቦና ንኣይ እትዛረብዎ ዝነበርኩም ቃል ሰምዐ፤ ኣቦና ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “ነዝ ህዝቢ እዙይ ዝተዛረበካ ቃል ሰሚዐዮ ኣለኹ። እቲ ዝበልዎ ዅሉ ቕኑዕ እዩ። 29እዝ ልቢ እዙይ ሒዞም፥ ንኣይ ፈሪሖም፥ ትእዛዛተይ ኵሉ ኵልሻዕ እንተ ዝሕልዉ፥ ንእኣቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ፅቡቕ ምኾነሎም ነይሩ! 30ኺድ እሞ ‘ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ’ ኢልካ ንገሮም። 31ንስኻ ግና ኣብዙይ ምሳይ ደው በል፤ ኣነ ድማ ንብዘሎ ትእዛዝ፥ ሕግጋትን ፍርድታትን፥ ክነግረካ እየ፤ ንስኻ ኽትምህሮም ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ኣብታ ኽወርስዋ ዝህቦም ምድሪ ምእንቲ ክገብርዎ።”
32እምበኣር ከምቲ ኣቦኻ ዝኣዘዘካ ክትገብር ተጠንቀቕ፤ ናብ የማን ኾነ ናብ ፀጋም ኣይትረሓቕ። 33በቲ ኣቦኻ ዝኣዘዘካ ኵሉ መንገዲ ኺድ፤ ክትነብር፥ ክሰልጠካ፥ ኣብታ ኽትወርሳ ዘለኻ ምድሪ ድማ ዕድሜኻ ክነውሕ።