ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንኣቦኻ ብዅሉ ነገር ኣፍቅሮ

ኦ እስራኤል፥ ስማዕ፤ ኣቦና ሓደ እዩ፤ ንእኡ ኸዓ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። እቲ ቃላት ቅድም ኣብ ልቢ ይኹን፥ ሽዑ ኣብ ገዛን ኣብ መንገድን ኣብ ዝግበር ንቡር ዘረባ፥ ኣብ ድርኵዂት፥ ሓደ ቈልዓ ስለ ምንታይ ኢሉ ኣብ ዝሓትተሉ መልሲ ድማ ይእቶ።

ምዕራፍ 6።

እዝ ኣቦኻ ኽምህረካ ዝኣዘዘኒ ትእዛዝ፥ ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ፥ ናብታ ኽትወርሳ እትሳገራ ዘለኻ ምድሪ ምእንቲ ኽትገብሮም እዩ። ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ብዅሉ መዓልቲታት ህይወትካ፥ ነቲ ኣነ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን እናሓሎኻ፥ ንኣቦኻ ምእንቲ ኸተኽብሮ፥ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኽነውሕ እዩ። ኦ እስራኤል፥ ስማዕ፤ ከምቲ ኣቦና፥ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ዘተስፈወካ፥ ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ፅቡቕ ምእንቲ ኺኾነልካ፥ የመናውን ምእንቲ ኽትባዛሕ፥ ተጠንቂቕካ ግበሮም።

ኦ እስራኤል፥ ስማዕ፤ ኣቦና ሓደ እዩ። a a v4 ኢየሱስ ነዝ ምስክርነት እዙይ ከም ዝዓበየ ትእዛዝ ጌሩ ኣፅደቖ (ማርቆስ 12፡29)። “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ድማ በለ (ዮሃንስ 10፡30)። ንኣቦኻ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቃላት እዚኣቶም ድማ ኣብ ልብኻ ይኹኑ። ንደቅኻ ተጠንቂቕካ ምሃሮም፤ ኣብ ገዛኻ ኽትቅመጥ ከለኻ፥ ብመንገዲ ኽትከይድ ከለኻ፥ ክትድቅስ ከለኻን ክትስእ ከለኻን ድማ ብዛዕባኦም ተዛረብ። ኣብ ኢድካ ንምልክት እሰሮም፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ኸም ክታብ ይኹኑ፤ ኣብ ድርኵዂት ገዛኻን ኣብ ማዕፆኻን ከዓ ፅሓፎም።

ኣቦኻ ናብታ ንኣቦታትካ፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን፥ ዝመሓለልካ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፥ ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ፅቡቓትን ከተማታት ክህበካ፥ ብዅሉ ፅቡቕ ነገር ዝመልአ ዘይመላእካየን ኣባይቲ፥ ተዂዒተን ዝነበራ ዘይኰዓትካየን ዒላታት፥ ዘይተኸልካየን ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውሊዕን ክህበካ፤ በሊዕኻ ምስ ፀጋብካ ኸዓ፥ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአካ ኣቦኻ ኸይትርስዕ ተጠንቀቕ። ንኣቦኻ ኣኽብሮ፤ ንእኡ ኣምልኾ፤ ብስሙ ድማ መሓል። ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ነቶም ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ህዝብታት ኣማልኽቲ ኣይትስዓብ፤ እቲ ኣብ ማእኸልካ ዘሎ ኣቦኻ ቀናእ ኣቦ እዩ እሞ፥ ቍጥዓኡ ኣባኻ ነዲዱ ካብ ገፅ ምድሪ ኸየጥፍኣካ። ከምቲ ኣብ ማሳህ ዝፈተንካዮ፥ ንኣቦኻ ኣይትፈትኖ። b b v16 ማሳህ፦ እስራኤል ብዛዕባ ስእነት ማይ ዝተጓየቑላን ንኣቦና ዝፈተኑላን ቦታ እያ (ዘፀኣት 17፡1-7)። ትእዛዛት ኣቦኻ፥ ምስክርነቱን ዝኣዘዘካ ሕግጋቱን ተጠንቂቕካ ሓሉ። ፅቡቕ ምእንቲ ኺኾነልካ፥ ናብታ ኣቦና ንኣቦታትካ ኽህቦም ዝመሓለሉ ፅብቕቲ ምድሪ ኣቲኻ ምእንቲ ኽትወርሳ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቅኑዕን ፅቡቕን ነገር ግበር፤ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ፥ ንዅሎም ፀላእትኻ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጎም እዩ።

ወድኻ ንመፃኢ፥ ‘እዝ ኣቦና ዝኣዘዘኩም ምስክራትን ሕግጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ?’ ኢሉ ምስ ጠየቐካ፥ ሽዑ ንወድኻ ኸምዙይ በሎ፦ ‘ንሕና ኣብ ግብፂ ባሮት ፈርዖን ኔርና፥ ኣቦና ኸዓ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅአና። ኣቦና ኣብ ልዕሊ ግብፅን ፈርዖንን ኵሉ ቤቱን፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና፥ ዓበይትን ዘፍርሕን ምልክታትን ተኣምራትን ገበረ። ናብታ ንኣቦታትና ዝመሓለሉ ምድሪ ኼእትወናን ኪህበናን ኢሉ፥ ካብኡ ኣውፅአና። ኣቦና ድማ ነዝ ዅሉ ሕግጋት እዙይ ክንገብር፥ ንኣቦና ኽነኽብር፥ ከምዛ ሎሚ ዘለና ድማ ህያዋን ምእንቲ ኽንከውን፥ ኵልሻዕ ንሰናይና ኢሉ ኣዘዘና። ከምቲ ዝኣዘዘና፥ ነዝ ዅሉ ትእዛዝ እዙይ ኣብ ቅድሚ ኣቦና እንተ ሓሊናን እንተ ገበርና፥ ንኣና ፅድቂ ኪኾነና እዩ።’