ኣቦ መንገዲ የፅሪ
እስራኤል መሰውኢታት እቶም ኣህዛብ ከፍርሱን ምውስሳብ ክኣብዩን ተኣዘዙ፥ እቲ ሓደጋ ልቢ ምዝንባል እዩ እሞ። ብግዝፎም ድማ ኣይተመረፁን፦ ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝወሓዱ እዮም ኔሮም። ኣቦና ኣፍቀሮም፥ ማሕላኡ ድማ ሓለወ። እቲ ምኽንያት እዙይ እዩ።
7 1ኣቦኻ ናብታ ክትወርሳ እትኣትዋ ዘለኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፥ ብዙሓት ኣህዛብ ከዓ ካብ ቅድሜኻ ምስ ሰጎ፦ ኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፌርዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ካባኻ ዝዓብዩን ዝሕይሉን ሸውዓተ ኣህዛብ፥ 2ኣቦኻ ናባኻ ኣሕሊፉ ምስ ሃበካ፥ ንስኻ ድማ ምስ ሰዓርካዮም፥ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮም። ኪዳን ኣይትተኣታተዎም፤ ኣይትራህርሃሎምውን። 3ምስኣቶም ኣይትተዋሰብ፤ ኣዋልድካ ንኣወዳቶም ኣይትሃብ፤ ኣዋልዶም ድማ ንኣወዳትካ ኣይትውሰድ። 4ንሳቶም ንደቅኻ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኸገልግሉ ካብ ምስዓበይ ከዘንብልዎም እዮም እሞ፥ ቍጥዓ ኣቦና ኣብ ልዕሌኻ ክነድድ እዩ፤ ቀልጢፉ ኸዓ ከጥፍኣካ እዩ። 5ግናኸ ከምዙይ ግበሮም፦ መሰውኢታቶም ኣፍርስ፤ ሓወልትታቶም ሰባብር፤ ናይ ኣምልኾ ዓፀዳቶም ቍረፅ፤ ዝተወቕረ ምስልታቶም ድማ ብሓዊ ኣንድድ። 6ንስኻ ንኣቦኻ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ፤ ኣቦኻ ካብ ኵሎም ኣብ ገፅ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት፥ ህዝቡ፥ ብፍላይ ገንዘቡ ክትከውን መረፀካ። 7ኣቦኻ ዘፍቀረካን ዝመረፀካን፥ ካብ ካልኦት ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኻ ኣይኮነን፤ ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝወሓድካ ኢኻ ኔርካ እምበር። 8ግናኸ ኣቦኻ ስለ ዘፍቀረካን፥ ነቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሓለወን፥ ብሓያል ኢድ ኣውፅአካ፤ ካብ ቤት ባርነት፥ ካብ ኢድ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኸዓ ተበዀካ። 9ኣቦኻ ንሱ ኣቦና፥ እቲ እሙን፥ ነቶም ዘፍቅርዎን ትእዛዛቱ ዝሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ኺዳንን ምሕረትን ዝሕሉ ምዃኑ ፍለጥ፤ 10ነቶም ዝፀልእዎ ግና፥ እናኣጥፍአ ኣብ ገፆም ይፈድዮም፤ ነቲ ዝፀልኦ ኣብ ገፁ ኽፈድዮ ኣይድንጒን እዩ። 11ስለዙይ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዝ፥ ሕግጋትን ፍርድታትን ሓሉ፤ ፈፅሞ ድማ።
12ነዞም ፍርድታት እዚኣቶም ስለ እትሰምዕ፥ ትሕልዎም ድማ ትፍፅሞም ስለ ዘለኻ፥ ኣቦኻ ነቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳንን ምሕረትን ክሕልወልካ እዩ። 13ከዓ ከፍቅረካ፥ ክባርኸካ፥ ከብዝሐካ እዩ፤ ኣብታ ክህበካ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ፥ ንፍረ ኸርስኻን ንፍረ ምድርኻን፥ እኽልን ወይንን ዘይትን፥ ምፍራይ ኣላሕምካን ምፍራይ ኣባጊዕኻን ክባርኽ እዩ። 14ካብ ኵሎም ህዝብታት ንላዕሊ ቡሩኽ ክትከውን ኢኻ፤ ኣባኻ ተባዕታይ ኾነ ኣንስተይቲ፥ ኣብ እንስሳኻን መኻን ኣይህሉን እዩ። 15ኣቦኻ ዅሉ ሕማም ካባኻ ከርሕቐልካ እዩ፤ ነቲ ዝፈለጥካዮ ዅሉ እኩይ ሕማም ግብፂ፥ ኣባኻ ኣየንብሮን፤ ነቶም ዝፀልኡኻ ዅሎም ግና ከንብሮ እዩ። 16ነቶም ኣቦኻ ዝህበካ ዅሎም ህዝብታት ኣጥፍኣዮም። ኣይትራህርሃሎም፤ ንኣማልኽቶም ኣይተገልግል፤ እዙይ መፈንጠር ክኾነካ እዩ እሞ። 17“እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካባይ ይበዝሑ፤ ከመይ ገይረ ኽሰጎም እኽእል?” ኢልካ እንተ ሓሰብካ፥ 18ኣይትፍርሃዮም። ነቲ ኣቦኻ ንፈርዖንን ንብዘሎ ግብፅን ዝገበሮ ፅቡቕ ጌርካ ዘክር፦ 19ነቲ ኣዒንትኻ ዝረአይዎ ዓበይቲ ፈተናታት፥ ነቲ ምልክታትን ተኣምራትን፥ ነቲ ኣቦኻ ዘውፅአካ ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልፅምን ዘክር። ኣቦኻ ነቶም እትፈርሖም ዅሎም ህዝብታት ከምኡ ኽገብሮም እዩ። 20ኣቦኻ ኸዓ ክሳዕ እቶም ዝተረፉን ካባኻ ዝተሓብኡን ዝጠፍኡ፥ ተናኸስቲ ፅንፅያ ናብ ማእኸሎም ክሰድድ እዩ። 21ኣይትሸበረሎም፤ ኣቦኻ ኣብ ማእኸልካ ኣሎ እሞ፤ ንሱ ዓብዪን ዘፍርሕን ኣቦና እዩ። 22ኣቦኻ ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኻ ቐስ ብቐስ ክሰጎም እዩ። ቀልጢፍካ ኽትውድኦም ኣይትኽእልን ኢኻ፤ እንተ ዘይኮነ ኣራዊት መሮር ኣባኻ ኽበዝሑ እዮም። 23ኣቦኻ ናባኻ ኣሕሊፉ ኽህበካ እዩ፤ ክሳዕ ዝጠፍኡ ኸዓ ብብርቱዕ ድንጋፀ ኸናውፆም እዩ። 24ንነገስታቶም ኣብ ኢድካ ኽህበካ እዩ፤ ንስሞም ከዓ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክትድምስሶ ኢኻ። ክሳዕ እተጥፍኦም ድማ፥ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኻ ደው ክብል ኣይክእልን እዩ። 25ዝተወቕረ ምስሊ ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣንድድ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ ብሩር ወይ ወርቂ ኣይትመነ፤ ንባዕልኻ ድማ ኣይትውሰዶ፤ እንተ ዘይኮነ ብእኡ መፈንጠር ክኾነካ እዩ፤ ንኣቦኻ ፍንፉን እዩ እሞ። 26ፍንፉን ነገር ናብ ቤትካ ኣይተእቱ፤ እንተ ዘይኮነ ከምኡ ንጥፍኣት እተዋህበ ክትከውን ኢኻ። ንሱ ፈፂሙ ዝጠፍእ እዩ እሞ፥ ኣፅይፎ፤ ንዓቖ።