ዳዊት ህዝቢ ይቝፅር
ዳዊት ንተዋጋእቱ ቆፀረ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ልቡ ወቕዖ። ሰለስተ መቕፃዕቲ ተቕረበሉ፤ ምሕረት ኣቦና ዓብዪ እዩ እሞ፥ ኣብ ክንዲ ናብ ኢድ ሰብ ናብ ኢድ ኣቦና ኽወድቕ መረፀ። እቲ መዓት ድማ ኣብ ዓውዲ ኦርና ደው በለ፤ ዳዊት ከዓ ብናፃ ኣብ ክንዲ ዝወስዶ ኽዕድጎ ኣትሪሩ ደለየ።
24 1ቍጥዓ ኣቦና ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ደጊሙ ነደደ፤ ንዳዊት ድማ “ኪድ፥ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቝፀር” ኢሉ ኣብ ልዕሊኦም ኣለዓዓሎ።
2እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊት ኢዮኣብ ከምዙይ በሎ፦ “ሕዚ ብዅሎም ነገዳት እስራኤል፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ዙር እሞ፥ ብዝሒ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥ ነቶም ህዝቢ ቝፀሮም።”
3ኢዮኣብ ግና ነቲ ንጉስ ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦኻ ነዞም ህዝቢ ከም ዘለዉ ሚእቲ ኻዕ ይወስኸሎም፤ ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ ድማ ይርኣያኦ። ጐይታይ ንጉስ ግና ስለምንታይ ነዝ ነገር እዙይ ክገብር ይደሊ?”
4ትእዛዝ እቲ ንጉስ ግና ኣብ ልዕሊ ኢዮኣብን ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቕ ሰራዊትን በርትዐ። ኢዮኣብን እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ድማ ነቶም ህዝቢ እስራኤል ክቝፀሩ ኻብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ወፁ። 5ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፥ ኣብ ጥቓ ዓሮዔር፥ ብደቡብ እታ ኣብ ማእኸል እቲ ሽንጥሮ ዘላ ኸተማ ሰፈሩ፤ ናብ ጋድ ገፅ ጌሮም ከዓ ክሳዕ ኢያዜር ኸዱ። 6ሽዑ ናብ ገለዓድን ናብ ዞባ ታሕቲም ሖድሺን መፁ፤ ናብ ዳንያዓን መፂኦም ድማ ናብ ሲዶን ዞሩ፥ 7ናብ ዕርዲ ጢሮስን ናብ ኵለን ከተማታት ኤዋውያንን ከነዓናውያንን ድማ መፁ፤ ናብ ነጌብ ይሁዳ፥ ናብ ቤርሳቤህ ድማ ወፁ። 8ንዅሉ እታ ምድሪ ዞሮም ምስ ወድኡ ድማ፥ ኣብ መወዳእታ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ ኢየሩሳሌም መፁ። 9ኢዮኣብ ድማ ቍፅሪ እቲ ህዝቢ ነቲ ንጉስ ነገሮ፦ ኣብ እስራኤል ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ሰይፊ ዝመዝዙ ጀጋኑ ሰባት ነበሩ፤ ሰብ ይሁዳ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ነበሩ።
10ድሕሪ ነቶም ህዝቢ ምቝፃሩ ግና ልቢ ዳዊት ወቕዖ። ዳዊት ድማ ንኣቦና ከምዙይ በለ፦ “በቲ ዝገበርክዎ የመና ሓጢአ። ሕዚ ኦ ኣቦ፥ የመና ዓሽየ እየ እሞ፥ በጃኻ ኣበሳ ባርያኻ ኣርሕቐለይ።”
11ዳዊት ንግሆ ምስ ተሲኡ ድማ፥ ቃል ኣቦና ናብቲ ነቢይ፥ ረኣዪ ዳዊት ዝኾነ ጋድ መፀ፦
12“ኪድ እሞ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ‘ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ሰለስተ ነገር የቕርበልካ ኣለኹ፤ ካብኣቶም ሓደ ምረፅ፥ ኣነ ድማ ኣብ ልዕሌኻ ክፍፅሞ እየ።”’”
13ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መፂኡ ነገሮ፤ ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ጠየቖ፦ “ሰለስተ ዓመት ጥሜት ኣብ ምድርኻ ይምፃእዶ? ወይ ፀላእትኻ ክሳዕ ዝሰጉኻ ሰለስተ ወርሒ ካብ ቅድሚኦም ክትሃድም ዲኻ? ወይ ኣብ ምድርኻ ሰለስተ መዓልቲ መቕሰፍቲ ይኹንዶ? ሕዚ ነቲ ዝለኣኸኒ እንታይ መልሲ ኸም ዘምፅኣሉ ሕሰበሉ እሞ ፍለጥ።”
14ዳዊት ድማ ንጋድ ከምዙይ በሎ፦ “ኣዝየ ተፀጊመ ኣለኹ። ርህራሄኡ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥ ናብ ኢድ ኣቦና ንውደቕ፤ ናብ ኢድ ሰብ ግና ኣይትሕደገኒ።”
15ኣቦና ድማ ኻብ ንግሆ ክሳዕ እታ ዝተቐፀረት ጊዜ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መቕሰፍቲ ሰደደ፤ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ድማ ካብቶም ህዝቢ ሰብዓ ሽሕ ሞቱ። a a v15 ‘እታ ዝተቐፀረት ጊዜ’ ምናልባሽ ነታ ናይ ምሸት መስዋእቲ እትስውኣላ ዝተወሰነት ሰዓት እያ እተመልክት።
16እቲ መልኣኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ ኢዱ ምስ ዘርግሐ ግና፥ ኣቦና ኻብቲ መዓት ተመለሰ፤ ነቲ ነቶም ህዝቢ ዘጥፍእ ዝነበረ መልኣኽ ድማ “ይኣክል! ሕዚ ኢድካ ኣቑም” በሎ። እቲ መልኣኽ ኣቦና ድማ ሽዑ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣራውና እቲ ኢያቡሳዊ ነበረ።
17ዳዊት ነቲ ነቶም ህዝቢ ዝወቅዕ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረአየ ድማ፥ ንኣቦና ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ “እንሆ፥ ዝሓጥአ ኣነ እየ፤ ዝበደለ ኸዓ ኣነ እየ። እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም ግና እንታይ ገይሮም? በጃኻ ኢድካ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ትውደቕ።”
ዳዊት መሰውኢ ይሰርሕ
18ጋድ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ዳዊት መፂኡ፥ “ደይብ እሞ ኣብ ዓውዲ ኣራውና እቲ ኢያቡሳዊ ንኣቦና መሰውኢ ኣቑም” በሎ። 19ዳዊት ድማ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ፥ ከም ቃል ጋድ ደየበ። 20ኣራውና ቁልቁል ጠሚቱ ነቲ ንጉስን ባሮቱን ናብኡ ክመፁ ምስ ረአየ ድማ፥ ወፂኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። 21ኣራውና ድማ “ጐይታይ ንጉስ ስለምንታይ ናብ ባርያኡ መፂኡ?” በለ። ዳዊት ከዓ “እቲ መቕሰፍቲ ካብቶም ህዝቢ ምእንቲ ክእገድ፥ ንኣቦና መሰውኢ ክሰርሕ፥ ነቲ ዓውዲ ካባኻ ኽዕድጎ” ኢሉ መለሰ።
22ኣራውና ድማ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “ጐይታይ ንጉስ ደስ ዝበሎ ወሲዱ የዕርግ። እንሆ፥ ነቲ ዚሓርቕ መስዋእቲ ኣብዑር እዚኣቶም ኣለዉ፤ ንዕንፀይቲ ድማ መኻፍእትን ኣርዑት ኣብዑርን እንሆ። 23ኦ ንጉስ፥ እዝ ዅሉ ኣራውና ነቲ ንጉስ ይህብ።” ኣራውና ድማ ነቲ ንጉስ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይቀበለልካ” በሎ።
24እቲ ንጉስ ግና ንኣራውና ከምዙይ በሎ፦ “ኣይፋሉን፥ ብዋጋ ደኣ ካባኻ ኽዕድጎ እየ እምበር። ዋጋ ዘይከፈልክሉ ዚሓርቕ መስዋእቲ ንኣቦይ ኣይስውእን እየ።” ዳዊት ድማ ነቲ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብኣስታት ክልተ ፓውንድ ብሩር ዓደጎም። 25ዳዊት ድማ ኣብኡ ንኣቦና መሰውኢ ሰሪሑ፥ ዚሓርቕ መስዋእትን መስዋእቲ ሰላምን ኣዕረገ። ኣቦና ድማ ነቲ ምእንቲ እታ ምድሪ ዝቐረበ ምህለላ ሰምዖ፤ እቲ መቕሰፍቲ ኸዓ ካብ እስራኤል ተኣገደ።