ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንኤልያስ ናብ ቤቱ ይወስዶ

ኤልሳዕ ንኤልያስ ከይሓድግ ሰለስተ ሻዕ ኣበየ፥ ኣቦና ንኤልያስ ክወስዶ እንተሎ ድማ ነቲ ናይ ሓዊ ሰረገላ ረአየ። ነቲ ዝወደቐ ባርኖስ ኣልዒሉ ‘ኣምላኽ ኤልያስ ኣበይ ኣሎ?’ እናበለ ንዮርዳኖስ ወቒዑ ተሳገረ። ንሓደ መሪር ዓይኒ ማይ ኣሕወየ፥ ነቶም ዝላገፁ ቆልዑ ድማ ረገሞም፥ ኣስካሕካሒ ውፅኢት ከዓ ኾነ።

ምዕራፍ 2።

ኣቦና ንኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ክወስዶ ምስ ቀረበ፥ ኤልያስን ኤልሳዕን ካብ ጌልገላ ወፁ። ኤልያስ ድማ ንኤልሳዕ “በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ፤ ኣቦና ናብ ቤቴል ልኢኹኒ እዩ እሞ” በሎ። ኤልሳዕ ከዓ “ኣቦና ህያው እዩ፥ ንስኻውን ህያው ኢኻ፥ ኣይሓድገካን እየ” በሎ። ስለዙይ ናብ ቤቴል ወረዱ።

እቶም ኣብ ቤቴል ዝነበሩ ነቢያት ድማ ናብ ኤልሳዕ ወፂኦም “ኣቦና ሎሚ ንጐይታኻ ካብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዝወስዶ ትፈልጥዶ ኢኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “እወ፥ እፈልጥ እየ፤ ስቕ በሉ” በሎም።

ኤልያስ ድማ “ኤልሳዕ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ፤ ኣቦና ናብ ኢያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣቦና ህያው እዩ፥ ንስኻውን ህያው ኢኻ፥ ኣይሓድገካን እየ” ኢሉ መለሰሉ። ስለዙይ ናብ ኢያሪኮ ኸዱ።

እቶም ኣብ ኢያሪኮ ዝነበሩ ጉባኤ ነቢያት ድማ ናብ ኤልሳዕ ቀሪቦም “ኣቦና ሎሚ ንጐይታኻ ካባኻ ኸም ዝወስዶ ትፈልጥዶ ኢኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “እወ፥ እፈልጥ እየ፤ ስቕ በሉ” በሎም።

ኤልያስ ድማ “በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ፤ ኣቦና ናብ ዮርዳኖስ ልኢኹኒ እዩ እሞ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣቦና ህያው እዩ፥ ንስኻውን ህያው ኢኻ፥ ኣይሓድገካን እየ” በሎ። ስለዙይ ክልቲኦም ቀፀሉ።

ካብ ጉባኤ ነቢያት ሓምሳ ሰባት ከይዶም ርሕቕ ኢሎም ኣብ መንፅሮም ደው በሉ፤ ክልቲኦም ድማ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ደው በሉ። ኤልያስ ከዓ ባርኖሱ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፤ ናብ የማን ናብ ፀጋም ድማ ተመቕለ፤ ክልቲኦም ከዓ ብንቑፅ ምድሪ ተሳገሩ። ምስ ተሳገሩ ድማ ኤልያስ ንኤልሳዕ “ካባኻ ከይተወሰድኩ ከሎኹ፥ እንታይ ክገብረልካ ከም ዘለኒ ለምን” በሎ። ኤልሳዕ ከዓ “በይዛኻ ዕፅፊ ግደ መንፈስካ ኽወርስ ሃበኒ” በሎ።

ኤልያስ ድማ “ዘፀግም ነገር ለሚንካ፤ ካባኻ እናተወሰድኩ እንተ ረአኻኒ ንኣኻ ክኸውን እዩ፤ እንተ ዘይረአኻኒ ግና ኣይኸውንን እዩ” በሎ።

እናኸዱ እናተዛረቡ እንተለዉ፥ ናይ ሓዊ ሰረገላን ናይ ሓዊ ኣፍራስን መፂኡ ንክልቲኦም ፈለዮም፤ ኤልያስ ድማ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኤልሳዕ ከዓ ርእዩ “ኣቦይ፥ ኣቦይ! ሰረገላታት እስራኤልን ፈረሰኛታትን!” ኢሉ ፀርሐ። ድሕሪኡ ኸዓ ኣይረአዮን። ክዳውንቱ ሒዙ ድማ ኣብ ክልተ ቐዳዶ።

ነቲ ዝወደቐ ባርኖስ ኤልያስ ኣልዒሉ፥ ተመሊሱ ኸዓ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ። ነቲ ኻብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ወሲዱ ነቲ ማይ ወቕዖ፥ “ኣቦና፥ ኣምላኽ ኤልያስ ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቐ። ነቲ ማይ ምስ ወቕዖ ድማ ናብ የማን ናብ ፀጋም ተመቕለ፤ ኤልሳዕ ከዓ ተሳገረ።

እቶም ኣብ ኢያሪኮ ኣብ መንፅሩ ዝነበሩ ነቢያት ድማ ረአዩ እሞ “መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳዕ ዓሪፉ ኣሎ” በሉ። ንእኡ ድማ ተቐበልዎ፥ ኣብ ቅድሚኡውን ናብ ምድሪ ሰገዱ። “እንሆ፥ ኣብ ኣገልገልትኻ ሓምሳ ሓያላት ሰባት ኣለዉ፤ ከይዶም ንጐይታኻ ይድለዩ፤ ምናልባሽ መንፈስ ኣቦና ኣልዒሉ ኣብ ገለ እምባ ወይ ኣብ ገለ ለሰ ደርቢይዎ ይኸውን” በልዎ። ኤልሳዕ ግና “ኣይፋሉን፥ ኣይትስደዱ” በሎም።

ክሳዕ ዝሓፍር ድማ ኣፅበብዎ፤ “ስደድዎም” በሎም። ስለዙይ ሓምሳ ሰባት ሰደዱ፤ ንሳቶም ከዓ ሰለስተ መዓልቲ ደለይዎ፥ ግና ኣይረኸብዎን።

ናብቲ ኣብ ኢያሪኮ ዝነበረ ኤልሳዕ ምስ ተመለሱ ድማ “ከይትኸዱ ኣይነገርኩኹምንዶ?” በሎም።

ኣቦ ንማያት ኢያሪኮ የሕዊ

እቶም ሰብ እታ ኸተማ ድማ ንኤልሳዕ “እንሆ ጐይታና፥ ከምዝ ትርእዮ እዛ ኸተማ ኣብ ፅቡቕ ቦታ ኣላ፥ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፤ እታ ምድሪ ኸዓ ፍረ ኣይትህብን እያ” በልዎ።

ንሱ ኸዓ “ሓድሽ ፃሕሊ ኣምፅኡለይ፤ ጨው ከዓ ግበሩሉ” በሎም። ንእኡ ድማ ኣምፅኡሉ።

ናብቲ ዓይኒ ማይ ወፂኡ ድማ ጨው ኣብኡ ኣእተወ፥ ከምዙይ ኢሉ ኸዓ በለ፦ “ኣቦና ከምዙይ ይብል፦ ነዝ ማይ እዙይ ኣሕውየዮ ኣለኹ፤ ደጊም ሞት ኮነ ምምካን ኣየስዕብን እዩ።”

እቲ ማይ ከዓ ኸምቲ ኤልሳዕ ዝተዛረቦ ቃል ክሳዕ ሎሚ ንፁህ ኮይኑ ፀንሐ።

ኤልሳዕ ከዓ ካብኡ ናብ ቤቴል ደየበ። ብመንገዲ እናኸደ እንተሎ ድማ ናእሽቱ ኣወዳት ካብታ ኸተማ ወፂኦም “ደይብ፥ ኣታ በራሕ! ደይብ፥ ኣታ በራሕ!” እናበሉ ኣባጨዉሉ። ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ ድማ ረአዮም፥ ብስም ኣቦና ኸዓ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ዱባት ካብቲ ጫካ ወፂአን ካብቶም ኣወዳት ኣርብዓን ክልተን ቀዳደዓ። ኤልሳዕ ከዓ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ከደ፥ ካብኡ ድማ ናብ ሰማርያ ተመለሰ።