ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ እስራኤልዶ ኣቦ የለን?

ናይ እስራኤልን ይሁዳን ነዊሕ ውድቀት ናብ ምርኮ። ፍርዲ እናወደቐ እንተሃለወ እኳ፥ እዝ መፅሓፍ ነቲ ንደቁ ኽሓድግ ደንጓዪ ዝኾነ ኣቦ ደጋጊሙ ይርኢ።

ምዕራፍ 1።

ኣክኣብ ምስ ሞተ፥ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓመፀ።

ኣካዝ ድማ ኣብ ሰማርያ ኻብ ዓይኒ ርግቢ ደብሪ ቤቱ ወዲቑ ተጐድአ። ልኡኻት ድማ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “ኪዱ፥ ነቲ ኣምላኽ ኣቃሮን በዓል ዜቡብ፥ ካብዝ ሕማም እዙይ ክሓዊ እንተ ኾይነ ጠይቕዎ።”

መልኣኽ ኣቦና ግና ንኤልያስ ቴስብያዊ ከምዙይ በሎ፦ “ተሲእኻ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ክትረኽቦም ኺድ እሞ፥ ‘ኣብ እስራኤል ኣቦ ስለ ዘየለ ዲኹም ነቲ ኣምላኽ ኣቃሮን በዓል ዜቡብ ክትጥይቑ እትኸዱ?’ በሎም።

ስለዙይ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ካብቲ ዝደየብካዮ ዓራት ኣይክትወርድን ኢኻ፥ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ።’” ኤልያስ ድማ ከደ።

እቶም ልኡኻት ናብ ንጉስ ምስ ተመለሱ፥ “ስለ ምንታይ ተመሊስኩም?” በሎም።

ንሳቶም ድማ ከምዙይ ኢሎም መለሱ፦ “ሓደ ሰብኣይ ክረኽበና መፂኡ ከምዙይ በለና፦ ‘ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም ከምዙይ በልዎ፦ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ እስራኤል ኣቦ ስለ ዘየለ ዲኻ ነቲ ኣምላኽ ኣቃሮን በዓል ዜቡብ ክትሓትት ሰባት እትሰድድ? ስለዙይ ካብቲ ዝደየብካዮ ዓራት ኣይክትወርድን ኢኻ፥ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ።’”

እቲ ንጉስ ድማ “እቲ ክረኽበኩም መፂኡ እዙይ ዝበለኩም ሰብኣይ ከመይ ዝበለ እዩ?” ኢሉ ጠየቐ።

ንሳቶም ድማ “ናይ ፀጕሪ ክዳን ተኸዲኑ፥ ኣብ ሕቘኡ ኸዓ ዕጣቕ ኣዲም ተዓጢቑ ነበረ” በሉ። እቲ ንጉስ ድማ “ኤልያስ ቴስብያዊ እዩ” በለ።

እቲ ንጉስ ድማ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳ ሰቡ ናብ ኤልያስ ለኣኸ። እቲ ሓለቓ ድማ ኣብ ርእሲ ዀረብታ ተቐሚጡ እንተሎ ናብኡ ደየበ፤ “ሰብ ኣቦና፥ ንጉስ ‘ውረድ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ።

ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነ ሰብ ኣቦና እንተ ኾይነ፥ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ንዓኻን ነቶም ሓምሳ ሰብካን ይብልዓኩም።” ካብ ሰማይ ድማ ሓዊ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳ ሰቡን በልዖም።

እቲ ንጉስ ድማ ካልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳ ሰቡ መሊሱ ለኣኸ፤ ንሱ ኸዓ “ሰብ ኣቦና፥ ንጉስ ‘ቀልጢፍካ ውረድ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ።

ኤልያስ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣነ ሰብ ኣቦና እንተ ኾይነ፥ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ንዓኻን ነቶም ሓምሳ ሰብካን ይብልዓኩም።” ካብ ሰማይ ድማ ሓዊ ኣቦና ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳ ሰቡን በልዖም።

እቲ ንጉስ ድማ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳ ሰቡ ለኣኸ። እዙይ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ድማ ደይቡ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ተንበርኪኹ፥ ከምዙይ ኢሉ ለመኖ፦ “ሰብ ኣቦና፥ በጃኻ ህይወተይ፥ ህይወት እዞም ሓምሳ ኣገልገልትኻ ድማ፥ ኣብ ቅድሜኻ ይክበር። ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ነቶም ክልተ ቐዳሞት ኣሕሉቕ ምስ ሓምሳታቶም በልዖም። ሕዚ ድማ ህይወተይ ኣብ ቅድሜኻ ይክበር።”

መልኣኽ ኣቦና ድማ ንኤልያስ “ምስኡ ውረድ፤ ኣይትፍርሆ” በሎ። ኤልያስ ከዓ ምስኡ ናብ ንጉስ ወረደ።

ነቲ ንጉስ ድማ ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቲ ኣምላኽ ኣቃሮን በዓል ዜቡብ ክትሓትት ልኡኻት ሰደድካ፤ ኣብ እስራኤል ቃሉ እትሓተሉ ኣቦ ስለ ዘየለ ዲኻ? ስለዙይ ካብቲ ዝደየብካዮ ዓራት ኣይክትወርድን ኢኻ፥ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ።”

ኣካዝ ከዓ ከምቲ ኣቦና ብኤልያስ ዝተዛረቦ ቃል ሞተ። ኣካዝ ወዲ ስለ ዘይነበሮ፥ ኣብ መበል ክልተ ዓመት ኢዮራም ወዲ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ፥ ኢዮራም ተኪኡ ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣካዝ ነገርን እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?