ቃል ኣቦና ኣብ ልዕሊ ኢዮርብዓም
ኢዮርብዓም ብዛዕባ ሕሙም ወዱ ኽትሓትት መልክዓ ለዊጣ ንሰበይቱ ሰደዳ፤ እቲ ዕዉር ኣኪያ ግና ብኣቦና ተጠንቂቑ ኣብ ኣፍ ደገ ብስማ ፀውዓ፥ ናብ ገዛ ምስ በፅሐት እቲ ቆልዓ ኸም ዝመውት፥ እታ ቤት ከዓ ኸም እትጠፍእ መለሰ። ኣብ ይሁዳ ድማ ሺሻቅ ንሮብዓም ወርቂ ቤተ መቕደስ መንዝዖ።
14 1በቲ እዋን እቲ ኣብያ ወዲ ኢዮርብዓም ሓመመ። 2ኢዮርብዓም ድማ ንሰበይቱ ከምዙይ በላ፦ “ተልዒልኪ፥ ሰበይቲ ኢዮርብዓም ምዃንኪ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይፈልጥ፥ መልክዕኪ ለዊጥኪ ናብ ሺሎ ኪዲ። እቲ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዝነግስ ዝነገረኒ ነቢይ ኣኪያ ኣብኡ ኣሎ። 3ዓሰርተ እንጀራን ገሊኡ ቕጫን ሓደ ዕትሮ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኪዲ። ንሱ ነቲ ቆልዓ እንታይ ከም ዝኸውን ክነግረኪ እዩ።”
4ሰበይቲ ኢዮርብዓም ድማ ከምኡ ገበረት፤ ናብ ሺሎ ናብ ቤት ኣኪያ ድማ ከደት። ኣኪያ ኸዓ ኣዒንቱ ኻብ እርጋን ዝተልዓለ ፈዚዘን ነበራ እሞ፥ ክርኢ ኣይከኣለን።
5ኣቦና ግና ንኣኪያ ከምዙይ ኢሉዎ ነበረ፦ “እንሆ ሰበይቲ ኢዮርብዓም ብዛዕባ ሕሙም ወዳ ኽትሓትት ትመፅእ ኣላ። ከምዙይ በላ፤ ንሳ ምስ መፀት፥ ከም ካልእ ሰበይቲ መሲላ ክትከውን እያ።”
6ኣኪያ ድማ ድምፂ ኣእጋራ ኣብ ኣፍ ደገ ምስ ሰምዐ፥ ከምዙይ በላ፦ “ኣቲ ሰበይቲ ኢዮርብዓም እተዊ። ስለምንታይ ከም ካልእ ሰብ ክትመስሊ? ብርቱዕ ዜና ተልኢኸልኪ ኣለኹ።
7ኪዲ እሞ ንኢዮርብዓም ከምዙይ በልዮ፦ ‘ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ኻብ ማእኸል ህዝቢ ኣልዒለ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ገበርኩኻ። 8ነታ መንግስቲ ኻብ ቤት ዳዊት ቐዲደ ንኣኻ ሃብኩኻ። ንስኻ ግና ትእዛዛተይ ዝሓለወ፥ ብምሉእ ልቡ ንዓይ ዝሰዓበ፥ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝኾነ ጥራሕ ዝገበረ ኸም ባርያይ ዳዊት ኣይኮንካን። 9ካብ ኵሎም ቅድሜኻ ዝነበሩ ንላዕሊ ኽፉእ ገበርካ፤ ከይድካ ኸዓ ንኣይ ከተቘጥዓኒ፥ ካልኦት ኣማልኽትን ዝተቐልፁ ምስልታትን ገበርካ፤ ንኣይ ድማ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርበኻኒ። 10ስለዙይ ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዮርብዓም መዓት ከምፅእ እየ፤ ካብ ኢዮርብዓም ድማ ኣብ እስራኤል ዘሎ ኵሉ ተባዕታይ፥ ባርያ ይኹን ናፃ፥ ከጥፍእ እየ፤ ከምቲ ሰብ ፈርሲ ክሳዕ ዝውዳእ ዘቃፅል ድማ ንቤት ኢዮርብዓም ከቃፅላ እየ። 11ካብ ኢዮርብዓም እቶም ኣብ ውሽጢ ኸተማ ዝሞቱ ኣኽላባት ክበልዕዎም እዮም፤ እቶም ኣብ በረኻ ዝሞቱ ድማ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦም እየን። ኣቦና ተዛሪቡ እዩ እሞ።”’
12ተልዒልኪ ናብ ቤትኪ ኪዲ። ኣእጋርኪ ናብ ከተማ ምስ ኣተዋ፥ እቲ ቆልዓ ክመውት እዩ። 13ኵሎም እስራኤል ድማ ክበኽዩሉን ክቐብርዎን እዮም፤ ካብ ቤት ኢዮርብዓም ንሱ ጥራሕ ናብ መቓብር ክበፅሕ እዩ፤ ኣብ ቤት ኢዮርብዓም ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ፅቡቕ ነገር ረኺቡ እዩ እሞ። 14ኣቦና ድማ ንቤት ኢዮርብዓም ዘጥፍእ ንጉስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንርእሱ ኼተንስእ እዩ፤ በዛ መዓልቲ እዚኣ፥ እወ ሕዚ ድማ። 15ኣቦና ድማ ንእስራኤል ከም ኣብ ማይ ዝወዛወዝ ሻምብቆ ክሳዕ ዝወዛወዝ ክወቕዖ እዩ፤ ካብዛ ነቦታቶም ዝሃቦም ፅብቕቲ ምድሪ ነቒልዎም ኣብ ስግር ኤፍራጥስ ፋሕ ከብሎም እዩ፤ መምለኺ ዓፀድ ገይሮም ስለ ዘቘጥዕዎ እዩ እሞ። 16ነቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮን ንእስራኤል ዘስሓቶን ሓጢኣት ኢሉ፥ ንእስራኤል ኣሕሊፉ ክህቦም እዩ።”
17ሰበይቲ ኢዮርብዓም ድማ ተሲኣ ኸደት፤ ናብ ቴርሳ ኸዓ መፀት። ናብ ድርኵዂት እታ ቤት ምስ በፅሐት፥ እቲ ቆልዓ ሞተ። 18ኵሎም እስራኤል ድማ ቐቢሮም በኸዩሉ፤ ከምቲ ኣቦና ብባርያኡ ነቢይ ኣኪያ ዝተዛረቦ።
19እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ነገር፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝተዋግአን ከም ዝነገሰን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ። 20ኢዮርብዓም ድማ ንዕስራን ክልተን ዓመት ገዝአ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ደቀሰ። ኣብ ክንዲኡ ድማ ወዱ ናዳብ ነገሰ።
ሮብዓም ኣብ ይሁዳ ነገሰ
21ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ንጉስ ኪኸውን እንተሎ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብታ ኣቦና ስሙ ኣብኣ ምእንቲ ኼንብር ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኸተማ፥ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸዓ ናዕማ ነበረ፤ ንሳ ኣሞናዊት ነበረት። 22ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበሩ፤ ብዝገበርዎ ሓጢኣት ከዓ ካብ ኵሎም ኣቦታቶም ንላዕሊ ኣቕንእዎ። 23ንሳቶም ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነዊሕ ኰረብታ፥ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ልምሉም ኦም ከዓ፥ ንባዕላቶም ሰፈራት ኣምልኾ፥ ዓምድታት ሓወልቲ፥ መምለኺ ዓፀድ ሰርሑ። 24ኣብታ ሃገር ድማ ሰዶማውያን እውን ነበሩ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ከምቲ ኣቦና ኻብ ቅድሚ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝገብርዎ ዅሉ ፅዩፍ ነገር ገበሩ።
25ኣብ መበል ሓሙሽተ ዓመቱ ንጉስ ሮብዓም፥ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። 26ነቲ መዝገብ ቤት ኣቦናን ነቲ መዝገብ ቤተ መንግስትን ወሰዶ፤ ኵሉ ወሰደ፤ ሰሎሞን ዝሰርሖ ኵሉ ዋልታታት ወርቂውን ወሰደ። 27ስለዙይ ንጉስ ሮብዓም ክንድኡ ዝኾኑ ዋልታታት ነሃስ ሰርሐ፤ ኣብ ኢድ እቶም በሪ ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ድማ ኣረከቦም። 28እቲ ንጉስ ናብ ቤት ኣቦና ብዝኣተወሉ ቝፅሪ፥ እቶም ሓለውቲ ነቲ ዋልታታት የልዕልዎ ነበሩ፤ ድሕሪኡ ኸዓ ናብ ክፍሊ ሓለውቲ ይመልስዎ ነበሩ።
29እቲ ዝተረፈ ናይ ሮብዓም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 30ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ድማ ዅሉ ሳዕ ውግእ ነበረ። 31ሮብዓም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስኣቶም ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። ስም ኣዲኡ ኸዓ ናዕማ ነበረ፤ ንሳ ኣሞናዊት ነበረት። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣብያም ነገሰ።