ኣቦ ንመሰውኢ ኢዮርብዓም ይዅንን
ሓደ ነቢይ ካብ ይሁዳ ብቓል ኣቦና ንመሰውኢ ኢዮርብዓም ሰንጠቖ፥ ኢድ እቲ ንጉስ ድማ ነቐፀት፥ ኣብኡ ዋላ ሓንቲ ኸይበልዕ ተኣዚዙ ስለ ዝነበረ ድማ ንመኣዲ እቲ ንጉስ ኣበዮ። ሓደ ኣረጊት ነቢይ ግና ሓሰወሉ፥ ንሱ ኸዓ በልዐ፥ ኣብ መንገዲ ገዝኡ ድማ ኣንበሳ ቐተሎ።
13 1ሓደ ሰብ ኣቦና ኸዓ ብቓል ኣቦና ካብ ይሁዳ ናብ ቤቴል መፀ፤ ኢዮርብዓም ድማ ዕጣን ከዕፅን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ ነበረ።
2ብቓል ኣቦና ድማ ነቲ መሰውኢ ፀርሐሉ፦ “ኦ መሰውኢ፥ መሰውኢ፥ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንቤት ዳዊት ኢዮስያስ ዝስሙ ወዲ ክውለደላ እዩ፤ ነቶም ኣባኻ ዕጣን ዘዕፅኑ ካህናት በረኽቲ ኣብ ልዕሌኻ ክስውኦም እዩ፤ ኣዕፅምቲ ሰብውን ኣብ ልዕሌኻ ክቃፀል እዩ።”
3በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ምልክት ሃበ፦ “እዝ ኣቦና ዝተዛረቦ ምልክት እዙይ እዩ፦ እንሆ፥ እቲ መሰውኢ ክሰንጠቕ፥ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ክፈስስ እዩ።”
4ንጉስ ኢዮርብዓም ድማ ነቲ ሰብ ኣቦና ኣብ ቤቴል ነቲ መሰውኢ ክፀርሐሉ ምስ ሰምዐ፥ “ሓዝዎ!” እናበለ ኢዱ ኻብቲ መሰውኢ ዘርግሐ። እታ ናብኡ ዘርጊሕዋ ኢዱ ግና ነቐፀት፤ ናብኡ ኽመልሳ ድማ ኣይከኣለን። 5እቲ መሰውኢ ኸዓ ተሰንጠቐ፤ እቲ ሓሙዅሽቲ ድማ ካብቲ መሰውኢ ፈሰሰ፤ ከምቲ ሰብ ኣቦና ብቓል ኣቦና ዝሃቦ ምልክት እዩ። 6ንጉስ ድማ ነቲ ሰብ ኣቦና “ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምን፤ ኢደይ ምእንቲ ኽትምለሰለይ ድማ ፀልየለይ” በሎ። ንሱ ኸዓ ናብ ኣቦና ለመነ፤ ኢድ ንጉስ ድማ ከም ቀደማ ተመለሰት።
7ንጉስ ድማ ነቲ ሰብ ኣቦና “ምሳይ ናብ ገዛ ንዓ፤ ተመገብ፤ ህያብውን ክህበካ እየ” በሎ።
8እቲ ሰብ ኣቦና ድማ ነቲ ንጉስ ከምዙይ በሎ፦ “ፍርቂ ቤትካ እኳ እንተ ሃብካኒ፥ ምሳኻ ኣይከይድን፤ ኣብዝ ቦታ እዙይ እንጀራ ኣይበልዕን፥ ማይውን ኣይሰትን።
9ብቓል ኣቦና ኸምዙይ ተኣዚዘ ኣለኹ እሞ፦ ‘እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይ ኣይትስተ፤ በቲ ዝመፃእካሉ መንገዲ ኸዓ ኣይትመለስ።’”
10ስለዙይ በኻልእ መንገዲ ኸደ፤ በቲ ናብ ቤቴል ዝመፀሉ መንገዲ ኸዓ ኣይተመለሰን።
11ኣብ ቤቴል ድማ ሓደ ኣረጊት ነብዪ ይነብር ነበረ። ደቁ ኸዓ መፂኦም ነቲ ሰብ ኣቦና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቤቴል ዝገበሮ ዅሉ ነገርዎ። ነቲ ንጉስ ዝተዛረቦ ቓላት ድማ ነቦኦም ነገርዎ።
12ኣቦኦም ድማ “በየናይ መንገዲ ኸደ?” ኢሉ ጠየቖም። ደቁ ኸዓ ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ሰብ ኣቦና ዝኸዶ መንገዲ ኣርኣይዎ። 13ንደቁ ድማ “ኣድጊ ፀዐኑለይ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ነቲ ኣድጊ ፀዒኖምሉ፥ ኣብኡ ተቐመጠ። 14ነቲ ሰብ ኣቦና ድማ ሰዓቦ፤ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓብዪ ኦም ተቐሚጡ ረኸቦ፤ “እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፃእኻ ሰብ ኣቦና ንስኻዶ ኢኻ?” ኢሉ ድማ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እወ ኣነ እየ” በሎ።
15ሽዑ “ምሳይ ናብ ገዛ ንዓ፤ እንጀራ ኸዓ ብላዕ” በሎ።
16ንሱ ግና ከምዙይ በለ፦ “ምሳኻ ኽምለስ ወይ ምሳኻ ኽኣቱ ኣይክእልን፤ ኣብዝ ቦታ እዙይ ምሳኻ እንጀራ ኣይበልዕን፥ ማይውን ኣይሰትን። 17ኣቦና በቲ ቓሉ ከምዙይ ኢሉኒ እዩ እሞ፦ ‘ኣብኡ እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይ ኣይትስተ፤ በቲ ዝመፃእካሉ መንገዲ ተመሊስካ ኣይትኺድ።’”
18ንሱ ድማ “ኣነውን ከማኻ ነብዪ እየ፤ ሓደ መልኣኽ ከዓ ብቓል እግዚኣብሄር ‘ንእኡ ናብ ገዛኻ ምለሶ፥ እንጀራ ኽበልዕን ማይ ኽሰትን’ ኢሉኒ እዩ” በሎ። ንእኡ ግና ሓሰወሉ።
19ስለዙይ እቲ ሰብ ኣቦና ምስኡ ተመሊሱ፥ ኣብ ገዛኡ እንጀራ በልዐ፥ ማይውን ሰተየ። 20ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ኸዓ፥ ናብቲ ዝመለሶ ነብዪ ቓል ኣቦና መፀ።
21ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ሰብ ኣቦና ድማ ፀውዐ፦ “ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቲ ቓሉ ስለ ዝዓመፅካን ነቲ ኣቦኻ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ስለ ዝሸለልካን፥ 22ተመሊስካ ግና ኣብቲ ‘እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይ ኣይትስተ’ ዝበለካ ቦታ እንጀራ በሊዕኻ ማይውን ሰቲኻ ኢኻ እሞ፥ ሬሳኻ ናብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይበፅሕን እዩ።”
23እቲ ሰብ ኣቦና በሊዑን ሰቲዩን ምስ ወድአ ድማ፥ እቲ ኣረጊት ነብዪ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ኣድጊ ፀዐነሉ። 24ንሱ መንገዱ ኸይዱ እንተሎ ድማ፥ ኣብ መንገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። ሬሳኡ ኸዓ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ነበረ፤ እቲ ኣድጊ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፥ እቲ ኣንበሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ነበረ። 25ሓለፍቲ መንገዲ ድማ ነቲ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ዘሎ ሬሳ፥ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ ዘሎ ኣንበሳ ድማ ረአዩ፤ መፂኦም ከዓ ኣብታ እቲ ኣረጊት ነብዪ ዝነብረላ ኸተማ ነገሩ። 26እቲ ኻብ መንገዲ ዝመለሶ ነብዪ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ ከምዙይ በለ፦ “እዙይ እቲ ንቓል ኣቦና ዝዓመፀ ሰብ ኣቦና እዩ፤ ስለዙይ ከምቲ ዝበሎ ነቲ ኣንበሳ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ንሱ ድማ ሰቢሩ ቐተሎ።” 27ሽዑ ንደቁ “ኣድጊ ፀዐኑለይ” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ፀዐኑ። 28ከይዱ ድማ ነቲ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ዘሎ ሬሳ፥ እቲ ኣድግን ኣንበሳን ከዓ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ረኸበ፤ እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፥ ነቲ ኣድጊ ድማ ኣይሰበሮን። 29እቲ ነብዪ ድማ ሬሳ እቲ ሰብ ኣቦና ኣልዒሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣድጊ ፀዐኖ፤ መሊሱ ኣምፅኦ፤ ክሓዝነሉን ክቐብሮን ድማ ናብታ ኸተማ መፀ። 30ነቲ ሬሳ ድማ ኣብ መቓብሩ ኣንበሮ፤ “ወይለይ ሓወይ!” እናበሉ ኸዓ ሓዘኑ።
31ምስ ቀበሮ ድማ ንደቁ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣነ ምስ ሞትኩ፥ ኣብቲ ሰብ ኣቦና ዝተቐብረሉ መቓብር ቅበሩኒ፤ ኣዕፅምተይ ድማ ኣብ ጥቓ ኣዕፅምቲ ናቱ ኣንብርወን። 32እቲ ብቓል ኣቦና ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ቤቴልን ኣብ ልዕሊ ኵለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝርከባ ቤት በረኽትን ዝፀርሖ ቓል፥ ብርግፅ ክፍፀም እዩ እሞ።”
33ድሕሪ እዙይ ድማ ኢዮርብዓም ካብ ክፉእ መንገዱ ኣይተመለሰን፤ መሊሱ ኸዓ ካብ ኵሉ ህዝቢ ካህናት በረኽቲ ገበረ፤ ዝደለየ ዘበለ ቐደሶ፥ ካህናት በረኽቲ ድማ ኾኑ። 34እዝ ነገር እዙይ ድማ ንቤት ኢዮርብዓም፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኽትጸንትን ክትጠፍእን፥ ሓጢኣት ኮነ።