ዝተመቕለ ልቢ ኣብያ ኣብ ይሁዳ
ኣብያ ሓጢኣት ኣቦኡ ደገመ፥ ኢየሩሳሌም ግና ምእንቲ ዳዊት ፀንዐት። ኣሳ ልቢ ኣቦና ደለየ፥ ነቲ ናይ ዓባዩ ፅዩፍ ምስሊ ኣስታሮት ኣቃፀሎ፥ ሓገዝ ኣራም ግና ብብሩር ቤተ መቕደስ ዓደገ። ኣብ እስራኤል ድማ ባኦስ ንናዳብ ቐቲሉ ንዘርኢ ኢዮርብዓም ኣጥፍኦ።
15 1ኣብ መበል ዓሰርተን ሸሞንተን ዓመት ንጉስ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ኣብያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። 2ሰለስተ ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገዝአ። ስም እኖኡ ኸዓ መዓካ ጓል ኣቤሴሎም ነበረት። 3ኵሉ እቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ደገመ፤ ልቡ ድማ ከምቲ ናይ ኣቦሓጎኡ ዳዊት ልቢ፥ ምሉእ ብምሉእ ናብ ኣቦና ኣይነበረን። 4ይኹን እምበር ኣቦና ምእንቲ ዳዊት ኢሉ፥ ድሕሪኡ ወዱ ብምትሳእን ንኢየሩሳሌም ብምቛምን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም መብራህቲ ሃቦ። 5ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቅኑዕ ገበረ፤ ብዘሎ ዘመን ህይወቱ ኸዓ፥ ብዘይ ናይ ኦርዮ ሔታዊ ነገር ጥራሕ፥ ካብቲ ዝኣዘዞ ዅሉ ኣይዘንበለን። 6ብዅሉ ዘመን ህይወቶም ድማ ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ውግእ ነበረ። 7እቲ ዝተረፈ ናይ ኣብያ ነገርን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መንጎ ኣብያን ኢዮርብዓምን ድማ ውግእ ነበረ። 8ኣብያ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሳ ነገሰ።
ኣሳ ንልቢ ኣቦ ይደሊ
9ኣብ መበል ዕስራ ዓመት ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል፥ ኣሳ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። 10ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገዝአ። ስም ዓባዩ ኸዓ መዓካ ጓል ኣቤሴሎም ነበረት። 11ኣሳ ኸም ኣቦሓጎኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቅኑዕ ገበረ። 12ነቶም ሰዶማውያን ካብ ሃገር ኣባረሮም፤ ነቶም ኣቦታቱ ዝገበርዎ ኵሎም ጣዖታት ድማ ኣርሓቐ። 13ነታ ዓባዩ መዓካ ድማ፥ ንኣስታሮት ፅዩፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት፥ ካብ መዓርግ ንግስቲ ኣውረዳ። ኣሳ ኸዓ ነቲ ምስላ ቘሪፁ ኣብ ሩባ ቄድሮን ኣቃፀሎ። 14እቲ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ ግና ተሪፉ ነበረ፤ ልቢ ኣሳ ኸዓ ብዅሉ ዘመኑ ምሉእ ብምሉእ ናብ ኣቦና ነበረ። 15ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶ ቅዱስ ነገርን ባዕሉ ዝቐደሶ መባእን፥ ብሩርን ወርቅን ቅዱሳት ኣቑሑን ናብ ቤት ኣቦና ኣእተወ።
16ብዅሉ መዓልቲታቶም ድማ ኣብ መንጎ ኣሳን ባኦስ ንጉስ እስራኤልን ውግእ ነበረ። 17ባኦስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብ ይሁዳ ወፈረ፤ ሓደ እኳ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኸይኣቱ ወይ ካብኡ ኸይወፅእ፥ ንራማ ዓረዳ። 18ሽዑ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት ኣቦናን ኣብ መዛግብቲ ቤተ መንግስትን ዝተረፈ ዅሉ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ናብ ኣገልገልቱ ሃቦ። ንጉስ ኣሳ ኸዓ ናብ ወልደ ኣዴር ወዲ ጠብሪሞን ወዲ ሔዝዮን፥ ኣብ ደማስቆ ዝነግስ ዝነበረ ንጉስ ሶርያ፥ ከምዙይ ኢሉ ለኣኾ፦ 19“ከምቲ ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ዝነበረ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኪዳን ይኹን። እንሆ፥ ብሩርን ወርቅን ሽልማት ገይረ ልኢኸልካ ኣለኹ። ኪድ፥ ነቲ ምስ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ዘሎ ኪዳንካ ኣፍርሶ፤ ካባይ ድማ ምእንቲ ኽግለስ።”
20ወልደ ኣዴር ድማ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ፥ ኣሕሉቕ ሰራዊቱ ናብ ከተማታት እስራኤል ለኣኸ። ንኢዮንን ዳንን ኣቤል ቤት መዓካን ብዘላ ኪኔሬትን ብዘላ ሃገር ንፍታሌምን ድማ ሰዓሮም። 21ባኦስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንራማ ምዕራድ ኣቋረፀ፤ ኣብ ቴርሳ ኸዓ ተቐመጠ። 22ንጉስ ኣሳ ድማ ንብዘሎ ይሁዳ ኣወጀ፤ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ነቲ ባኦስ ራማ ዝሃነፀሉ ኣእማንን ኣእዋምን ድማ ኣልዒሎም ወሰዱ። ብእኡ ኸዓ ኣሳ ንጌባ ዘብንያምን ንሚስጳን ሃነፀ። 23እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሳ ነገርን፥ ኵሉ ጅግንነቱን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ እተን ዝሰርሐን ከተማታትን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ብግዜ እርጋኑ ግና ኣብ ኣእጋሩ ሓመመ። 24ኣሳ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮሳፍጥ ነገሰ።
ክፉእ ንግስና ናዳብ ኣብ እስራኤል
25ናዳብ ወዲ ኢዮርብዓም፥ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝነገሰሉ ኻልኣይ ዓመት፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ ክልተ ዓመት ገዝአ። 26ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ፤ ብመንገዲ ኣቦኡን በቲ ንእስራኤል ዘስሓቶ ሓጢኣትን ከደ። 27ባኦስ ወዲ ኣኪያ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር ዝኾነ፥ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ተመሳጠረ፤ ናዳብን ኵሎም እስራኤልን ንገባቶን ከቢቦምዋ እንተለዉ፥ ባኦስ ኣብታ ናይ ፍልስጥኤማውያን ከተማ ገባቶን ቀተሎ። 28ባኦስ ድማ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝነገሰሉ ሳልሳይ ዓመት ቀተሎ፤ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ። 29ምስ ነገሰ ኸዓ ንብዘላ ቤት ኢዮርብዓም ወቕዓ፤ ከምቲ ኣቦና ብባርያኡ ብነቢይ ኣኪያ በዓል ሴሎ ዝተዛረቦ፥ ክሳዕ ዘጥፍኦም ኵሎም፥ ንኢዮርብዓም እስትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ኣይገደፈሉን። 30ምእንቲ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮን ንእስራኤል ከዓ ዘሕጥኦን ሓጢኣት፥ ንኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ኣቘጥዖ።
31እቲ ዝተረፈ ናይ ናዳብ ነገርን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 32ብዅሉ መዓልቲታቶም ድማ ኣብ መንጎ ኣሳን ባኦስ ንጉስ እስራኤልን ውግእ ነበረ።
ባኦስ ኣብ እስራኤል ይነግስ
33ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ባኦስ ወዲ ኣኪያ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ኣብ ቴርሳ ነገሰ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ድማ ገዝአ። 34ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ፤ ብመንገዲ ኢዮርብዓምን በቲ ንእስራኤል ዘስሓቶ ሓጢኣትን ከደ።