ካብ ተፈር ኣልዓልኩኻ
ሓሙሽተ ንግስና ኣብ ሓደ ደማዊ እዋን፦ ኤላ ሰኺሩ እንተሎ ብዚምሪ ተቐትለ፥ ዚምሪ ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ነቲ ቤተ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣቃፀሎ፥ ዘንበሪ ድማ ንታምኒ ሓሊፉ ኸረን ሰማርያ ዓደገ። ሽዑ ኣክኣብ ንኤልዛቤል ኣእተወ፥ ንበዓል ቤት መቕደስ ሰርሐ፥ ካብ ኵሎም ቅድሚኡ ዝነበሩ ንላዕሊ ኸዓ ንኣቦና ኣቘጥዖ።
16 1ሽዑ ቃል ኣቦና ናብ ኢዩ ወዲ ሃናኒ ኣንፃር ባኦስ ከምዙይ ኢሉ መፀ፦
2“ካብ ተፈር ኣልዓልኩኻ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ድማ ገዛኢ ገበርኩኻ፤ ንስኻ ግና ብመንገዲ ኢዮርብዓም ተመላሊስካ ንህዝበይ እስራኤል ኣስሓትካዮም፥ ብሓጢኣቶም ከዓ ኣቘጥዕካኒ። 3እንሆ፥ ንባኦስን ንቤቱን ከጥፍኦም እየ፤ ንቤትካ ድማ ከም ቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ክገብራ እየ። 4ካብ ባኦስ ኣብ ከተማ ንዝሞተ ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፥ ካብ ናቱ ኣብ ሜዳ ንዝሞተ ድማ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን።”
5እቲ ዝተረፈ ናይ ባኦስ ታሪኽን፥ ዝገበሮን ጅግንነቱን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 6ባኦስ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፤ ኣብ ቴርሳ ድማ ተቐበረ፤ ወዱ ኤላ ኸዓ ኣብ ክንድኡ ነገሰ።
7ቃል ኣቦናውን ብነቢይ ኢዩ ወዲ ሃናኒ ኣቢሉ ኣንፃር ባኦስን ቤቱን መፀ፤ እዙይ ከዓ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዝገበሮ ኵሉ ክፉእ፥ ብግብሪ ኣእዳዉ ስለ ዘቘጥዖ፥ ከም ቤት ኢዮርብዓም ስለ ዝኾነ፥ ከምኡውን ንቤት ኢዮርብዓም ስለ ዝቐተላ እዩ።
ኤላ ኣብ እስራኤል ነጊሱ ወደቐ
8ኣብ መበል ዕስራን ሽዱሽተን ዓመቱ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ፥ ኤላ ወዲ ባኦስ ኣብ ቴርሳ ኣብ እስራኤል ነገሰ፤ ክልተ ዓመትውን ነገሰ። 9ኤላ ኣብ ቴርሳ፥ ኣብ ቤት እቲ ኣብ ቴርሳ ኣዛዚ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ኣርሳ፥ ሰትዩ ሰኺሩ እንተሎ፥ ኣገልጋሊኡ ዚምሪ፥ ኣዛዚ ፍርቂ ሰረገላኡ፥ ተመሓሓለሉ። 10ዚምሪ ኣትዩ ወቒዑ ቐተሎ፤ እዙይ ከዓ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ነበረ፤ ኣብ ክንድኡ ድማ ነገሰ።
11ንጉስ ኮይኑ ኣብ ዙፋኑ ምስ ተቐመጠ፥ ንብዘሎ ቤት ባኦስ ወቒዑ ቐተሎ፤ ካብ ዘመዱን ፈተውቱን ሓደ ተባዕታይ እኳ ኣይሓደገን። 12ዚምሪ ድማ፥ ነቲ ኣቦና ብነቢይ ኢዩ ኣቢሉ ኣንፃር ባኦስ ዝተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም፥ ንብዘላ ቤት ባኦስ ኣጥፍአ፤ 13ብሰንኪ ኵሉ ሓጢኣት ባኦስን ሓጢኣት ወዱ ኤላን፥ እቲ ዝገበርዎን ንእስራኤል ዘስሓትዎን፥ ብኸንቱ ጣዖታቶም ከዓ ንኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ኣቘጥዕዎ። 14እቲ ዝተረፈ ናይ ኤላ ታሪኽን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
ዚምሪ ኣብ እስራኤል ሸውዓተ መዓልቲ ነገሰ
15ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ፥ ዚምሪ ኣብ ቴርሳ ሸውዓተ መዓልቲ ነገሰ። እቲ ሰራዊት ድማ ኣብ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዘሎ ገባቶን ሰፊሩ ነበረ። 16እቲ ኣብኡ ሰፊሩ ዝነበረ ህዝቢ፥ ዚምሪ ኸም ዝተማሓሓለን ንንጉስ ከም ዝቐተሎን ምስ ሰምዐ፥ ኵሉ እስራኤል በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ንዖምሪ ኣዛዚ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገስዎ። 17ዖምሪን ብዘለዉ እስራኤልን ከዓ ካብ ገባቶን ደዪቦም ንቴርሳ ኸበብዋ። 18ዚምሪ እታ ኸተማ ኸም ዝተታሕዘት ምስ ረአየ፥ ናብ ግምቢ ቤተ መንግስቲ ኣተወ፤ ነቲ ቤተ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣቃፀሎ እሞ ሞተ፤ 19ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ብምግባሩ፥ ብመንገዲ ኢዮርብዓምን ነቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ሓጢኣቱን ብምኻዱ እዩ። 20እቲ ዝተረፈ ናይ ዚምሪ ታሪኽን፥ እቲ ዝገበሮ ክድዓትን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ
21ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ተኸፍለ፤ ፍርቂ ህዝቢ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ኬንግስዎ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፥ ፍርቂ ድማ ደድሕሪ ዖምሪ ሰዓቡ። 22እቶም ደድሕሪ ዖምሪ ዝሰዓቡ ድማ ነቶም ደድሕሪ ቲብኒ ወዲ ጊናት ዝሰዓቡ ሰዓርዎም፤ ስለዙይ ቲብኒ ሞተ፤ ዖምሪ ኸዓ ነገሰ። 23ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ፥ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዓመትውን ነገሰ፤ ካብኡ ኣብ ቴርሳ ሽዱሽተ ዓመት። 24ንኰረብታ ሰማርያ ካብ ሳሜር ብኣስታት ሚእትን ሓምሳን ፓውንድ ብሩር ዓደጎ፤ ኣብኡ ኸዓ ኸተማ ሰርሐ፤ ነታ ዝሰርሓ ኸተማ ድማ ብስም ሳሜር፥ በዓል እቲ ኰረብታ፥ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ። 25ዖምሪ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ፤ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኸዓ ገደደ። 26ብኵሉ መንገዲ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ነቲ ንእስራኤል ዘስሓቶ ሓጢኣት ኢዮርብዓምን ከደ፤ ብኸንቱ ጣዖታቶም ከዓ ንኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ኣቘጥዖ። 27እቲ ዝተረፈ ናይ ዖምሪ ታሪኽን፥ ዝገበሮን ዘርኣዮ ጅግንነቱን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 28ዖምሪ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፤ ኣብ ሰማርያ ድማ ተቐበረ፤ ወዱ ኣክኣብ ከዓ ኣብ ክንድኡ ነገሰ።
ኣክኣብ ነጊሱ ንኤልዛቤል ተመርዓወ
29ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣክኣብ ወዲ ዖምሪ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፤ ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ድማ ዕስራን ክልተን ዓመት ነገሰ። 30ኣክኣብ ወዲ ዖምሪ ኣብ ቅድሚ ኣቦና፥ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ንላዕሊ ክፉእ ገበረ። 31ብመንገዲ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ምኻድ ንእሽተይ ነገር ከም ዝኾነ ገይሩ፥ ንኤልዛቤል ጓል ኤትበኣል ንጉስ ሲዶናውያን ኣእተዋ፤ ከይዱ ድማ ንበዓል ኣገልገለ፥ ሰገደሉ ኸዓ። 32ኣብ ሰማርያ ኣብ ዝሰርሖ ቤት በዓል ድማ ንበዓል መሰውኢ ኣቘመሉ። 33ኣክኣብ ከዓ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ፤ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ንላዕሊ ድማ ንኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ኣቘጥዖ። 34ብዘመኑ ድማ ሂኤል በዓል ቤትኤል ንኢያሪኮ ሰርሓ፤ ከምቲ ኣቦና ብኢያሱ ወዲ ነዌ ኣቢሉ ዝተዛረቦ ቓል፥ መሰረት እንትንፅፍ በዅሪ ወዱ ኣቤሮን ሞተ፥ ደገታታ እንትቕውም ከዓ እቲ ንእሽተይ ወዱ ሴጉብ ሞተ።