ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እታ ሓምሻይቲ መለኸት ትንፋሕ

እቲ መዓሙቕ ጕድጓድ ይኽፈት፥ ገፅ ሰብ ዘለዎም ኣንበጣ ድማ ነቶም ማሕተም ኣቦና ዘይብሎም ንሓሙሽተ ወርሒ የሳቕይዎም፤ ሰባት ሞት ይደልዩ፥ ክሞቱ ግና ኣይኽእሉን። ደሓር ክልተ ሚእቲ ሚልዮን ፈረሰኛታት ንሲሶ ሰብ ይቐትሉ። እቶም ዝተረፉ ንጣዖታቶምን ቅትለቶምን ስርቆምን ይሕዙ። ኣብዚ ንንስሃ ዘምፅእ ሓደኳ የለን።

ምዕራፍ 9።

እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ነፍሐ፤ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝወደቐ ኮኸብ ከዓ ረአኹ፤ መፍትሕ ዔላ እቲ መዓሙቕ ጕድጓድ ድማ ተውሃቦ። ነቲ ዔላ እቲ መዓሙቕ ጕድጓድ ከፈቶ፤ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ድማ ትኪ ዓረገ፤ ፀሓይን ኣየርን ከዓ በቲ ናይቲ ዔላ ትኪ ፀልመቱ። ካብቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወፅአ፤ ከም ናይ ዕንቅርቢታት ምድሪ ዝኾነ ሓይሊ ከዓ ተውሃቦም። ንሳቶም ድማ ንሳዕሪ ምድርን ንልሙዕ በቝልን ንኣእዋምን ከይጐድኡ፥ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣቦና ዘይብሎም ሰባት ጥራሕ ደኣ ክጐድኡ እምበር ተባሃሉ። a a v4 እቲ ማሕተም ነቶም ናይ ኣቦና ዝኾኑ የመልክት — ንሱ ኸዓ እቲ ኣብ ምዕራፍ 7 ዝተገልፀ ምሕታም ኣገልገልቱ እዩ። ክቐትልዎም ኣይተፈቕደሎምን፥ ንሓሙሽተ ወርሒ ኽሳቕይዎም ደኣ እምበር። እቲ ስቓይ ድማ ከምቲ ዕንቅርቢት ንሰብ እንተ ወግአቶ ዘሳቕዮ ስቓይ ነበረ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን ሰባት ሞት ክደልዩ እዮም፥ ኣይረኽብዎን ከዓ፤ ክሞቱ ኽብህጉ እዮም፥ ሞት ግና ካብኣቶም ክሃድም እዩ።

እቲ ኣንበጣ ንውግእ ዝተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል ነበረ፤ ኣብ ርእሶም ከም ወርቂ ዝኾነ ኣኽሊላት ነበረ፤ ገፆም ድማ ከም ገፅ ሰብ ነበረ። ከም ፀጕሪ ኣንስቲ ዝኾነ ፀጕሪ ነበሮም፤ ኣስናኖም ድማ ከም ኣስናን ኣናብስ ነበረ። ከም ሓፂን ዝኾነ ድርዒ ኣፍ ልቢ ነበሮም፤ ድምፂ ኣኽናፎም ድማ ከም ድምፂ ብዙሓት ኣፍራስን ናብ ውግእ ዝጐዩ ሰረገላታትን ነበረ። ኣጨራሮም ከም ዕንቅርቢት ነበረ፥ መውግኢ ከዓ ነበሮም፤ ኣብተን ኣጨራሮም ድማ ንሓሙሽተ ወርሒ ንሰብ ዝጐድኡሉ ሓይሊ ነበረ። ንጉሶም ድማ መልኣኽ እቲ መዓሙቕ ጕድጓድ እዩ፤ ስሙ ኸዓ ብዕብራይስጢ ጥፍኣት፥ ብግሪኽ ድማ ኣጶልዮን እዩ። b b v11 ክልቲኡ ስማት “መጥፍኢ” ማለት እዩ።

እታ ቐዳመይቲ ወይለ ሓሊፋ እያ፤ እንሆ ድሕሪ እዙይ ዝመፃ ኽልተ ወይለ ተሪፈን ኣለዋ።

ሽዑ እቲ ሻድሻይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ፤ ካብ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዘሎ ወርቃዊ መሰውኢ ድማ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ነቲ መለኸት ዝሓዘ ሻድሻይ መልኣኽ ከዓ “ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ እተኣሰሩ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም” ይብል ነበረ።

እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን ዝተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ድማ፥ ንሲሶ ሰብ ክቐትሉ ተፈትሑ። ቍፅሪ እቶም ፈረሰኛታት ሰራዊት ድማ ክልተ ሚእቲ ሚልዮን ነበረ፤ ቍፅሮም ከዓ ሰማዕኹ። ኣብቲ ራእይ ነቶም ኣፍራስን ነቶም ዝተወጥሑዎምን ከምዙይ ገይረ ረአኹ፦ ድርዕታቶም ሕብሪ ሓውን ሰንፔርን ዲንን ነበረ፤ ርእሲ እቶም ኣፍራስ ድማ ከም ርእሲ ኣናብስ ነበረ፤ ካብ ኣፎም ከዓ ሓዊን ትኪን ዲንን ይወፅእ ነበረ። በዞም ሰለስተ መቕሰፍቲ እዚኣቶም፥ በቲ ኻብ ኣፎም ዝወፅእ ሓዊን ትኪን ዲንን፥ ሲሶ ሰብ ተቐትለ። ሓይሊ እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ኣጨራሮምን እዩ ዘሎ፤ ኣጨራሮም ከም ኣትማን ርእሲ ኣለዎም እዮም እሞ፥ ብእኡ ድማ ይጐድኡ።

እቶም በዞም መቕሰፍቲ እዚኣቶም ዘይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ድማ፥ ካብቲ ኣእዳዎም ዝሰርሕዎ ኣይተመለሱን፤ ንኣጋንንትን ነቶም ክርእዩን ክሰምዑን ክኸዱን ዘይኽእሉ ብወርቅን ብብሩርን ብነሓስን ብእምንን ብዕንፀይትን ዝተሰርሑ ጣዖታትን የምልኹ ነበሩ። ካብ ቅትለቶምን ካብ ጥንቈላኦምን ካብ ዝሙቶምን ካብ ስርቆምን ድማ ንስሃ ኣይኣተዉን።