ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እቲ ሓያል መልኣኽ ይወርድ

ሓደ መልኣኽ ሓንቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ሓንቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኣንቢሩ፥ ብኣቦና ይምሕል፦ ደጊም ምድንጓይ የለን። ሸውዓተ ነጐድጓዳት ይዛረቡ፥ ዮሃንስ ከዓ ነቲ ዝተዛረብዎ ኸይፅሕፎ ይኽልከል። ነታ ንእሽተይ መፅሓፍ ይበልዓ፦ ኣብ ኣፉ ከም መዓር፥ ደሓር ግና መሪር። መሊሱ ኽንበ ኣለዎ።

ምዕራፍ 10።

ሽዑ ካብ ሰማይ ዝወርድ ካልእ ሓያል መልኣኽ ረአኹ፤ ንሱ ብደመና ተጠቒሉ፥ ኣብ ርእሱ ቐስቲ፥ ገፁ ኸም ፀሓይ፥ ኣእጋሩ ድማ ኸም ኣዕማድ ሓዊ ነበሩ። ኣብ ኢዱ ንእሽተይ ክፉት መፅሓፍ ሒዙ ነበረ፤ የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ፥ ፀጋመይቲ እግሩ ድማ ኣብ ምድሪ ኣንበረ፤ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ድማ ዓው ኢሉ ጨደረ። ምስ ጨደረ ኸዓ ሸውዓተ ነጐድጓዳት ተዛረቡ።

እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ምስ ተዛረቡ፥ ክፅሕፍ ደልየ ነበርኩ፤ ካብ ሰማይ ግና፥ “ነቲ ዝተዛረብዎ ሕተሞ፤ ኣይትፅሓፎ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።

ሽዑ እቲ ኣብ ባሕርን ምድርን ደው ኢሉ ዝረአኽዎ መልኣኽ፥ የማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣልዓለ፤ በቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዝነብር፥ ሰማይን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፥ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን፥ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ኣቦ ድማ ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ደጊም ምድንጓይ የለን! እቲ ሻውዓይ መልኣኽ መለኸቱ ኽነፍሕ እንተሎ ግና፥ ከምቲ ንባሮቱ ነቢያት ዘበሰሮ፥ ምስጢር ኣቦና ክፍፀም እዩ።” a a v7 እቲ ኣቦና ብነቢያት ዘበሰሮ ምስጢር፥ ኣብ ወዱ ምልኣቱ ይረክብ፦ እቲ ንዅሉ ህዝቢ ዝተገለፀ ወንጌል እዩ (ኤፌሶን 3፥8-9፤ ቈሎሴ 1፥26-27)።

እቲ ካብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምፂ ድማ መሊሱ፥ “ኺድ፥ ነቲ ኣብ ባሕርን ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ካብ ኢዱ፥ ነቲ ክፉት መፅሓፍ ውሰዶ” በለኒ።

ናብቲ መልኣኽ ከዓ ኸድኩ፤ ነታ ንእሽተይ መፅሓፍ ድማ ለመንክዎ። ንሱ ኸዓ “ውሰዳ እሞ ብልዓያ፤ ንኸብድኻ ኸተመርሮ እያ፤ ኣብ ኣፍካ ግና ኸም መዓር ክትጥዒ እያ” በለኒ።

ነታ ንእሽተይ መፅሓፍ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ ኸዓ በላዕክዋ። ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጥዕምቲ ነበረት፤ ምስ በላዕክዋ ግና ከብደይ መረረ። ሽዑ ድማ፥ “ብዛዕባ ብዙሓት ህዝብታትን ኣህዛብን ቛንቋታትን ነገስታትን መሊስካ ኽትንበ ኣለካ” በሉኒ።