ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መብራህቲ ኣቦና

ናይ መለክዕታትን ድራኸታትን ምዕራፍ፦ ዘላግፅ ወይኒ፥ ልክዕ ሚዛን፥ ዋጋ ኣትሒቱ ድሕሪኡ በቲ ዝዓደጎ ዝምካሕ ዓዳጊ፥ ኣዝዩ ኣቐዲሙ ዝተመንዝዐ ርስቲ። ሓደ እኳ ንፁህ ልቢ ኣለኒ ክብል ከም ዘይኽእል ይእመን፥ መንፈስ ሰብ ድማ ነቲ ውሽጣዊ ኽፋላት ዝምርምር ቀንዴል ኣቦና ይብሎ።

ምዕራፍ 20።

ወይኒ መላገፂ እዩ፥ ዘስክር መስተ ኸዓ ተባኣሳይ እዩ፤ ብእኡ ዝስሕት ዅሉ ድማ ጥበበኛ ኣይኮነን። ራዕዲ ንጉስ ከም ጓዓ ኣንበሳ እዩ፤ ዘቑጥዖ ዅሉ ንነፍሱ ይብድል። ካብ ባእሲ ምርሓቕ ንሰብ ክብሪ እዩ፤ ዓሻ ዅሉ ግና ንባእሲ ቕልጡፍ እዩ። ሃካይ ሰብ ብኽረምቲ ኣይሓርስን፤ ስለዙይ ብቐውዒ እኽሊ እናደለየ ገለ እኳ ኣይረክብን። ሓሳባት ልቢ ሰብ ዓሚቝ ማይ እዩ፥ ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ ግና ይቐድሖ። ብዙሓት ሰባት ነናይ ባዕሎም ምሕረት ይእውጁ፤ እሙን ሰብ ግና መን ክረኽቦ ይኽእል? እቲ ፃድቕ ብቕንዕና ይኸይድ፤ ድሕሪኡ ዘለዉ ውሉድ ብፁኣን እዮም! ኣብ ዙፋን ፍርዲ ዝተቐመጠ ንጉስ፥ ብኣዒንቱ ንዅሉ ክፉእ ይዘርዎ። “ልበይ ንፁህ ገይረ ኣለኹ፤ ካብ ሓጢኣተይ ነፂሀ ኣለኹ” ዝብል መን ኣሎ? ማዕረ ዘይኮነ ሚዛን፥ ማዕረ ዘይኮነ መስፈሪ፥ ንኽልቲኡ ኣቦና ይፅየፎ። ቈልዓ እኳ ብግብሩ ይልለ፥ ኣካይዳኡ ንፁህን ቅኑዕን ምዃኑ ድማ ይርአ። ዝሰምዕ እዝንን ዝርኢ ዓይንን ንኽልቲኡ ኣቦና ገበሮ። ድቃስ ኣይተፍቅር፥ ከይትደኪ፤ ኣዒንትኻ ኽፈት፥ እንጀራ ኸዓ ክትፅገብ ኢኻ። “ሕማቕ እዩ፥ ሕማቕ እዩ!” ይብል እቲ ዓዳጊ፤ ምስ ከደ ግና በቲ ዝዓደጎ ይምካሕ። ወርቅን ብዙሕ ክቡር ዕንቊን ኣሎ፥ ፍልጠት ዝዛረባ ኸናፍር ግና ብርቂ ክቡር ገንዘብ እየን። ንጓና ትሕጃ ዝኾነ ሰብ ክዳኑ ውሰድ፤ ንጓኖት ትሕጃ ኮይኑ እንተሎ ኸዓ ኣትሓዞ። ብተንኰል ዝተረኽበ እንጀራ ንሰብ ጥዑም እዩ፥ ድሕሪኡ ግና ኣፉ ፀፀር ይመልእ። ሓሳባት ብምኽሪ ይፀንዑ፤ ስለዙይ ውግእ ብጥበባዊ ምኽሪ ግበር። ሓማዪ ሰብ ምስጢር ይቕልዕ፤ ስለዙይ ምስ ለፍላፊ ኣይትተዓረኽ። ነቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዝፀረፈ ዅሉ፥ መብራህቱ ኣብ ድቡን ፀልማት ክጠፍእ እዩ። ብመጀመርታ ብቕልጡፍ ዝተረኽበ ርስቲ፥ ኣብ መወዳእታኡ ኣይባረኽን። “ክፉእ ብክፉእ ክፈዲ እየ” ኣይትበል፤ ንኣቦና ተፀበዮ፥ ንሱ ኸዓ ከናግፈካ እዩ። ማዕረ ዘይኮነ ሚዛን ኣቦና ይፅየፎ፤ ቅኑዕ ዘይኮነ ሚዛንውን ፅቡቕ ኣይኮነን። ስጕምቲ ሰብ ብኣቦና ይምራሕ፤ እምበኣር ሰብ ንመንገዱ ባዕሉ ኸመይ ኢሉ ክፈልጦ ይኽእል? ብዘይ ምስትውዓል ገለ ነገር ምውፋይ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ነቲ መብፅዓ ዳግም ምሕሳብ፥ መፈንጠር እዩ። ጥበበኛ ንጉስ ንሓጥኣን ይዘርዎም፥ መንኰራዅር ዓውዲ ኸዓ ኣብ ልዕሊኦም የዝውር። መንፈስ ሰብ መብራህቲ ኣቦና እዩ፤ ንዅሉ ውሽጣዊ ኽፋል ድማ ይምርምር። ምሕረትን ሓቅን ንንጉስ ይሕልውዎ፤ ዙፋኑ ኸዓ ብምሕረት ይፀንዕ። ክብሪ መንእሰያት ሓይሎም እዩ፥ ድምቀት ኣረጋውያን ግና ሲበት እዩ። ዘቑስል መውቃዕቲ ንኽፍኣት የፅርዮ፥ ምውቃዕ ከዓ ንውሽጣዊ ኽፋል የንፅህ።