ዓወት ናይ ኣቦና እዩ
ፍርድን ትምኒትን። ቅንዕና ምግባር ካብ መስዋእቲ ንኣቦና ኣዝዩ የሐጕሶ፥ እዝንኻ ካብ ድኻ ምዕፃው ከዓ ኣውያትካ ከይምለስ ይገብር። ትምኒት ንሃካይ ሰብ ብቕፅበት ይቐትሎ። ክልተ ግዜ ከዓ፥ ምስ መጎኛ ሰበይቲ ኣብ ሓባር ገዛ ካብ ምንባር፥ ኣብ መኣዝን ናሕሲ ምንባር ከም ዝሔሽ ይብል።
21 1ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ ኣቦና ሩባ ማይ እዩ፤ ናብ ዝደለዮ ኵሉ ድማ የቕንዖ። 2መንገዲ ሰብ ኵሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቅኑዕ ይመስል፥ ኣቦና ግና ንልቢ ይምዝን። 3ቅንዕናን ፍርድን ምግባር፥ ካብ መስዋእቲ ንኣቦና ኣዝዩ የሐጕሶ። 4ዕቡይ ዓይንን ዕቡይ ልብን፥ መብራህቲ ሓጥኣን፥ ሓጢኣት እዩ። 5ሓሳብ ትጉህ ብርግፅ ናብ ፅጋብ የብፅሕ፥ ህዉኽ ዝኾነ ዅሉ ግና ናብ ስእነት ይበፅሕ። 6ብልሳን ሓሶት ሃብቲ ምእካብ፥ ጊዜያዊ ተኖን መፈንጠር ሞትን እዩ። 7ዓመፅ ሓጥኣን ይስሕቦም፥ ፍርዲ ምግባር ስለ ዝኣበዩ። 8መንገዲ በዳሊ ጠዋይ እዩ፥ ግብሪ ንፁህ ግና ቅኑዕ እዩ። 9ምስ መጎኛ ሰበይቲ ኣብ ሓባር ገዛ ካብ ምንባር፥ ኣብ መኣዝን ናሕሲ ምንባር ይሔሽ። 10ነፍሲ ሓጥእ ክፍኣት ትምነ፥ ብፃዩ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ምሕረት ኣይረክብን። 11መላገፂ ምስ ዝቕፃዕ፥ ህፃን ይጥበብ፤ ጥበበኛ ምስ ዝምሃር፥ ፍልጠት ይረክብ። 12ኣቦና እቲ ፃድቕ፥ ንገዛ ሓጥኣን የስተብህል፥ ንሓጥኣን ድማ ናብ ጥፍኣት የብፅሖም። 13ነውያት ድኻ እዝኑ ዝዓፅ፥ ንሱውን ክፅውዕ እዩ ግና ኣይመለሰሉን። 14ብስዉር ዝተውሃበ ህያብ ንቝጥዓ የህድእ፥ ኣብ ሕቚፊ ዝኣቱ ጉቦ ድማ ነኽቢድ ቍጥዓ የህድእ። 15ፍርዲ ምስ ዝግበር፥ ንፃድቃን ታሕጓስ እዩ፥ ንገበርቲ ክፍኣት ግና ፍርሓት እዩ። 16ካብ መንገዲ ምስትውዓል ዝጠፍአ ሰብ፥ ኣብ ጉባኤ ምዉታት ክዓርፍ እዩ። 17ተድላ ዝፈቱ ድኻ ክኸውን እዩ፥ ወይንን ዘይትን ዝፈቱ ድማ ከቶ ኣይህብትምን። 18ሓጥእ ንፃድቕ ቤዛ ይኸውን፥ ከዳዕ ድማ ንቅኑዕ። 19ምስ መጎኛን ቍጡዕን ሰበይቲ ካብ ምንባር፥ ኣብ ምድረ በዳ ምንባር ይሔሽ። 20ክቡር ገንዘብን ዘይትን ኣብ ገዛ ጥበበኛ ኣሎ፥ ዓሻ ግና ዘለዎ ዅሉ ይውሕጥ። 21ፅድቅን ምሕረትን ዝስዕብ፥ ህይወትን ፅድቅን ክብርን ይረክብ። 22ጥበበኛ ናብ ከተማ ሓያላት ይድይብ፥ ነቲ ዝተኣመኑሉ ዕርዲ ድማ የፍርሶ። 23ኣፉን ልሳኑን ዝሕሉ፥ ንነፍሱ ካብ ፀገም ይሕሉ። 24“መላገፂ” ዝብል ስም፥ ናይቲ ብዘይልክዕ ትዕቢት ዝዓዪ ዕቡይን ትዕቢተኛን እዩ። 25ትምኒት ሃካይ ሰብ ይቐትሎ፥ ኣእዳዉ ምስራሕ ስለ ዝኣበዩ። 26ምሉእ መዓልቲ ትምኒት ይውስኽ፥ ፃድቕ ግና ይህብ እምበር ኣይክልክልን። 27መስዋእቲ ሓጥኣን ርኹስ እዩ፥ ብክፉእ ሓሳብ ምስ ዝቐርብ ደኣ ኽንደይ ኢሉ። 28ሓሳዊ ምስክር ክጠፍእ እዩ፥ ዝሰምዕ ሰብ ግና ንሓዋሩ ይምስክር። 29ሓጥእ ገፁ የትርር፥ ቅኑዕ ግና ንመንገዱ ያስተውዕል። 30ኣብ ቅድሚ ኣቦና ደው ክብል ዝኽእል ጥበብ የለን፥ ምስትውዓል የለን፥ ምኽሪ የለን። 31ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ይዳሎ፥ ዓወት ግና ናይ ኣቦና እዩ።