ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ምኽሪ ኣቦና ይፀንዕ

ድኽነትን ዕርክነትን፥ ብዘይ ስምዒት ዝተነገረ፦ ሃብቲ ኣዕርኽቲ ይውስኽ፥ ነቲ ድኻ ግና ኣሕዋቱ እኳ ይርሕቅዎ። ምስኡ ድማ ዓቕሊ ኣሎ፥ ፅቡቕ ኣእምሮ ንሰብ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ እሞ፥ ንበደል ሸለል ምባል ከዓ ክብሩ ይበሃል። ንድኻ ምሃብ ንኣቦና ምልቃሕ እዩ።

ምዕራፍ 19።

ብቕንዕናኡ ዝኸይድ ድኻ ሰብ ካብቲ ዘረባኡ ጠዋይ ዝኾነ ዓሻ ይበልፅ። ፍልጠት ዘይብሉ ድልየት ፅቡቕ ኣይኮነን፤ ብህፁፅ ዝሰርሕ ድማ መንገዱ ይስሕት። ዕሽነት ሰብ መንገዱ የበላሹ፥ ልቡ ግና ኣብ ኣቦና ይቝጣዕ። ሃብቲ ብዙሓት ኣዕርኽቲ ይውስኽ፥ ድኻ ግና ካብ ዓርኩ ይፍለ። ናይ ሓሰት ምስክር ብዘይ ቅፅዓት ኣይተርፍን፥ ሓሰት ዘስተንፍስ ድማ ኣየምልጥን። ብዙሓት ሞገስ ለጋስ ሰብ ይደልዩ፤ ንወሃብ ህያብ ከዓ ኵሉ ዓርኪ እዩ። ኵሎም ኣሕዋት ድኻ ሰብ ይፀልእዎ፤ ኣዕርኽቱስ ክንደይ ድኣ ካብኡ ይርሕቑ! ይፅውዖም እዩ፥ ንሳቶም ግና የለዉን። ጥበብ ዝረክብ ንነፍሱ የፍቅር፤ ምስትውዓል ዝሕሉ ፅቡቕ ክረክብ እዩ። ናይ ሓሰት ምስክር ብዘይ ቅፅዓት ኣይተርፍን፥ ሓሰት ዘስተንፍስ ድማ ክጠፍእ እዩ። ተድላ ንዓሻ ኣይግባእን፥ ባርያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ኽገዝእ ከዓ ኣዝዩ ኣይግባእን። ኣእምሮ ሰብ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ፥ ንበደል ሸለል ምባል ከዓ ክብሩ እዩ። ቝጥዓ ንጉስ ከም ጓዘማ ኣንበሳ እዩ፥ ሞገሱ ግና ከም ኣብ ሳዕሪ ዘሎ ኣውሊ እዩ። ዓሻ ወዲ ንኣቦኡ ጥፍኣት እዩ፥ ባእሲ ሰበይቲ ድማ ዘየቋርፅ ነጠብጣብ እዩ። ቤትን ሃብትን ካብ ኣቦታት ዝውረስ ርስቲ እዩ፥ መስተውዓሊት ሰበይቲ ግና ካብ ኣቦና እያ። ህኩይነት ናብ ዓሚቝ ድቃስ የውድቕ፥ ህኩይ ሰብ ድማ ክጠሚ እዩ። ትእዛዝ ዝሕሉ ነፍሱ ይሕሉ፤ መንገዱ ዝንዕቕ ግና ክመውት እዩ። ንድኻ ዝልግስ ንኣቦና የለቅሕ፥ ኣቦናውን ስለ ግብሩ ክፈድዮ እዩ። ተስፋ ክሳዕ ዘሎ ንወድኻ ቕፅዓዮ፥ ናብ ጥፍኣቱ ግና ልብኻ ኣይተንብር። ብርቱዕ ቝጥዓ ዘለዎ ሰብ መቕፃዕቲ ኽኽፍል ኣለዎ፥ ንስኻ እንተ ኣድሓንካዮ ኸዓ፥ መሊስካ ኽትገብሮ ኢኻ። ምኽሪ ስማዕ፥ ተግሳፅ ከዓ ተቐበል፥ ኣብ ዝመፅእ መዓልቲ ጥበበኛ ምእንቲ ኽትከውን። ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሓሳባት ኣሎ፥ ዝፀንዕ ግና ምኽሪ ኣቦና እዩ። ካብ ሰብ ዝድለ ምሕረት እዩ፤ ድኻ ሰብ ከዓ ካብ ሓሳዊ ይበልፅ። ፍርሓት ኣቦና ናብ ህይወት ይመርሕ፥ ዘለዎ ድማ ፀጊቡ የዕርፍ፥ ክፉእ ከዓ ኣይበፅሖን። ህኩይ ሰብ ኢዱ ኣብ ሸሓነ የእቱ፥ ናብ ኣፉ መሊሱ ኽመልሳ እኳ ኣይደልን። ንመላገፂ ውቀዓዮ፥ እቲ ገርሂ ኸዓ ክልብም እዩ፤ ነስተውዓሊ ሰብ ገስፆ፥ ንሱ ኸዓ ፍልጠት ክረክብ እዩ። ኣብ ኣቦኡ ዓመፅ ዝገብር፥ ነኖኡ ድማ ዝሰጋ፥ ሕፍረትን ውርደትን ዘምፅእ ወዲ እዩ። ወደይ፥ ተግሳፅ ምስማዕ ኣቋርፅ፥ ካብ ቃላት ፍልጠት ከዓ ክትስሕት ኢኻ። ከንቱ ምስክር ንፍርዲ የላግፅ፥ ኣፍ ክፉኣት ከዓ ዓመፅ ይውሕጥ። ንመላገፅቲ መቕፃዕቲ ተዳልዩሎም ኣሎ፤ ንዝባን ዓያሹ ድማ ህርመት።