ፅኑዓት ኩኑ ተሓጐሱ
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ኽልተ ኣንስቲ ብስመን ክሰማምዓ ተልመና። ሽዑ እቲ ፍሉጥ ዘረባ፦ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፥ ኣብ ኵሉ ነገር ፀልዩ፥ እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ዝሓልፍ ሰላም ኣቦና ኸዓ ይሕልወኩም። ጳውሎስ በቲ ዝተሰደሎም ገንዘብ ኣመስገኖም፥ ፅጊበ ኾነ ጠምየ ክዓግብ ከም ዝተማሃረ፥ ዘድልዮ ኸዓ ከም ዘይነበረ እናበለ።
4 1እምበኣር፥ ኣቱም እፈትወኩምን ዝናፈቕኩምን ኣሕዋተይ፥ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከምዙይ ኢልኩም ብጐይታ ፅንዑ።
2ንኤውዶያ እልምን ኣለኹ፥ ንሲንጤኪ ድማ እልምን ኣለኹ፤ ብጐይታ ሓደ ልቢ ሒዘን ክሰማምዓ። 3እወ፥ ኣታ ናይ ሓቂ ብፃይ፥ ንኣኻውን እልምነካ ኣለኹ፦ ነዘን ኣንስቲ እዚኣተን ሓግዘን፤ ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስ ካልኦት ብፆት ስራሐይን፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘሎ፥ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ ተቓሊሰን እየን።
4ኵሉ ጊዜ ብጐይታ ተሓጐሱ፤ ከም ብሓድሽ እብለኩም ኣለኹ፥ ተሓጐሱ። 5ለውሃትኩም ንዅሉ ሰብ ይፈለጥ። ጐይታ ቀረባ እዩ። 6ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፤ ኣብ ኵሉ ነገር ደኣ፥ ብፀሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና፥ ልማኖኹም ናብ ኣቦና ኣፍልጡ እምበር። 7እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ዝሓልፍ ሰላም ኣቦና፥ ንልብኹምን ንሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።
8ኣብ መወዳእታ፥ ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ፥ ዝኸብር፥ ቅኑዕ፥ ንፁህ፥ ተፈታዊ፥ ፅቡቕ ዝስሙ፥ ብሉፅ ዝኾነን ዝንኣድን ዅሉ ነገር፥ ኣእምሮኹም ኣብኡ ኣቕንዑ፤ ነዝ ነገር እዙይ ድማ ኣስተንትንዎ። 9እቲ ኻባይ ዝተማሃርኩምዎን ዝተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኹምዎን ዝረአኹምዎን፥ ነዙይ ግበሩ፤ ኣቦ ሰላም ድማ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
ኣቦ ብልግሶም ተኸቢሩ
10ኣብ መወዳእታ ብዛዕባይ ዘለኩም ሓልዮት ኣሐዲስኩምዎ ስለ ዘለኹም፥ ብጐይታ የመና ተሓጐስኩ፤ ብርግፅ ትሓልዩለይ ኔርኩም ኢኹም፥ ግና ምችዊ ጊዜ ስኢንኩም ኔርኩም። 11ካብ ጉድለት ተበጊሰ ዝዛረብ ኣይኮንኩን፤ ኣብ ዝኾነ ዅነታት ብዘለኒ ክዓግብ ተማሂረ ኣለኹ እሞ። 12ክዋረድ እፈልጥ እየ፥ ክበዝሐለይውን እፈልጥ እየ። ኣብ ኵሉን ኣብ ዝኾነ ዅነታትን፥ ክፅገብን ክጠሚን፥ ክበዝሐለይን ክጐድለንን ዝብል ምስጢር ተማሂረ ኣለኹ። 13በቲ ዘበርትዓኒ ክርስቶስ፥ ኵሉ ክገብር እኽእል እየ። 14ኰይኑ ግና፥ ኣብ መከራይ ብምክፋልኩም ፅቡቕ ገበርኩም። 15ኣቱም ሰብ ፊልጲስዩስ፥ ወንጌል ኣብ ዝጀመረሉ ጊዜ፥ ካብ መቄዶንያ ምስ ወፃእኩ፥ ብዘይ ንስኻትኩም ጥራሕ፥ ኣብ ምሃብን ኣብ ምቕባልን ዝተሓባበረኒ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይነበረ ንስኻትኩምውን ትፈልጡ ኢኹም። 16ኣብ ተሰሎንቄ እኳ ዘድልየኒ ሓደ ግዜ ጥራሕ ዘይኮነ ብዙሕ ጊዜ ሰደድኩምለይ። 17እቲ ህያብ ዝደሊ ኣይኮንኩን፥ እቲ ኣብ ሕሳብኩም ተወሲኹ ዝቝፀር ፍረ ደኣ እደሊ ኣለኹ እምበር። 18ኵሉ ተቐቢለ ኣለኹ፥ ካብኡ ንላዕሊውን ኣለኒ፤ ካብ ኤጳፍሮዲጦስ ነቲ ህያብኩም ተቐቢለ ፅጊበ ኣለኹ፤ እዙይ ምዑዝ መስዋእቲ፥ ቅቡልን ባህ ዘብልን መስዋእቲ ኣቦና እዩ። a a v18 ጳውሎስ ነቲ ናይ ገንዘብ ህያብ ሰብ ፊልጲስዩስ፥ ከም ናይ ሓቂ ናይ ኣምልኾ ተግባር ገይሩ ንምግላፅ፥ ቋንቋ ናይ ቤተ መቕደስ መስዋእቲ ተለቂሑ ይጥቀም ኣሎ። 19ኣቦይ ድማ ከም ሃብቱ ብኽብሪ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘድልየኩም ዅሉ ክህበኩም እዩ። 20ንኣቦና ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹን። ኣሜን።
ናይ መወዳእታ ሰላምታ
21ብክርስቶስ ኢየሱስ ንዘሎ ዅሉ ቅዱስ ሰላም በልዎ። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22ኵሎም ቅዱሳን፥ ኣውራ ኸዓ እቶም ካብ ቤተሰብ ቄሳር፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። b b v22 “ቤተሰብ ቄሳር” ማለት እቶም ኣብ ኣገልግሎት ንጉስ ሮሜ ዝነበሩ ባራዩን ሓራ ዝወፅኡን ኣገልገልትን ማለት እዩ እምበር፥ ስድራ ቤቱ ኣይኮነን።
23ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።