ብክርስቶስ ዝተረኽበ ናይ ሓቂ ዋጋ
ጳውሎስ ነገዱን ስልጠናኡን በቲ ሕጊ ዝነበሮ ነውሪ ዘይብሉ መዝገብን ዘርዚሩ፥ ሽዑ ነቲ ዅሉ ንክርስቶስ ብምፍላጥን ነቲ ኻብ ኣቦና ዝርከብ ፅድቅን ኣንፃር ከም ጓሓፍ ቈፀሮ። ገና ኸም ዘይበፅሐ ኣፅቂቡ ይዛረብ፦ ነቲ ዝሓለፈ ረሲዑ ናብ ቅድሚት ይፅዕር። ዜግነቱ ኣብ ካልእ እዩ።
3 1ኣብ መወዳእታ፥ ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብጐይታ ተሓጐሱ። እቲ ሓደ ነገር ደጊመ ምፅሓፍ ንኣይ ኣይከብደንን እዩ፥ ንኣኻትኩም ከዓ ይሕልወኩም።
2ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፥ ካብ ክፉኣት ዓየይቲ ተጠንቀቑ፥ ካብቶም ንስጋ ዝቘራርፁ ተጠንቀቑ። a a v2 ጳውሎስ ነቶም ብግርዘት ዝፀቕጡ፥ ነታ ናይ ግርዘት ቃል ብምግልባጥ ‘እቲ ምቝራፅ’ ኢሉ እናፀውዐ የባጭወሎም። 3ንሕና እቲ ግርዘት ኢና፤ ብመንፈስ ኣቦና እነምልኽ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ እንምካሕ፥ ብስጋ ዘይንተኣማመን ኢና፥ 4ኣነ እኳ ብስጋ ዝተኣማመነሉ ኣለኒ። ካልእ ሰብ ብስጋ ዝተኣማመነሉ ኣለኒ ኢሉ እንተ ሓሰበ፥ ኣነ ኻብኡ ዝያዳ ኣለኒ፦ 5ብሻምነይቲ መዓልቲ ዝተገረዝኩ፥ ብትውልዲ እስራኤላዊ፥ ካብ ነገድ ብንያም፥ ዕብራዊ ኻብ ዕብራውያን፥ ብመሰረት ሕጊ ፈሪሳዊ እየ። 6ብቕንኣት ንቤተ ክርስቲያን ዘሳጕግ፥ ብመሰረት ሕጊ ብዝርከብ ፅድቂ ኸዓ ፍፁም ነበርኩ።
7ነቲ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ዅሉ ግና፥ ሕዚ ስለ ክርስቶስ ከም ክሳራ እቘፅሮ ኣለኹ። 8እወ፥ ንጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ ዘሎ ልዕሊ ዅሉ ዝበልፅ ዋጋ ስለ ዝኾነ፥ ንዅሉ ኸም ክሳራ እቘፅሮ ኣለኹ። ስለኡ ኢለ ዅሉ ነገር ኣጥፊአ፥ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረክብ ድማ ከም ጓሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ፤ 9ኣብኡ ድማ ክርከብ፥ ካብ ሕጊ ዝርከብ ናይ ርእሰይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ነቲ ብክርስቶስ ብዘሎ እምነት ዝርከብ ፅድቂ፥ ማለት ነቲ ኻብ ኣቦና ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ ደኣ ሒዘ ምእንቲ ኽርከብ፥ 10ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ኣብ መከራኡ እናተኻፈልኩ፥ ብሞቱ ንእኡ እናመሰልኩ፥ 11ብዝኾነ መንገዲ ናብ ትንሳኤ ምዉታን ምእንቲ ኽበፅሕ እዩ።
12ድሮ ረኺበዮ ዘለኹ፥ ወይ ድሮ ፍፁም ዝኾንኩ ማለተይ ኣይኮነን፤ ነቲ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝሓዘኒ ምእንቲ ኽሕዞ ግና እፅዕር ኣለኹ። 13ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ገና ኸም ዝሓዝክዎ ንርእሰይ ኣይቘፅርን እየ፤ ሓንቲ ነገር ግና እገብር ኣለኹ፦ ነቲ ዝሓለፈ ረሲዐ፥ ናብቲ ቕድሚተይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፥ 14ናብቲ ሽቶ እናተመጣጠርኩ፥ ምእንቲ እቲ ኣቦና ብክርስቶስ ኢየሱስ ናብ ላዕሊ ዝፀውዖ ፅውዓ ዝኾነ ዓስቢ እጓየ ኣለኹ። 15ንሕና ዅላትና እቶም ፍፁማት ከምዙይ ንሕሰብ፤ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ብኻልእ ኣገባብ እንተ ሓሰብኩም፥ ኣቦና ንእኡ ድማ ክገልፀልኩም እዩ። 16ኣብቲ ድሮ ዝበፃሕናዮ ጥራሕ ፀኒዕና ንንበር።
17ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብሓባር ሰዓብተይ ኩኑ፤ ነቶም ከምቲ ኣባና ዘሎ ኣብነት ዝነብሩ ኸዓ ተኸታተሉ። 18ብዙሓት ፀላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ፤ ብዛዕባ እዚኣቶም ብዙሕ ጊዜ ነጊረኩም እየ፥ ሕዚ ኸዓ ብንብዓት እነግረኩም ኣለኹ። 19መወዳእትኦም ጥፍኣት እዩ፥ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፥ ክብሮም ድማ ሕፍረቶም እዩ፥ ኣእምሮኦም ናይ ምድሪ ነገር ጥራሕ ዝሓስብ እዩ። 20ዜግነትና ግና ኣብ ሰማይ እዩ፤ ካብኡ ኸዓ ንመድሕን፥ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣበርቲዕና ንፅበ ኣለና፤ 21ነቲ ንዅሉ ነገር ናብ ርእሱ ዘግዝእ ሓይሉ ተጠቒሙ፥ ነቲ ሕሱር ስጋና ኸም ክቡር ስጋኡ ክኸውን ክልውጦ እዩ።