ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ብፍቕሪ ሕቡራት

ጳውሎስ ሓድነት ለሚኑ፥ ሽዑ ኣብቲ ክርስቶስ ንላዕሊ ዘይኮነስ ንታሕቲ ዝወረደሉ መገዲ ኣፅኒዕዎ፥ ንርእሱ ባዶ ገይሩ፥ መልክዕ ባርያ ወሲዱ፥ ክሳዕ ሞት መስቀል ተኣዛዚ ኮይኑ፥ ድሕሪኡ ኣቦና ናብቲ ኻብ ኵሉ ዝበልፅ ስም ልዕል ኣበሎ። ንጢሞቴዎስን ንኤጳፍሮዲጡስን ድማ ይሰድድ።

ምዕራፍ 2።

እምበኣር ብክርስቶስ ዝኾነ ምትብባዕ፥ ካብ ፍቕሪ ዝኾነ ምፅንናዕ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ሕብረት፥ ዝኾነ ርህራሀን ምሕረትን እንተ ኣልዩ፥ ሓደ ብምሕሳብ፥ ሓደ ፍቕሪ ሒዝኩም፥ ብመንፈስ ሓደ ኮይንኩም፥ ብሓደ ሓሳብ ኮይንኩም፥ ሓጐሰይ ምልኡለይ። ብስስዐ ወይ ብከንቱ ትምክሕቲ ገይርኩም ሓደ እኳ ኣይትግበሩ፤ ብትሕትና ደኣ ንኻልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፅ ቍፀርዎም እምበር። ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ናይ ርእሱ ጥቕሚ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነቲ ናይ ካልኦት ጥቕሚ እውን ይጠምት።

ኣብ ነንሕድሕድኩም እዝ ሓሳብ እዙይ ይሃሉኹም፥ እዙይ ከዓ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለኩም እዩ፥ ንሱ ብመልክዕ ኣቦና እናሃለወ፥ ምስ ኣቦና ማዕረ ምዃን ክሕዞ ዝግባእ ነገር ገይሩ ኣይቘፀሮን፥ ንርእሱ ግና ጥራሕ ገበረ፤ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ብምስሊ ሰብ ድማ ተወለደ። ከም ሰብ ኮይኑ ምስ ተራእየ ድማ፥ ክሳዕ ሞት፥ ማለት ክሳዕ ሞት መስቀል ተኣዛዚ ኮይኑ ንርእሱ ኣትሐተ። ስለዙይ ኣቦና ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣበሎ፥ ካብ ኵሉ ስም ዝበልፅ ስም ከዓ ሃቦ፥ ምእንቲ ኣብ ስም ኢየሱስ፥ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኵሉ ብርኪ ክንበርከኽ፥ ኵሉ ልሳን ከዓ ንክብሪ ኣቦና ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ክእመን።

ውሉድ ኣቦ፥ ዘብርሁ ከዋኽብቲ

እምበኣር፥ ኦ ፍቁራተይ፥ ከምቲ ዅልሻዕ ዝተኣዘዝኩም፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝነበርኩሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕዚ ኣነ ኣብ ዘየለኹሉ እውን ኣዝዩ ኣብዚሑ፥ ምድሓንኩም ብፍርሓትን ብራዕድን ፈፅሙ፥ ኣቦና ምእንቲ ፅቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፥ ፍቓድ ኮነ ግብሪ ክልቲኡ እናሃበ፥ ኣባኻትኩም ይሰርሕ ኣሎ እዩ እሞ።

ብዘይ ምጕርምራም ወይ ክርክር፥ ኵሉ ነገር ግበሩ፥ ኣብ ማእኸል ጠዋይ ዝኾነ ዝበላሸወ ትውልዲ፥ ንፁሃትን ነውሪ ዘይብሎም፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ ኣቦና ክትኮኑ፥ ከም ከዋኽብቲ ኣብ ዓለም ኣብ ማእኸሎም እናበራህኩም፥ ነቲ ቃል ህይወት ኣፅኒዕኹም ሒዝኩም፥ ብከንቱ ኸም ዘይጎየኹን ከም ዘይደኸምኩን፥ ብመዓልቲ ክርስቶስ ክምካሕ እኽእል እየ። ኣብ ልዕሊ መስዋእትን ኣገልግሎትን እምነትኩም ከም መስዋእቲ መስተ እንተ ተኸዓኹ እውን፥ እሕጐስ ኣለኹ፤ ምስ ኵልኻትኩም ድማ ባህ ይብለኒ ኣሎ። a a v17 መስዋእቲ መስተ ኣብ ኣምልኾ ኣብ መሰውኢ ዝፍሰስ ወይኒ እዩ ነይሩ፤ ጳውሎስ ከዓ ህይወቱ ኣብ ልዕሊ እምነቶም ከም ዝፍሰስ ገይሩ የቕርቦ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እውን ተሓጐሱ፤ ምሳይ ከዓ ባህ ይበልኩም።

ጢሞቴዎስን ኤጳፍሮዲጦስን

ኵነታትኩም ፈሊጠ ኣነ እውን ምእንቲ ኽፅናናዕ፥ ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክሰዶ፥ ብጐይታ ኢየሱስ ተስፋ እገብር ኣለኹ። ብሓቂ ብዛዕባ ደሓንኩም ዝግደስ፥ ከምኡ ዝበለ ካልእ ሰብ የብለይን። ኵሎም ነቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ነቲ ናይ ርእሶም ጥቕሚ እዮም ዝደልዩ እሞ። ጢሞቴዎስ ፍቱን ምዃኑ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ ከም ወዲ ምስ ኣቦኡ ኾይኑ፥ ኣብ ስራሕ ወንጌል ምሳይ ኣገልጊሉ እዩ። ስለዙይ፥ ኵነታተይ ከመይ ከም ዝኸውን ምስ ረአኹ ብኡብኡ ክሰዶ ተስፋ እገብር ኣለኹ፥ ኣነ ባዕለይ ቀልጢፈ ኸም ዝመፅእ ድማ፥ ብጐይታ ተኣሚነ ኣለኹ።

ነቲ ሓወይ፥ መዓይይተይን ብፃይ ወታደረይን፥ ልኡኽኩምን ንድልየተይ ኣገልጋልን ዝኾነ ኤጳፍሮዲጦስ ናባኻትኩም ክመልሶ ከም ዘድሊ ሓሰብኩ። ንሱ ንኵልኻትኩም ናፊኩም እዩ፤ ሓሚሙ ምንባሩ ስለ ዝሰማዕኹምዎ ድማ ተኪዙ ኣሎ። ብርግፅ ሓሚሙ፥ ክመውት እውን ቀሪቡ ነይሩ። ኣቦና ግና ራህርሀሉ፤ ንእኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣይ እውን እምበር፥ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ከይረክብ ማሪሩለይ። ስለዙይ፥ ከም ብሓድሽ ርኢኹምዎ ኽትሕጐሱ፥ ኣነ ኸዓ ጭንቀይ ኽንእስ፥ ናባኻትኩም ክሰዶ ኣዝየ ህንጡይ እየ። ብጐይታ ብምሉእ ሓጐስ ተቐበልዎ፤ ነቶም ከምኡ ዝበሉ ሰባት ከዓ ኣኽብርዎም፥ ነቲ ንኣይ ክትገብሩለይ ዝጐደለኩም ኣገልግሎት ክመልኣለይ ኢሉ፥ ህይወቱ ከይበቐቐ፥ ምእንቲ ስራሕ ክርስቶስ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እሞ።