ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ናብ እቶም ኣብ ፊልጲ ዘለዉ ቅዱሳን

ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፅሓፈ ሕጉስ መልእኽቲ፤ ነታ ቤተ ክርስቲያን ኵልሻዕ ብጐይታ ክትሕጎስን ናይ ክርስቶስ ሓሳብ ክህልዋን ይምሕፅን።

ምዕራፍ 1።

ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ኣገልገልቲ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ዘለዉ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስቶም ኤጲስ ቆጶሳትን ዲያቆናትን፦ ካብ ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንኣኻትኩም ፀጋን ሰላምን ይኹን።

ኣብ ወንጌል ምእንቲ እቶም ተኻፈልቲ ምስጋና

ክዝክረኩም ከለኹ ዅሉ ጊዜ ንኣቦይ አመስግኖ ኣለኹ፥ ኵልሻዕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፀሎተይ ብሓጐስ ምእንቲ ዅልኻትኩም እናፀለኹ፤ ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ክሳዕ ሕዚ ኣብ ወንጌል ተኻፈልቲ ብምዃንኩም እዩ። ነዝ ነገር እዙይ ከዓ ርግፀኛ እየ፦ እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ፥ ክሳዕ መዓልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ክፍፅሞ እዩ። ብዛዕባ ዅልኻትኩም ከምዙይ ክሓስብ ይግብአኒ እዩ፤ ኣብ ልበይ ሒዘኩም ኣለኹ እሞ፥ ኣብ መቝሐይን ኣብ ምክልኻልን ምርግጋፅን ወንጌል፥ ኵልኻትኩም ምሳይ ናይ ፀጋ ተኻፈልቲ ኢኹም። ብርህራሀ ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ክንደይ ንዅልኻትኩም ከም ዝናፍቐኩም፥ ኣቦና ምስክረይ እዩ።

ፀሎተይ ድማ እዙይ እዩ፦ ፍቕርኹም ምስ ፍልጠትን ኵሉ ምስትውዓልን እናበዝሐ ክውስኽ፥ ምእንቲ እቲ ዝበልፅ ክትፈልዩ፥ ክሳዕ መዓልቲ ክርስቶስ ድማ ፅሩያንን ነውሪ ዘይብልኩምን ክትኮኑ። ንኽብርን ውዳሴን ኣቦና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ፍረ ፅድቂ መሊእኹም።

ንወንጌል ዘሰጕም መቝሕ

ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ዘጋጠመኒ ነገር ንወንጌል ብሓቂ ኸም ዘሰጐሞ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ፤ ስለዙይ እቲ ምእንቲ ክርስቶስ ዝኾነ መቝሐይ፥ ኣብ ኵሎም ዘብዐኛታት ቤተ መንግስትን ኣብ ካልኦት ኵሎምን ተፈለጠ። ካብ ኣሕዋት ዝበዝሑ ድማ፥ ብመቝሐይ ኣብ ጐይታ ተኣማሚኖም፥ ነቲ ቓል ብዘይ ፍርሓት ንምዝራብ ሕዚ ኣዝዮም ይደፍሩ ኣለዉ። ገሊኣቶም ብሓቂ ብቕንኣትን ብባእስን ንክርስቶስ ይሰብኩ፤ ገሊኣቶም ግና ብሰናይ ድልየት ይሰብኩ። እዚኣቶም፥ ንወንጌል ንምክልኻል ከም ዝተመደብኩ ፈሊጦም፥ ብፍቕሪ ይገብርዎ። እቶም ካልኦት ግና ብስስዐ፥ ብዘይ ቅንዕና፥ ኣብ መቝሐይ ሽግር ከለዓዕሉለይ እናሓሰቡ፥ ንክርስቶስ ይእውጁ።

እሞ እንታይ ደኣ? ብኹሉ መንገዲ፥ ብግብዝና ይኹን ብሓቂ፥ ክርስቶስ ይእወጅ ኣሎ፤ በዙይ ድማ እሕጐስ ኣለኹ። እወ፥ ገና ክሕጐስ እየ። እዙይ ብፀሎትኩምን ብሓገዝ መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንምድሓነይ ከም ዘምፅእ እፈልጥ እየ። ብሃረርታ ዝፅበዮን ዝገብሮ ተስፋን እዙይ እዩ፦ ከቶ ኣይሓፍርን እየ፥ ደኣ ከምቲ ኵልሻዕ ሕዚውን ብምሉእ ትብዓት፥ ብህይወት ኮነ ብሞት፥ ክርስቶስ ኣብ ስጋይ ክኽበር እዩ።

ንኣይ ምንባር ክርስቶስ እዩ፥ ምማትውን ረብሓ እዩ። ኣብ ስጋ ክነብር እንተ ኾይነ፥ እዙይ ፈራይ ስራሕ እዩ ዝኾነለይ። ግና ኣየናይ ከም ዝመርፅ ኣይፈልጥን እየ። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ተጨኒቐ ኣለኹ፤ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን እደሊ ኣለኹ፥ እዙይ ኣዝዩ ይበልፅ፤ ኣብ ስጋ ምትራፍ ግና፥ ምእንታኻትኩም ኢልካ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ነዙይ ርግፀኛ ስለ ዝኾንኩ ድማ፥ ንምዕባለኹምን ንሓጐስ እምነትኩምን ኢለ፥ ክተርፍን ምስ ኵልኻትኩም ክፀንሕን ከም ዝኾንኩ እፈልጥ እየ፤ ስለዙይ መሊሰ ናባኻትኩም ምስ መፃእኹ፥ ብኣይ ምኽንያት፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለኩም ትምክሕቲ ክውስኽ እዩ።

ነቲ ወንጌል ዝግባእ ደው ምባል

ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ዝግባእ ኴንኩም ጥራሕ ንበሩ፤ ምእንቲ መፂአ እንተ ረአኹኹም ኮነ፥ ርሑቕ እንተ ኾንኩ፥ ብሓደ መንፈስ ፀኒዕኹም፥ ምእንቲ እምነት ወንጌል ብሓደ ልቢ ሓቢርኩም እናተቓለስኩም ከም ዘለኹም ክሰምዕ፥ ብተፃረርትኹም ከዓ ፈፂምኩም ከይፈራህኩም፤ እዙይ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣቶም፥ ንኣኻትኩም ግና ናይ ምድሓንኩም ምልክት እዩ፤ እዙይ ከዓ ካብ ኣቦና እዩ። ምእንቲ ክርስቶስ ኢልኩም፥ ብእኡ ምእማን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ምእንታኡ መከራ ምቕባልውን፥ ብፀጋ ተውሂቡኩም እዩ እሞ፤ ነቲ ኣባይ ዝረኣኽምዎ፥ ሕዚ ድማ ገና ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም ዓይነት ቃልሲ እናሓለፍኩም።