ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ውሉድ፥ ኣቦታትን ጐይቶትን

ውሉድ፥ ወለዲ፥ ባሮትን ጐይቶትን ነፍሲ ወከፎም ቃል ይረኽቡ፥ ጐይቶት ድማ ንሳቶም እውን ጐይታ ኸም ዘለዎም ይዝከሩ። ሽዑ ኣፅዋር ኣቦና፦ ሓቂ፥ ፅድቂ፥ ድሉውነት፥ እምነት፥ ምድሓን፥ እቲ ቓል — እቶም ናይ ሓቂ ተፃባእቲ እቶም ኣብ ቅድሜኻ ዘለዉ ሰባት ኣይኮኑን እሞ። ጳውሎስ ምእንቲ ናይ ባዕሉ ትብዓት ፀሎት ይልምን።

ምዕራፍ 6።

ኣቱም ውሉድ፥ እዙይ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ብጐይታ ንወለድኹም ተኣዘዝዎም።

“ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር” (እዛ ትእዛዝ እዚኣ፥ ምስ ተስፋ ዘላ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እያ)፥ “ፅቡቕ ምእንቲ ኽኾነልካ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኽትነብር።”

ኣቱም ኣቦታት፥ ንውሉድኩም ኣይተቘጥዕዎም፤ ብተግሳፅን ምኽርን ጐይታ ደኣ ኣዕብይዎም።

ኣቱም ባሮት፥ ከምቲ ንክርስቶስ፥ ነቶም ምድራውያን ጐይቶትኩም ብፍርሓትን ብራዕድን፥ ብቕንዕና ልቢ ተኣዘዝዎም። እንትትርኣዩ ንሰብ ባህ ከተብሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ከም ባሮት ክርስቶስ ኴንኩም፥ ፍቓድ ኣቦና ብምሉእ ልቢ እናገበርኩም ደኣ፤ ከም ንጐይታ እምበር ከም ንሰብ ዘይኮነ፥ ብፅቡቕ ድልየት እናገልገልኩም። ባርያ ኹን ናፃ፥ ነፍሲ ወከፍ ዝገበሮ ፅቡቕ፥ ካብ ጐይታ ኸም ዝቕበል ፍለጡ።

ኣቱም ጐይቶት፥ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ፥ ኣብኡ ኸዓ ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ፈሊጥኩም፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበርዎም፤ ምፍርራሕ ኣቋርፁ።

ኵሉ ኣፅዋር ኣቦና

ኣብ መወዳእታ፥ ብጐይታን ብሓይሊ ብርታዐኡን ፅንዑ። ኣብ ቅድሚ ተንኮል ድያብሎስ ደው ክትብሉ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ኣፅዋር ኣቦና ልበሱ። a a v11 እዝ ኣብዙይ ተገሊፁ ዘሎ ኣፅዋር፥ ናይቲ ተዋጋኣይ ባዕሉ ኣይኮነን፤ ነቶም ውሉዱ ንመዓልቲ ውግእ ዝተውሃቦም፥ ናይ ኣቦና ባዕሉ ኣፅዋር ደኣ እዩ። ቅልስና ምስ ስጋን ደምን ዘይኮነስ፥ ምስቶም ገዛእትን ስልጣናትን፥ ምስ ገዛእቲ ናይ እዝ ሕዚ ዘሎ ዓለም ፀልማት፥ ኣብ ሰማያዊ ስፍራታት ምስ ዘለዉ እኩያት መንፈሳውያን ሓይልታት ደኣ እዩ። ስለዙይ በታ እኽፍቲ መዓልቲ ደው ክትብሉ፥ ኵሉ ምስ ገበርኩም ድማ ፅኒዕኹም ደው ክትብሉ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ኣፅዋር ኣቦና ልበሱ። እምበኣር ቅናት ሓቂ ኣብ ሕቘኹም ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ፅድቂ ተኸዲንኩም ደው በሉ፤ ኣእጋርኩም ከዓ፥ በቲ ኻብ ወንጌል ሰላም ዝርከብ ድሉውነት ይወደዩ። ኣብ ኵሉ ኵነታት፥ ኵሉ ነዳዲ ፍላፃታት እቲ እኩይ ከተጥፍኡ እትኽእሉላ፥ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ቝራዕ ርእሲ ምድሓን፥ ሰይፊ መንፈስ ድማ ተቐበሉ፤ እዙይ ከዓ ቓል ኣቦና እዩ። ኵሉ ጊዜ ብመንፈስ፥ ብዅሉ ፀሎት፥ ብልመና ድማ ፀልዩ። ምእንቲ ዅሎም ቅዱሳን እናማለድኩም ድማ፥ ብዅሉ ፅንዓት ነዙይ ትግሁ፤ ምእንታይ ድማ ፀልዩ፤ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ምእንቲ ኽገልፅ፥ ኣፈይ እንተ ኸፈትኩ ቃል ክወሃበኒ። ከምቲ ኽዛረቦ ዝግብአኒ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረቦ፥ ብዛዕባ እዙይ ብሰንሰለት ተኣሲረ ልኡኽ ኮይነ ኣለኹ።

ናይ መወዳእታ ሰላምታ

ንስኻትኩምውን ኵነታተይን ዝገብሮ ዘለኹ ነገርን ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ቲኪቆስ፥ እቲ ፍቑር ሓውን ብጐይታ እሙን ኣገልጋልን፥ ኵሉ ኽነግረኩም እዩ። ብዛዕባና ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ንልብኹምውን ምእንቲ ኸፀናንዕ፥ ስለ እዙይ ናባኻትኩም ለኣኽክዎ።

ካብ ኣቦናን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ሰላምን እምነት ዝተሓወሶ ፍቕርን፥ ንኣሕዋት ይኹን። ፀጋ ምስ ኵሎም እቶም ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይጠፍእ ፍቕሪ ዘፍቅርዎ ይኹን።