ከም ውሉድ ብርሃን ንበሩ
ከምቲ ውሉድ ንወለዶም ዝመስልዎ፥ ንኣቦና ተመሰልዎ፥ ፍቕሪ ድማ ከምቲ ክርስቶስ ነፍሱ ኣሕሊፉ ዝሃበ ይምሰል። ጳውሎስ ንፀልማት ምስ ብርሃን፥ ንስኽራን ምስ መንፈስ የነፃፅር፥ ሽዑ ነቲ ሓድሕዳዊ ተገዛእነት ናብ መውስቦ የውዕሎ፤ ሰብኡት ድማ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ቤተ ክርስቲያን ዘፍቀራ ኼፍቅሩ ተነጊርዎም።
5 1እምበኣር፥ ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተመሰልቲ ኣቦና ኩኑ። 2ብፍቕሪ ንበሩ፤ ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ንኣቦና ምዑዝ መባእን መስዋእትን ኮይኑ ነፍሱ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ ግበሩ።
3ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ስስዐን፥ ከምቲ ንቅዱሳን ዝግባእ፥ ኣብ ማእኸልኩም ከቶ ኣይጥቀስ። 4ርኽሰትን ዕሽነት ዘረባን ዘይግባእ ላግፅን ኣባኻትኩም ኣይርከብን፤ ኣብ ክንድኡ ደኣ ኣምስግኑ። 5እዙይ ፍለጡ፦ ዘማዊ ኮነ ርኹስ ወይ ስሱዕ፥ ንሱ ኸዓ መምለኺ ጣዖት እዩ እሞ፥ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣቦናን ርስቲ ዘለዎ ሓደ እኳ የለን።
6ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣይታልልኩም፤ ስለ ነገራት እዙይ ቍጥዓ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይእዘዙ ይመፅእ እዩ እሞ። 7ስለዙይ ምሳታቶም ተኻፈልቲ ኣይትኹኑ፤
8ቀደም ፀልማት ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ብጐይታ ብርሃን ኢኹም፤ ከም ውሉድ ብርሃን ንበሩ። 9ፍረ ብርሃን ኣብ ኵሉ ሰናይን ፅድቅን ሓቅን ይርከብ እዩ እሞ፥ 10እቲ ንጐይታ ባህ ዘብሎ እንታይ ምዃኑ ፈትኑ። 11ኣብቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ፀልማት ኣይትተኻፈሉ፤ ግለፅዎ ደኣ እምበር። 12እቲ ብሕቡእ ዝገብርዎ ነገር፥ ምዝራብ እኳ ነውሪ እዩ እሞ። 13ኵሉ ነገር ግና ብብርሃን ምስ ተገልፀ፥ ይረአ እዩ፤ 14ዝረአ ዅሉ ብርሃን እዩ እሞ። ስለዙይ ከምዙይ ይብል፦ “ኣታ ደቃሳይ ንቃሕ፥ ካብ ሙታንውን ተስእ፥ ክርስቶስ ድማ ከብርሃልካ እዩ።” a a v14 እዙይ ምናልባት ናይ ቀዳሞት ክርስትያን መዝሙር ወይ ፅውዓ ጥምቀት እዩ፤ ካብ ብሉይ ኪዳን ብቐጥታ ኣይጠቅስን እዩ።
15እምበኣር ከመይ ከም እትመላለሱ ተጠንቂቕኩም ተመልከቱ፤ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት፤ 16እቲ መዓልቲታት ክፉእ እዩ እሞ፥ ነቲ ጊዜ ብግቡእ ተጠቐሙሉ። 17ስለዙይ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፥ ዓያሹ ኣይትኹኑ። 18ብወይኒ ኣይትስከሩ፥ እዙይ ዕብዳን ንብረት እዩ፤ ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር። 19ብመዝሙራትን ብምስጋናን ብመንፈሳዊ ደርፍታትን ንስንሳትኩም ተዛረቡ፤ ኣብ ልብኹም ድማ ንጐይታ እናዘመርኩምን እናቃነኹምን፤ 20ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዅልሻዕ ስለ ዅሉ ነገር ንኣቦና እናመስገንኩም፤ 21ንክርስቶስ ብምፍራሕ ንስንሳትኩም ተማእዘዙ።
ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረ ኣፍቅሩ
22ኣንስቲ፥ ከምቲ ንጐይታ፥ ንሰብኡትክን ተገዛኣኦም። 23ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቲ እዩ እሞ፥ ከምቲ ክርስቶስ ድማ ርእሲ እታ ስጋኡ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ፤ ባዕሉ ኸዓ መድሕና እዩ። 24እምበኣር ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ እትግዛእ፥ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ብዅሉ ነገር ንሰብኡተን ይገዛኣ።
25ኣቱም ሰብኡት፥ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣፍቂሩ ነፍሱ ምእንታኣ ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ነንስትኹም ኣፍቅሩ፤ 26ነታ ብቓል ብማይ ሓፂቡ ኣንፂሁ ቅድስቲ ክገብራ፥ 27ነታ ቤተ ክርስቲያን ክብርቲ ገይሩ፥ ኣበርን ዕፀፍፀፍን ወይ ከምኡ ዝበለ ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላ ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ። 28ከምኡ ድማ ሰብኡት ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም የፍቅርወን። ንሰበይቱ ዘፍቅር፥ ንርእሱ የፍቅር ኣሎ። 29ሓደ እኳ ንስጋኡ ፀሊእዎ ዝፈልጥ የለን፤ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ቤተ ክርስቲያን ዝገብረላ፥ ይምግቦ ይኣልዮን ደኣ እምበር። 30ኣካላት ስጋኡ ኢና እሞ። 31“በዝ ምኽንያት እዙይ ሰብኣይ ንኣቦኡን ንእኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይዋሃድ፥ እቶም ክልተ ድማ ሓደ ስጋ ይኾኑ።” 32እዝ ምስጢር እዙይ ዓብዪ እዩ፤ ኣነ ግና ብዛዕባ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያን እየ ዝዛረብ ዘለኹ። 33ኮይኑ ግና ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ከም ነፍሱ የፍቅራ፤ ሰበይቲ ድማ ንሰብኣያ ተኽብሮ።