ብቕዓት ፀውዓኹም ተመላለሱ
ሓድነት ማዕረ ምዃን ኣይኮነን፦ ሓደ ጐይታን ሓደ ኣቦን ኣሎ፥ ውህበታት ግና ይፈላለ፥ መራሕቲ ድማ ኣብ ክንዲ ባዕልቶም ስራሕ ዝሰርሑ ንዅሉ ምእንቲ ኽዳልዉ ኣለዉ። ምዕባይ ማለት ድሕሪ ደጊም ብማዕበል ዘይምንቅጥቃጥ እዩ። ሽዑ ኣዚዮም ልሙዳት ትእዛዛት፦ ሓቂ ተዛረብ፥ ስራሕ፥ ንኣፍካ ሓሉ።
4 1እምበኣር ኣነ፥ እቲ ብጐይታ እሱር፥ በቲ እተፀዋዕኩምሉ ፀውዓ ብቕዓት ዘለዎ ኽትመላለሱ እምዕደኩም ኣለኹ፥ 2ብዅሉ ትሕትናን ለውሃትን፥ ብትዕግስትን፥ ብፍቕሪ ንሓድሕድኩም እናተፃወርኩም፥ 3ነቲ ሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ንምሕላው ጽዓሩ። 4ሓደ ስጋ ኣሎ፥ ሓደ መንፈስ ድማ ኣሎ፤ ከምኡውን ናብቲ ብፀውዓኹም ዝመፅእ ሓደ ተስፋ ተፀዊዕኩም ኢኹም። 5ሓደ ጐይታ፥ ሓደ እምነት፥ ሓደ ጥምቀት፥ 6ሓደ ኣቦ ዅሉ ድማ ኣሎ፤ ንሱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ፥ ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ እዩ።
7ንነፍሲ ወከፍና ግና፥ ከም መጠን ውህበት ክርስቶስ፥ ፀጋ ተውሃበ። 8ስለዙይ ከምዙይ ይብል፦ “ናብ ላዕሊ ደይቡ፥ ንምሩኻት ማረኾም፥ ንሰብ ድማ ውህበታት ሃቦም።” a a v8 ጳውሎስ ካብ መዝሙር 68፡18 እዩ ዝጠቅስ ዘሎ፤ እዙይ ድማ ዓወት ዝገብር ንጉስ ዘኽብር መዝሙር ዓወት እዩ። ነዙይ ከዓ ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ናብ ዕርገት ክርስቶስ የመልክቶ።
9ሕዚ፥ እዝ “ደየበ” ዝብል፥ ናብ ታሕተዎት ክፍሊ ምድሪ ድማ ከም ዝወረደ እንተ ዘይኮይኑ፥ እንታይ ማለት እዩ? 10እቲ ዝወረደ፥ ንሱ እቲ ንዅሉ ምእንቲ ኽመልእ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰማያት ናብ ላዕሊ ዝደየበ እዩ።
11ንሱ ድማ ነቶም ሃዋርያት፥ ነቶም ነብያት፥ ነቶም ወንጌላውያን፥ ነቶም ጓሶትን መምህራንን ሃበ፥ 12ንቕዱሳን ንስራሕ ኣገልግሎት ንምድላው፥ ስጋ ክርስቶስ ድማ ንምህናፅ፥ 13ኵላትና ኣብ ሓድነት እምነትን ኣብ ፍልጠት ወዲ ኣቦናን፥ ናብ ፍፁም ሰብ፥ ናብ ምሉእ መጠን ቑመትን ምልኣትን ክርስቶስ ክሳዕ እንበፅሕ እዩ። 14ስለዙይ ድሕሪ ደጊም ሕፃናት ኣይኮናን፤ ብማዕበል እናተነቓነቕና፥ ብተንኰል ሰብን ንምትላል ብዝሕሰብ ጕርሕን ዝመፅእ ዅሉ ንፋስ ትምህርቲ እናተፀዓድናን ኣይኮናን። 15ደኣ እምበር፥ ብፍቕሪ ሓቂ እናተዛረብና፥ ኣብ ኵሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ። 16ካብኡ እቲ ብምሉኡ ስጋ፥ በቲ ዝድግፍ ኵሉ መላግቦ ተጋጢሙን ተኣሳሲሩን፥ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ከም ግቡእ እናሰርሐ፥ ነቲ ስጋ ባዕሉ ብፍቕሪ ንምህናፅ ይዓቢ።
ነቲ ሓድሽ ሰብ ልበሱ
17ስለዙይ እዙይ እብል ኣለኹ፥ ብጐይታ ድማ እምስክር ኣለኹ፦ ድሕሪ ደጊም ከምቶም ኣህዛብ፥ ብኸንቱ ሓሳቦም ኣይትንበሩ። 18ብምስትውዓሎም ፀልሚቶም፥ በቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቁርናን ብትሪ ልቦምን፥ ካብ ህይወት ኣቦና ተፈልዮም ኣለዉ። 19ኵሉ ስምዒት ስኢኖም፥ ብስስዐ ኵሉ ዓይነት ርኽሰት ንምፍፃም፥ ንፍትወት ስጋ ባዕልቶም ኣሕሊፎም ሃቡ። 20ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዙይ ኢልኩም ኣይተማሃርኩምዎን፥ 21ብዛዕባኡ ሰሚዕኹም እንተ ኔርኩም፥ ከምቲ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ዘሎ ድማ ብእኡ ተማሂርኩም እንተ ኔርኩም፥ 22ነቲ ምስ ናይ ቀደም ኣነባብራኹም ዝተኣሳሰረ፥ ብምትላል ትምኒት ዝበላሸወ ኣረጊት ሰብኩም ከተውፅእዎ፥ 23ብመንፈስ ኣእምሮኹም ድማ ክትሕደሱ፥ 24ነቲ ብሓቀኛ ፅድቅን ቅድስናን ከም ኣቦና ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ድማ ክትለብሱ።
25ስለዙይ ሓሰት ኣርሕቑ፤ ነፍሲ ወከፍኩም ምስ ብፃዩ ሓቂ ይዛረብ፤ ኣካላት ንሓድሕድና ኢና እሞ። 26ተቘጥዑ፥ ሓጢኣት ግና ኣይትግበሩ፤ ፀሓይ ኣብ ልዕሊ ቍጥዓኹም ኣይትዕረብ፤ 27ንድያብሎስ ድማ ዕድል ኣይትሃብዎ። 28እቲ ሰራቒ ድሕሪ ደጊም ኣይስረቕ፤ ደኣ እምበር፥ ነቲ ፅጉም ዝህቦ ምእንቲ ኽህልዎ፥ ብገዛእ ኣእዳዉ ሰናይ ነገር እናገበረ ይፅዓር። 29ንሰማዕቲ ፀጋ ምእንቲ ኽህብ፥ ከም ኣድላይነቱ ንምህናፅ ዝጠቅም እምበር፥ ዝኾነ ክፉእ ቃል ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ። 30ነቲ ንመዓልቲ ቤዛ ዝሓተመኩም መንፈስ ቅዱስ ኣቦና ኣይተሕዝኑ። 31ኵሉ መሪርነትን ነድርን ቍጥዓን ጫውጫውታን ፅርፈትን፥ ምስ ኵሉ እከይ ካባኻትኩም ይርሓቕ። 32ከምቲ ኣቦና ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለኩም፥ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኩኑ፥ ንሓድሕድኩም ድማ ይቕረ ተበሃሃሉ።