ናብ ሰብ ቆላስይስ ዝተገብረ ሰላምታ
ጳውሎስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነገር ዘሎ ልዕልና ክርስቶስ የልዕል፤ ካብተን ንእኡ ዘትሕታ ጓንጓ ትምህርቲ ሰባት ከዓ የጠንቅቕ።
1 1ብፍቓድ ኣቦና ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ጳውሎስን፥ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ 2ናብቶም ኣብ ቆላስይስ ዘለዉ፥ ቅዱሳን እሙናት ኣብ ክርስቶስ ዝኾኑ ኣሕዋት፦ ካብ ኣቦና ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ብዛዕባ እምነትኩም ምስጋና
3ንኣቦና፥ ነቲ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዛዕባኻትኩም እናፀሌና ኵልሻዕ ነመስግኖ ኣለና። 4ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ እምነትኩምን፥ ንዅሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ስለ ዝሰማዕናዮ፥ 5ብሰንኪ እታ ኣብ ሰማይ ተዓቂባትልኩም ዘላ ተስፋ ኢና ዘመስግን ዘለና፤ ነዛ ተስፋ እዚኣ ድማ ቀደም በቲ ናይ ሓቂ መልእኽቲ፥ በቲ ወንጌል ሰሚዕኩምዋ ኢኹም፤ 6እዝ ወንጌል እዙይ ናባኻትኩም በፂሑ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ዝገበሮ፥ ኣብ ኵላ ዓለም ፍረ እናፍረየን እናዓበየን ኣሎ፤ ፀጋ ኣቦና ኻብ ዝሰማዕኹምላን ብሓቂ ኻብ ዘስተውዓልኹምላን መዓልቲ ጀሚሩ እዩ። 7ነዙይ ካብ ኤጳፍራስ፥ እቲ ፍቑር ብፃይ ኣገልጋልና፥ ምእንታና እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ፥ ተማሂርኩም ኢኹም፤ 8ንሱ ድማ ብዛዕባ እታ ብመንፈስ ቅዱስ ዘላትኩም ፍቕሪ ነገረና።
9ስለዙይ ንሕና ኻብ ዝሰማዕናዮ መዓልቲ ጀሚርና፥ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠት ፍቓዱ ምእንቲ ኽትመልኡ እናለመንና፥ ብዛዕባኻትኩም ምፅላይ ኣየቋረፅናን፤ 10ከምዙይ ድማ ንጐይታ ዝግባእ መነባብሮ ክትመላለሱ፥ ብዅሉ ባህ ከተብልዎ፥ ብዅሉ ሰናይ ተግባር ፍረ እናፍረኹም፥ ብፍልጠት ኣቦናውን እናዓበኹም፥ 11ንዅሉ ፅንዓትን ትዕግስትን ብሓጐስ ምእንቲ ኽትፅመሙ፥ በቲ ግሩም ሓይሉ ብዅሉ ስልጣን እናተጠናኸርኩም፥ 12ነቲ ኣብ ብርሃን ዘሎ ርስቲ ቅዱሳን ክትማቐሉ ዘብቅዓኩም ኣቦና እናመስገንኩም። 13ንሱ ኻብ ግዝኣት ፀልማት ኣናጊፉና፥ ናብ መንግስቲ እቲ ፍቑር ወዱ ኣእተወና፤ 14ብእኡ ድማ ምድሓን፥ ሕድገት ሓጢኣት ኣለና።
ወልድ ካብ ኵሉ ነገር ልዕል ዝበለ
15ንሱ ናይቲ ዘይረአ ኣቦና ምስሊ፥ ናይ ኵሉ ፍጥረት በዅሪ እዩ። a a v15 ወልድ ናይቲ ሓደ እኳ ርእይዎ ዘይፈልጥ ኣቦ ዝረአ ኣምሳል እዩ፤ ንኢየሱስ ምርኣይ፥ ኣቦና ከመይ ምዃኑ ምርኣይ እዩ። 16ኵሉ ነገር ብእኡ ተፈጢሩ እዩ እሞ፦ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ፥ ዝረአ ኮነ ዘይረአ፥ ዙፋናት ኮነ ግዝኣት፥ ሓይልታት ኮነ ስልጣናት፤ ኵሉ ብእኡን ንእኡን ተፈጠረ። 17ንሱ ቕድሚ ዅሉ ነገር ኣሎ፤ ኵሉ ነገር ድማ ብእኡ ይፀንዕ። 18ንሱ ናይ ሰብነት፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ርእሲ እዩ። ኣብ ኵሉ ቐዳማይ ቦታ ምእንቲ ኽህልዎ፥ ንሱ መጀመርታ፥ ካብ ምዉታን በዅሪ እዩ። 19ኣቦና ምልኣቱ ዅሉ ኣብ ወልድ ክሓድር ባህ ኢልዎ እዩ እሞ፥ 20ብእኡ ኸዓ፥ ብደም መስቀሉ ሰላም ገይሩ፥ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኮነ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኵሉ ነገር ናብ ርእሱ ኼተዓርቕ ባህ ኢልዎ።
21ንስኻትኩም ቀደም፥ ብክፉእ ግብርኹም ምኽንያት፥ ካብ ኣቦና ርሑቓት፥ ብሓሳብኩምውን ፀላእቲ ነበርኩም። 22ሕዚ ግና ኣቦና፥ ቅዱሳንን ነውሪ ዘይብልኩምን ኣብ ቅድሚኡ ዘይንቀፉን ገይሩ ኼቕርበኩም፥ ብስጋ ክርስቶስ ብሞት ኣተዓረቐኩም፤ 23እንተ ደኣ ብሓቂ ኣብ እምነት ተሰሪትኩምን ፀኒዕኹምን፥ ካብታ ዝሰማዕኽምዋ ተስፋ ወንጌል ከይተንቀሳቐስኩም ፀኒዕኹም። እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ተሰቢኹ እዩ፤ ኣነ ጳውሎስ ድማ ኣገልጋሊኡ ኾይነ ኣለኹ።
መከራ ጳውሎስ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን
24ሕዚ ብዛዕባኻትኩም ብዝቕበሎ መከራ እሕጐስ ኣለኹ፤ ምእንቲ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ድማ፥ ነቲ ኣብ መከራ ክርስቶስ ገና ዝጐድል ዘሎ፥ ብስጋይ እመልኦ ኣለኹ። b b v24 ጳውሎስ እቲ መስቀል ዘይተፈፀመ እዩ ኢሉ ኣይኮነን፤ ናይ ባዕሉ መከራ ነቲ ናይ ክርስቶስ ዘድሕን ዕዮ ብቤተ ክርስቲያን፥ ብሰብነቱ ገይሩ ኸም ዘስፋሕፍሖ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። 25ነቲ ቓል ኣቦና ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ኣቦና ብዛዕባኻትኩም ብዝሃበኒ ሓላፍነት ኣገልጋሊኣ ኾይነ። 26እዝ ድማ እቲ ንዘመናትን ንወለዶታትን ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ንቅዱሳኑ ዝተገለፀ ምስጢር እዩ። 27ኣቦና ናይዝ ምስጢር እዙይ ግሩም ሃብቲ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ንኣኣቶም ክገልፅ ደለየ፤ እዙይ ድማ፥ እቲ ተስፋ ክብሪ ዝኾነ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ክርስቶስ እዩ። 28ንሕና ንእኡ ንሰብኽ ኣለና፤ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ክርስቶስ ፍፁም ገይርና ምእንቲ ኸነቕርቦ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዅሉ ጥበብ እናመዓድናን እናመሃርናን ኣለና። 29ስለዙይ፥ በቲ ኣብ ውሽጠይ ብሓይሊ ዝዓዪ ዘሎ፥ ኣቦና ዝህበኒ ዅሉ ጕልበት እናተቓለስኩ፥ እዓዪ ኣለኹ።