ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ጳውሎስ ምእንታኦም ዝገበሮ ተጋድሎ

ጳውሎስ ምእንቲ እቶም ብኣካል ዘይረኣዮም ኣመንቲ ብፀሎት ይጋደል፥ ብተንኰለኛ ፍልስፍና፥ ብስርዓት ብልዒ፥ ወይ ብራእይ መላእኽቲ ካብ ዝማረኹ ንላዕሊ፥ ኣብ ክርስቶስ ክሰርፁ ይደሊ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ ናይ ዕዳ መዝገብ ድሮ ኣብ መስቀል ተቐፊሩ ኣሎ፤ ኣቦና ድማ ምስ ክርስቶስ ኣተስኦም።

ምዕራፍ 2።

ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ላዶቅያ ዘለዉን ምእንቲ ዅሎም እቶም ብኣካል ዘይረኣዩንን፥ ክንደይ ከም ዝጋደል ዘለኹ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ፤ ልቦም ምእንቲ ክፅናናዕ፥ ብፍቕሪ ተኣሲሮም፥ ናብ ኵሉ ሃብቲ ምሉእ ርግፀኝነትን ምስትውዓልን ምእንቲ ክበፅሑ፥ ከምኡውን ናብ ፍልጠት ምስጢር ኣቦና ምእንቲ ክበፅሑ፥ ንሱ ኸዓ ክርስቶስ እዩ፥ ኵሉ ሃብቲ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሓቢኡ ኣሎ። ሓደ እኳ ብዘስምዕ ዘረባ ምእንቲ ኸየስሕተኩም፥ እዙይ እብል ኣለኹ። ብስጋ እኳ ርሑቕ እንተ ኾንኩ፥ ብመንፈስ ግና ምሳኻትኩም ኣለኹ፤ ሰናይ ስርዓትኩምን ብክርስቶስ ዘሎ ፅንዓት እምነትኩምን እናረአኹ ተሓጒሰ ኣለኹ።

ብእኡ ተሰሪፅካን ተሃኒፅካን

እምበኣር ከምቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታ ዝተቐበልኩምዎ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ብእኡ ተሰሪፅኩምን ተነዲቕኩምን፥ ከምቲ እተምሃርኩምዎ ብእምነት ፀኒዕኹም፥ ብምስጋና ተመሊእኹም።

ሓደ እኳ ብፍልስፍናን ብከንቱ ተንኰልን ምእንቲ ኸይማርኸኩም ተጠንቀቑ፤ እዙይ ከዓ ከም ልምዲ ሰብ፥ ከም ባእታዊ መናፍስቲ ዓለም እዩ እምበር፥ ከም ክርስቶስ ኣይኮነን። a a v8 ባእታዊ መናፍስቲ ዓለም፦ እቶም ብዘይ ክርስቶስ ንሰብ ተማሪኾም ዝሕዝዎ መንፈሳዊ ሓይልታትን መሰረታዊ ስርዓታትን እዮም። ኵሉ ምልኣት መለኮት ብኣካል ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፥ ኣብኡ ድማ ፍፁማት ኴንኩም ኣለኹም፤ ንሱ ኸዓ ናይ ኵሉ ግዝኣትን ስልጣንን ርእሲ እዩ። ኣብኡ ድማ ተገሪዝኩም ኢኹም፤ እዛ ግርዘት እዚኣ ብኢድ ዘይተገብረት፥ ነቲ ስጋዊ ኣካል ብምቕንጣጥ ዝኾነት፥ ግርዘት ክርስቶስ እያ። b b v11 ብዘይ ኢድ ዝተገብረት ግርዘት፦ ስጋዊ ስርዓት ዘይኮነስ፥ መንፈሳዊ ለውጢ ልቢ እዩ። ብጥምቀት ምስኡ ተቐቢርኩም ኢኹም፤ ብእኡ ድማ በቲ ኻብ ምዉታት ብዘተስኦ ሓይሊ ኣቦና ብምእማን፥ ምስኡ ተንሲእኩም ኢኹም። ንስኻትኩም ብሓጢኣትኩምን ብዘይተገረዘ ስጋኹምን ምዉታት ኔርኩም፤ ኣቦና ግና ኵሉ ሓጢኣትና ይቕረ ኢሉ፥ ንኣኻትኩም ምስኡ ህያዋን ገበረ። ነቲ ኣብ ልዕሌና ደው ኢሉ ዝነበረ፥ ምስ ሕግጋቱ ዝነበረ ናይ ዕዳ መዝገብ ደምሲሱ፥ ካብ ማእኸል ኣልዒሉ ኣብ መስቀል ቀፀሎ። ነቶም ገዛእትን ስልጣናትን ኣፅዋሮም ገፊፉ፥ ብግህዶ ኣሕፈሮም፤ ብእኡ ኸዓ ሰዓሮም።

ስለዙይ ብብልዒ ኾነ ብመስተ፥ ብበዓል ኾነ ብሓዳስ ወርሒ ኾነ ብሰንበት፥ ሓደ እኳ ኣይፍረደኩም። እዚኣቶም ናይቲ ክመፅእ ዝነበሮ ነገር ፅላሎት እዮም፤ እቲ ሓቀኛ ነገር ግና ናይ ክርስቶስ እዩ። ብሓሰት ትሕትናን ብምምላኽ መላእኽትን እናተሓጐሰ፥ ዝረኣዮ ራእይ እናተመርኰሰ፥ ብሓሳብ ስጋኡ ብኸንቱ እናተነፍሐ፥ ሓደ እኳ ዓስብኹም ኣይመንዝዓኩም። ነቲ ርእሲ ድማ ኣይሕዝን እዩ፤ ካብቲ ርእሲ ኸዓ፥ ኵሉ ኣካል ብመጋጠምን ብጅማትን እናተመገበን እናተጋጠመን፥ በቲ ኻብ ኣቦና ዝኾነ ዕቤት እናዓበየ ይኸይድ።

ምስ ክርስቶስ ካብ ባእታዊ መናፍስቲ ዓለም እንተ ሞትኩም ደኣ፥ ስለ ምንታይ ገና ኣብ ዓለም ከም ዘለኹም ኴንኩም፥ ንስርዓታታ ትግዝኡ ኣለኹም? “ኣይትሓዝ፥ ኣይትጥዐም፥ ኣይትንክእ” ዝብል? እዚኣቶም ኵላቶም ብምጥቃም ዝጠፍኡ እዮም፤ ኣብ ትእዛዛትን ትምህርትን ሰብ ዝተመርኰሱ እዮም እሞ። እዞም ስርዓታት እዚኣቶም፥ ብፍቓድ ዝተመሃዘ ኣምልኾ፥ ናይ ሓሰት ትሕትና፥ ንስጋ ብምጭናቕን፥ ጥበብ ዘለዎም ይመስሉ፤ ንፍትወት ስጋ ኣብ ምግታእ ግና ዋጋ የብሎምን።