ናብ ህይወት ኣቦ ዝተንስኡ
ምስ ክርስቶስ ተንሲኦም እዮም እሞ፥ ናይ ሓቂ ህይወቶም ምስኡ ኣብ ኣቦና ተሓቢኡ ኣሎ። ስለዙይ ቍጥዓ፥ ሓሰትን ስስዐን ቀንጢጦም፥ ከም ሕሩያትን ፍቑራትን ኣቦና፥ ርህራሄ፥ ትዕግስትን ይቕረ ምባልን ይኽደኑ። ኣባይትን ስራሕን ድማ በቲ ፍቕሪ እቲ ይቕየሩ።
3 1እምበኣር ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም ኢኹም እሞ፥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ፥ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣቦና ተቐሚጡ ኣብ ዘለዎ፥ ድለዩ። 2ኣእምሮኹም ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነገር ኣቕንዑ እምበር፥ ነቲ ናይ ምድሪ ነገር ኣይኹን። 3ሞይትኩም ኢኹም እሞ፥ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣቦና ተሓቢኡ ኣሎ። 4ክርስቶስ፥ እቲ ህይወትኩም፥ ምስ ዝግለፅ፥ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ክትግለፁ ኢኹም።
5እምበኣር ነቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ምድራዊ ነገር ቅተሉ፦ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ፍትወት፥ ክፉእ ትምኒት፥ ስስዐ፤ እዙይ ከዓ ምምላኽ ጣዖት እዩ። 6ብሰንኪ እዝ ነገር እዙይ፥ ቍጥዓ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይእዘዝዎ ክመፅእ እዩ። 7ንስኻትኩምውን ቀደም ከምዙይ ትነብሩ ኔርኩም፤ ህይወትኩም ድማ እዙይ ነበረ። 8ሕዚ ግና እዝ ኵሉ ኣርሕቑ፦ ኵራ፥ ቍጥዓ፥ እከይ፥ ሓሜት፥ ካብ ኣፍኩም ዝወፅእ ነውራም ዘረባ። 9ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ግብሩ ቀንጢጥኩም ኢኹም እሞ፥ ንሓድሕድኩም ኣይትሓሳሱ፤ 10ነቲ ሓድሽ ሰብነት ድማ ተኸዲንኩም ኢኹም፤ እዙይ ከዓ ከም መልክዕ እቲ ፈጣሪኡ ብፍልጠት እናተሓደሰ ይኸይድ። 11ኣብኡ ግሪኻዊ ወይ ኣይሁዳዊ፥ ግሩዝ ወይ ዘይግሩዝ፥ ኣረሜናዊ፥ እስኩታዊ፥ ባርያ ወይ ናፃ የለን፤ ክርስቶስ ደኣ ኵሉ እዩ፥ ኣብ ኵሉ ድማ ኣሎ።
12እምበኣር፥ ከም ሕሩያት ኣቦና፥ ቅዱሳንን ፍቑራትን፥ ርህራሄ ልቢ፥ ሕያዋይነት፥ ትሕትና፥ ህድኣት፥ ትዕግስቲ ተኸደኑ። 13ንሓድሕድኩም ተፃወሩ፤ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ዝኾነ ቅርታ እንተ ኣለኩም ድማ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ጐይታ ይቕረ ዝበለኩም፥ ንስኻትኩምውን ይቕረ በሉ። 14ኣብ ልዕሊ እዝ ኵሉ ድማ፥ ነቲ ንዅሉ ብፍፁም ሓድነት ዝኣስር ፍቕሪ ተኸደኑ። 15ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይንገስ፤ ናብኡ ኸዓ ከም ሓደ ኣካል ኮይንኩም ተፀዊዕኹም ኢኹም። ኣመስገንቲ ኩኑ። 16ቃል ክርስቶስ ብብዝሒ ኣባኻትኩም ይንበር፤ ብዅሉ ጥበብ ንሓድሕድኩም እናመሃርኩምን እናተመዓዓድኩምን፥ ብልብኹም ብምስጋና ንኣቦና መዝሙርን ዝማረን መንፈሳዊ ደርፍታትን ዘምሩ። 17ብቓል ኮነ ብግብሪ እትገብርዎ ኵሉ፥ ንኣቦና ብእኡ እናኣመስገንኩም፥ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ግበርዎ።
ብፍቕሪ ዝተቐረፀ ቤተ ሰብ
18ኣትን ኣንስቲ፥ ከምቲ ብጐይታ ዝግባእ፥ ንሰብኡትክን ተገዛእአን።
19ኣቱም ሰብኡት፥ ነንስትኹም ኣፍቅሩ፤ ኣይትጨክኑወንውን።
20ኣቱም ውሉድ፥ እዙይ ንጐይታ ባህ ዘብል እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዙ።
21ኣቱም ኣቦታት፥ ደቅኹም ተስፋ ከይቖርፁ፥ ኣይተቘጥዕዎም።
22ኣቱም ባሮት፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም ብዅሉ ተኣዘዙ፤ ሞገስ ክትረኽቡ ኢልኩም ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንጐይታ እናፈራህኩም ብቕኑዕ ልቢ ተኣዘዙ። 23እትገብርዎ ኵሉ፥ ንሰብ ዘይኮነስ፥ ንጐይታ ከም እትገብርዎ ጌርኩም፥ ብምሉእ ልብኹም ስርሑ። 24ካብ ጐይታ ርስቲ ኸም ዓስቢ ኽትቕበሉ ኢኹም ኢልኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፤ ንጐይታ ክርስቶስ ተገልግሉ ኢኹም። 25እቲ ዓመፅ ዝገብር ኵሉ፥ እቲ ዝገበሮ ዓመፅ ናብኡ ክምለሰሉ እዩ፤ ኣድልዎ ድማ የለን።