ብጥበብ ተመላለሱ፥ ብእምነት ፀልዩ
ጳውሎስ፥ ተኣሲሩ እንተሎ እኳ፥ ኣቦና ነቲ መልእኽቲ ማዕፆ ኽኸፍተሉ ፀሎት ለመነ፤ ናብቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ብፀጋ ዝመልአ፥ ጨው ዝኣተዎ ዘረባ ኽዛረቡ ኣተባብዐ፥ ደሓር ከዓ ነቶም ፈተውቱ ሓደ ብሓደ ጠቐሰ፦ ቲኪቆስ፥ ኦኔሲሞስ፥ ምእንታኦም ብፅዑቕ ዝፅሊ ኤጳፍራስ፥ ሉቃስ፥ ማርቆስ።
4 1ኣቱም ጐይቶት፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኣለኩም እዩ እሞ፥ ንባሮትኩም እቲ ቅኑዕን ፍትሓውን ሃብዎም።
2ፀሎት ኣዘውትሩ፤ ብምስጋና ኸዓ ኣብኡ እናተጋህኹም ፅንሑ። 3ምእንታና ድማ ፀልዩ፤ ኣቦና ነቲ መልእኽቲ ኸነካፍል ማዕፆ ክኸፍተልና፥ ነቲ ምስጢር ክርስቶስ ድማ ክንነግር፤ ብዛዕባ እዙይ ከዓ ተኣሲረ ኣለኹ፤ 4ከምቲ ኽዛረቦ ዝግብአኒ ድማ ግሉፅ ክገብሮ።
5ናብቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ፤ ነቲ ጊዜ ኣፅኒዕኹም ተጠቐሙሉ። 6ዘረባኹም ኵልሻዕ ብፀጋ፥ ጨው ዝኣተዎ ይኹን፤ ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ከም እትምልሱሉ ፍለጡ። a a v6 ጨው ዝኣተዎ፦ ሓሳበኛን ሰሓብን ዝኾነ፥ ክስማዕ ዝግብኦ ቃል።
ፍቑራት ብፆት ኣገልገልቲ
7ቲኪቆስ፥ እቲ ፍቑር ሓውናን እሙን ኣገልጋልን ኣብ ጐይታ ድማ ብፃይ ባርያን፥ ብዛዕባይ ዅሉ ኽነግረኩም እዩ። 8ነዙይ ናባኻትኩም ዝለኣኽክዎ ድማ፥ ናይና ኵነታት ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ንሱ ኸዓ ንልብኹም ምእንቲ ኸፀናንዕ እዩ፤ 9ምስ ኦኔሲሞስ ድማ፥ እቲ እሙንን ፍቑርን ሓውና፥ ካባኻትኩም ዝኾነ፤ ንሳቶም ነቲ ኣብዙይ ዘሎ ዅሉ ኽነግሩኹም እዮም።
10ኣሪስጥርኮስ ምሳይ እሱር ዝኾነ፥ ማርቆስ ድማ ወዲ ሓወቦኡ በርናባስ፥ ሰላም ይብሉኹም፤ ብዛዕባኡ ትእዛዝ ተቐቢልኩም ኢኹም፦ እንተ መፀኩም ተቐበልዎ፤ 11ኢዮስጦስ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኢየሱስ ድማ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፤ እዚኣቶም ምእንቲ መንግስቲ ኣቦና ካብ መዓይይተይ ኣይሁድ ዝኾኑ በይኖም እዮም፤ ንዓይ ድማ ኣፅናንዑኒ።
12ኤጳፍራስ፥ ካባኻትኩም ዝኾነ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፤ ፍፁማንን ኣብ ኵሉ ፍቓድ ኣቦና ርጉፃትን ኴንኩም ምእንቲ ኽትቀውሙ፥ ኵልሻዕ ብፀሎት ምእንታኻትኩም ይጋደል ኣሎ። 13ንሱ ምእንታኻትኩም፥ ከምኡውን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያን ኣብ ሄራቡሊስን ዘለዉ፥ ብርቱዕ ከም ዝሰርሐ ክምስክረሉ እኽእል እየ። 14ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪም ድማ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፤ ዴማስውን ከምኡ።
15ነቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉ ኣሕዋት፥ ንኒምፋ፥ ከምኡውን ነታ ኣብ ቤታ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ሰላም በልዎም። 16እዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣብ ማእኸልኩም ምስ ተነበበት፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያውን ክትንበብ ግበሩ፤ ነታ ኻብ ሎዶቅያ እትመፅእ ድማ ንስኻትኩም ኣንብብዋ። 17ንኣርኪጶስ ድማ “ነቲ ኣብ ጐይታ ዝተቐበልካዮ ኣገልግሎት ክትፍፅሞ ተጠንቀቕ” በልዎ።
18ኣነ ጳውሎስ፥ እዝ ሰላምታ እዚ ብኢደይ ፅሒፈዮ ኣለኹ። ንመቝሐይ ዘክሩ። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን።