ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ቃል ብዛዕባ ኣህዛብ

እቲ ቐዳማይ ካብቲ ብዛዕባ ኣህዛብ ዝተነግረ ቃል። ግብፂ ኣብ ካርከሚሽ ተኣኪባ፥ ከም ዝውሕዝ ኒል ትለዓል፥ ኣቦና ግና ኣብ ጥቓ ኤፍራጥስ ሰዓራ፤ ካብ ገለዓድ ዝመፅእ በለሳን ኣይፍውሳን። ድሕሪኡ ግብፂ መሊሳ ክትሰፍር እያ፥ ያዕቆብ ድማ ኣይትፍራህ ተባሃለ።

ምዕራፍ 46።

እዝ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ብዛዕባ ኣህዛብ ዝመፀ ቃል ኣቦና እዙይ እዩ።

ኣቦ ንግብፂ ኣብ ካርከሚሽ የዋርዳ

ብዛዕባ ግብፂ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ካርከሚሽ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ዝነበረ ሰራዊት ፈርዖን ኔካዎ ንጉስ ግብፂ፥ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ብራብዓይ ዓመት ዮኣቂም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ዝሰዓሮ፦

“ዓበይትን ኣናእሽትን ዋልታታትኩም ኣዳልዉ፥ ንውግእ ድማ ሕለፉ! ኣፍራስ ፅመዱ፤ ኣቱም ፈረሰኛታት ደዪብኩም ተወጣሕዎም! ቍራዓትኩም ተኸዲንኩም ተሰለፉ፤ ዂናት ልምዑ፥ ድርዒ ተኸደኑ!’ ስለ ምንታይ እዝ እርኢ ኣለኹ? ፈሪሖም፥ ንድሕሪት ይምለሱ ኣለዉ፤ ጀጋኑኦም ተሳዒሮም ወዲቖም። ንድሕሪት ከይጠመቱ ተሃዊኾም ይሃድሙ ኣለዉ፤ ኣብ ዙርያ ኵሉ ራዕዲ ኣሎ! ይብል ኣቦና። “እቲ ቅልጡፍ ክሃድም ኣይኽእልን፥ እቲ ጅግና እውን ከምልጥ ኣይኽእልን። ኣብ ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ይዕንቀፉን ይወድቑን ኣለዉ። እዙይ ከም ኒል ዝለዓል መን እዩ፥ ከም ሩባታት እቲ ማያት ዝናወፅ?”

ግብፂ ኸም ኒል ትለዓል፥ ከም ሩባታት እቲ ማያት ዝናወፅ። ንሳ ኸዓ “ክለዓል እየ፥ ንምድሪ ኽሽፍና እየ፤ ንከተማታትን ነቶም ኣብተን ዝነብሩን ከጥፍኦም እየ” ትብል። ኣቱም ኣፍራስ ገስግሱ! ኣቱም ሰረገላታት ብነድሪ ጐዩ! እቶም ጀጋኑ ይውፁ— ኵሽ፥ ፉጥ፥ እቶም ዋልታ ዝሕዙ፥ እቶም ቀስቲ ዝሕዙን ዝገትሩን ሉዳውያን። እታ መዓልቲ እቲኣ ናይ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ እያ፥ መዓልቲ ፍርዲ፥ ኣብ ፀላእቱ ሕነ ዝፈድየላ እያ። እቲ ሰይፊ ኽሳዕ ዝፀግብ ክበልዕ እዩ፥ ደሞም እናሰተየ ክርወ እዩ፤ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ መስዋእቲ ኣለዎ እሞ፥ ኣብ ምድሪ ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ። a a v10 እቲ ውግእ ከምቲ ኣቦ ዘቕርቦ መስዋእቲ ኾይኑ ተገሊፁ ኣሎ — እቶም ዝተቐትሉ ፀላእቲ እቲ መስዋእቲ እዮም። ኦ ድንግል ጓል ግብፂ! ናብ ገለዓድ ደይቢ በለሳን ውሰዲ፥ ብዙሕ መድሃኒት ክተብዝሒ ትኽእሊ ኢኺ፥ ግና ፈውሲ የብልክን። ኣህዛብ ውርደትኪ ሰሚዖም ኣለዉ፥ ምድሪ ድማ ብኣውያትኪ መሊኣ እያ፤ ጅግና ኣብ ጅግና ይዕንቀፍ እሞ፥ ክልቲኦም ብሓደ ይወድቁ።

ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን መፂኡ ንምድሪ ግብፂ ኽወቕዓ ኸም ዝኾነ፥ ኣቦና ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ ቃል እዙይ እዩ፦

ኣብ ግብፂ ኣውጁ፥ ኣብ ሚግዶል ኣዊጁ ንገርዎ፤ ኣብ ኖፍን ኣብ ታፍናስን ኣዊጁ ንገርዎ። ከምዙይ በሉ፦ “ተሰሊፍኩም ተዳለዉ፥ እቲ ሰይፊ ኣብ ዙርያኹም ዘሎ ኵሉ ይበልዕ ኣሎ እሞ።”

ሓያላትኪ ስለ ምንታይ ተፀራሪጎም? ደው ክብሉ ኣይከኣሉን፥ ኣቦና ደፊኡ ኣውዲቑዎም እዩ እሞ። ንብዙሓት ኣዐንቀፎም፤ እወ፥ ነንሓድሕዶም እናተሰናኸሉ ወደቑ። ከምዙይ ከዓ በሉ፦ “ተንስኡ! ናብ ህዝብና ንመለስ፥ ናብ ዝተወለድናላ ምድሪ፥ ካብቲ ዘጨንቕ ሰይፊ ንህደም።” ኣብኡ ኸዓ “ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ድምፂ ጥራሕ እዩ፤ ነቲ ምዱብ ጊዜ ኣሕሊፉ እዩ” ኢሎም ፀውዑ። ብህይወተይ እምሕል፥ ይብል እቲ ንጉስ፥ ስሙ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ዝኾነ፥ ከምቲ ኣብ ማእኸል እምባታት ዘሎ ታቦር፥ ከምቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዘሎ ቀርሜሎስ፥ ሓደ ክመፅእ እዩ። b b v18 ታቦርን ቀርሜሎስን ካብቶም ኣብ እስራኤል ኣዝዮም ጐሊሖም ዝረኣዩ እምባታት ክልቲኦም ነበሩ — እቲ ምውድዳር ከዓ ሓደ ልዑልን ዘይዕገትን ስዓሪ የመልክት። ኦ ጓል ግብፂ፥ ንምርኮ ዝኸውን ኣቝሑትኪ ኣዳልዊ፥ ኣቲ ብደሓን ተቐሚጥኪ ዘለኺ! ኖፍ ክትባድም እያ፥ ሰብ ዘይነብረላ ዑና ኽትከውን እያ እሞ።

“ግብፂ ፅብቕቲ ዓርሒ እያ፥ ካብ ሰሜን ግና ነዃሲ ፅንፅያ ናብኣ ይመፅእ ኣሎ። እቶም ኣብ ማእኸላ ዘለዉ ዕሱባት ተዋጋእታ እኳ ከም ስቡሕ ዝራብዕ እዮም፤ ንሳቶምውን ተመሊሶም ብሓንሳእ ይሃድሙ፤ መዓልቲ መዓቶም፥ እዋን ቅፅዓቶም ናብኣቶም መፂኡ እዩ እሞ፥ ደው ክብሉ ኣይከኣሉን። ግብፂ ከም ዝሃድም ተመን ድምፂ እናውፅአት ትኸይድ፤ እቲ ፀላኢ ብሓይሊ እናገስገሰ፥ ከም ቆረፅቲ ዕንፀይቲ ብምሳር ናብኣ ይመፅኡ።’ ንዱራ ክቖርፅዎ እዮም፥ ይብል ኣቦና፤ ጥቕቕ ዝበለ እኳ እንተ ኾነ፥ ካብ ኣንበጣ ይበዝሑ እዮም እሞ፥ ክቚፀሩ ኣይኽእሉን። ጓል ግብፂ ክትሓፍር እያ፤ ናብ ኢድ ህዝቢ ሰሜን ክትወሃብ እያ።”

“ኣቦ ሰራዊት ሰማያት፥ ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ንኣሞን ኣምላኽ ቴቤስ፥ ንፈርዖን፥ ንግብፂ፥ ንኣማልኽታን ንነገስታታን፥ ንፈርዖንን ኣብኡ ዝተኣመኑ ኵሎምውን ክቐፅዕ እየ።’ ኣብ ኢድ እቶም ንህይወቶም ዝደልዩ፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምስ ሹመኛታቱ ኣሕሊፈ ክህቦም እየ። ድሕሪ እዙይ ግና ግብፂ ከም ቀደማ ሰብ ዝነብረላ ክትከውን እያ፥ ይብል ኣቦና።

“ንስኻ ግና ኣይትፍራሕ፥ ኣታ ባርያይ ያእቆብ፤ ኣታ እስራኤል፥ ኣይትሸበር። እንሆ ካብ ርሑቕ ከድሕነካ እየ፥ ንደቅኻ ኸዓ ካብ ምድሪ ምርኮኦም ከድሕኖም እየ። ያእቆብ ተመሊሱ ብህድኣትን ብራህዋን ክነብር እዩ፥ ዘፍርሖ ድማ የለን። ኣታ ባርያይ ያእቆብ፥ ኣይትፍራሕ፥ ይብል ኣቦኻ፥ ምሳኻ እየ እሞ። ነቶም ናብኣቶም ዝበተንኩኻ ኵሎም ህዝብታት ፈፂመ እኳ እንተ ኣጥፋእኹዎም፥ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን እየ። ብፍትሒ ኽቐፅዐካ እየ፤ ፈፂመ ብዘይ ቅፅዓት ኣይሓድገካን እየ።”