ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ቃል ተገዳስነት ንባሩክ

ካብ ምፅሓፍ ደኺሙ ዕረፍቲ ንዝሰኣነ ባሩኽ ዝተውሃበ ሓፂር ብሕታዊ ቃል። ሓዘኑ ንእሽተይ ምዃኑ ኣይተነግሮን። ኣቦና ነቲ ዝተኸሎ ይምሕዎ ኸም ዘሎ ተነግሮ እምበር፤ ስለዙይ ባሩኽ ዓበይቲ ነገራት ክደሊ የብሉን፤ ዝሕልዎ ግና ህይወቱ ጥራሕ እዩ።

ምዕራፍ 45።

ኢዮኣቂም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ባሩክ ወዲ ኔርያ ነዝ ቃላት እዙይ ኤርሚያስ እናነገሮ ኣብ መፅሓፍ ምስ ፀሓፎም፥ ነቢይ ኤርሚያስ ንእኡ ዝተዛረቦ ቃል ከምዙይ በለ፦ ኦ ባሩክ፥ ኣቦና ናይ እስራኤል ንኣኻ ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦

ንስኻ ከምዙይ ኢልካ ኢኻ፦ “ወይለይ! ኣቦና ኣብ ልዕሊ ስቓየይ ሓዘን ወሲኹለይ እዩ እሞ፤ ካብ ምቝዛም ደኺመ፥ ዕረፍቲ ኸዓ ኣይረኸብኩን።”

ከምዙይ በሎ፦ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ዝሰራሕክዎ የፍርሶ ኣለኹ፥ እቲ ዝተኸልክዎ ኸዓ ይምሕዎ ኣለኹ፤ ኣብ ብዘላ እዛ ምድሪ።” ንስኻ ኸዓ ንርእስኻ ዓበይቲ ነገራትዶ ትደሊ ኣለኻ? ኣይትድለ። እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ጥፍኣት ከምፅእ እየ፥ ይብል ኣቦና፤ ግና ናብ ዝኸድካዮ ዅሉ፥ ንህይወትካ ከም ምርኮ ኽህበካ እየ። a a v5 ‘ህይወትካ ከም ምርኮ’ ዝብል ናይ ሜዳ ኵናት ኣበሃህላ ነበረ፦ በቲ ዝመፅእ ጥፍኣት ባሩክ ብዘይ ህይወቱ ብኻልእ ነገር ኣይድሕንን ነበረ፤ እዙይ ባዕሉ ኸዓ እቲ ኣቦና ኽሕልዎ ተስፋ ዝኣተወሉ ህያብ ነበረ።