ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ኢድ ኣቦ

ፃድቃንን ጠቢባንን ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዮም፥ ግናኸ ንዅሉ ሓደ ሞት ይበፅሖ፤ እዙይ ከዓ እቲ መምህር እቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ክፉእ ኢሉ ይፅውዖ። ስለዙይ ኣብቲ ኣቦና ዝህበካ ጊዜያዊ መዓልቲታት ብላዕ፥ ስተ፥ ንሰበይትኻ ኣፍቅር፥ እትኽእሎ ኸለኻ ድማ ብሓይልኻ ስራሕ። ጊዜን ኣጋጣምን ንዅሉ ይበፅሖ።

ምዕራፍ 9።

እዝ ዅሉ ኽምርምር ልበይ ኣንበርኩ፦ ፃድቃን፥ ጠቢባንን ግብርታቶምን ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዮም። ፍቕሪ ኾነ ፅልኢ ዝፈልጥ የለን፤ ኵሉ ኣብ ቅድሚኣቶም እዩ ዘሎ። ንዅሉ ሰብ ሓደ ነገር ይበፅሕ፦ ንፃድቕ፥ ንሓጥእ፥ ንፅቡቕ፥ ንፁህን ርኹስን፥ ንዝስውእን ነቲ ዘይስውእን ሓደ ፍርዲ እዩ። ከምቲ ንፅቡቕ፥ ከምኡ ድማ ንሓጥእ፤ እቲ ዝምሕል ከምቲ ኻብ ምምሓል ዝፈርሕ እዩ። ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ኻብ ዝግበር ዅሉ እቲ ኽፉእ እዙይ እዩ፦ ንዅሉ ሓደ ነገር ይበፅሕ። ልቢ ደቂ ሰባት ብክፍኣት ምሉእ እዩ፤ ብህይወት ከለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ይመልእ፤ ድሕሪዙይ ናብ ምዉታት ይኸዱ። እቲ ህያው ዘሎ ዅሉ ተስፋ ኣለዎ፦ ህያው ከልቢ ኻብ ምዉት ኣንበሳ ይሐይሽ። እቶም ህያዋን ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም እሞ፤ እቶም ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን፤ መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩሞ፥ ደጊም ዓስቢ የብሎምን። ፍቕሮምን ፅልኦምን ቅንኦምን ድሮ ጠፊኡ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ኻብ ዝግበር ዝኾነ ነገር ደጊም ከቶ ኣይማቐሉን እዮም።

ኪድ፥ እንጀራኻ ብሓጐስ ብላዕ፤ ወይንኻ ብሕጉስ ልቢ ስተ፤ እግዚኣብሄር ግብርኻ ድሮ ተቐቢሉ እዩሞ። ክዳውንትኻ ዅሉ ጊዜ ፃዕዳ ይኹን፥ ርእስኻ ኸዓ ቅብኢ ኸቶ ኣይጉደሎ። a a v8 ፃዕዳ ኽዳንን ርእሲ ብቅብኢ ምልካይን ናይ ጥንቲ ምልክት ሓጐስን ደስታን ነበሩ። ምስታ እተፍቅራ ሰበይትኻ ብህይወት ደስ ይበልካ፥ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እግዚኣብሄር ዝሃበካ ዅሉ ጊዜያዊ መዓልቲታት ህይወትካ፥ ኵሉ ጊዜያዊ መዓልቲታትካ፤ ኣብ ህይወትካን ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እትፅዕረሉ ፃዕርኻን ግደኻ እዙይ እዩሞ። ኢድካ ኽትገብሮ ዝረኸበ ዅሉ፥ ብሓይልኻ ግበሮ፤ ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕ ኾነ ምኽሪ ኾነ ፍልጠት ኾነ ጥበብ የለን እሞ።

መሊሰ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ረአኹ፦ ጉያ ናይ ቅልጡፋት ኣይኮነን፥ ውግእ ናይ ብርቱዓት ኣይኮነን፥ እንጀራ ናይ ጠቢባን ኣይኮነን፥ ሃብቲ ናይ መስተውዓሊ ኣይኮነን፥ ሞገስ ከዓ ናይ ጥበበኛታት ኣይኮነን፤ ንዅሎም ጊዜ ምስ ኣጋጣም ይበፅሖም። ሰብ ጊዜኡ ኣይፈልጥን፤ ከምቲ ብኽፉእ መርበብ ዝተትሓዘ ዓሳ፥ ከምቲ ብመፈንጠር ዝተትሓዘ ኣዕዋፍ፥ ደቂ ሰባት ብድንገት ኣብ ዝበፅሖም ክፉእ ጊዜ ይተሓዙ።

እቲ ዝተረስዐ ጠቢብ

ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እዝ ኣብነት ጥበብ እዙይ ድማ ረአኹ፥ ንኣይ ከዓ ዓብዪ ኾይኑ ተራእየኒ፦ ሒደት ህዝቢ ዘለዋ ንእሽተይ ከተማ ነበረት፤ ዓብዪ ንጉስ ድማ መፅኣ፤ ከበባ፤ ኣብ ልዕሊኣ ኸዓ ዓበይቲ ዕርድታት ሃነፀ። ኣብኣ ኸዓ ብጥበቡ ነታ ኸተማ ዘድሐነ ድኻ ጠቢብ ሰብ ተረኽበ፤ ነቲ ድኻ ሰብ እቱይ ግና ዝዘከሮ ሰብ የለን። ኣነ ድማ “ጥበብ ካብ ሓይሊ ትሐይሽ” በልኩ፤ ጥበብ እቲ ድኻ ሰብ ግና ንዑቕ እዩ፤ ዘረባኡ ኸዓ ኣይስማዕን። እቲ ህዱእ ዘረባ ጠቢባን፥ ካብ ኣውያት ሓለቓ ኣብ ማእኸል ዓሻታት ኣዝዩ ይስማዕ። ጥበብ ካብ ኣፅዋር ውግእ ትሐይሽ፥ ሓደ ሓጥእ ግና ብዙሕ ፅቡቕ የጥፍእ።