ምእንቲ ኵሎም ሰባት ምፅላይ
ጳውሎስ ቅድም ምእንቲ ኵሎም ሰባት፥ ነገስታት ዘጠቓለለ፥ ፀሎት ክቐርብ ይልምን፤ ኣቦና ኵሎም ሰባት ክድሕኑ ይደሊ እዩ እሞ፥ ሓደ ማእኸላይ ከዓ ኣሎ፥ ንሱ ኽርስቶስ ኢየሱስ፥ ምእንቲ ኵሉ ነፍሱ ዝሃበ። ድሕሪኡ ሰብኡት ብዘይ ቍጥዓ ኽፅልዩ፥ ኣንስቲ ድማ ብሕፍረት ክኽደና፥ ስቕ ኢለን ክመሃራ፥ ከይምህራ።
2 1እምበኣር ቅድሚ ኵሉ፥ ምእንቲ ኵሎም ሰባት፥ ልማኖን ፀሎትን ምምላድን ምስጋናን ክቐርብ እምዕደኩም ኣለኹ፥ 2ምእንቲ ነገስታትን ኵሎም እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉን ከዓ፥ ብምሉእ ኣምልኾ ምስ ክብረት፥ ብሰላም ህዱእ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር። 3እዙይ ኣብ ቅድሚ ኣቦና መድሕንና፥ ፅቡቕን ባህ ዘብልን እዩ፥ 4ንሱ ኵሎም ሰባት ክድሕኑ፥ ንሓቂ ድማ ክፈልጡ ዝደሊ እዩ። 5ሓደ ኣቦ ኣሎ እሞ፥ ኣብ መንጎ ኣቦን ሰብን ዘሎ ማእኸላይ ከዓ ሓደ እዩ፤ ንሱ ድማ እቲ ሰብ ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ፥ 6ንሱ ምእንቲ ኵሉ ነፍሱ ቤዛ ጌሩ ዝሃበ እዩ፤ እዙይ ድማ በቲ ግቡእ ጊዜ ዝተዋህበ ምስክር እዩ። 7ምእንቲ እዙይ ከዓ ሰባኺ ኮንኩ፥ ሃዋርያ ድማ ኮንኩ፤ ሓቂ እብል ኣለኹ እምበር፥ ኣይሕሱን እየ፤ ብእምነትን ሓቅን መምህር ኣህዛብ ኮንኩ። 8እቶም ሰብኡት ኣብ ኵሉ ቦታ፥ ብዘይ ቍጥዓ ወይ ክርክር ቅዱሳት ኣእዳዎም ኣልዒሎም ክፅልዩ እደሊ ኣለኹ።
9ከምኡ ኸዓ ኣንስቲ፥ ብሕፍረትን ብምቕፃብ ነፍስን ግቡእ ክዳን ይከደን እምበር፥ ብዝተፈሐሰ ፀጕርን ብወርቅን ብኣዕናቝን ብኽቡር ክዳንን ኣይኹን፥ 10ነተን ንኣቦና ዘምልኽ ምዃነን ዝእመና ኣንስቲ ኸም ዝግባእ፥ ብሰናይ ግብሪ ደኣ ይከደን። 11ሰበይቲ ብፍፁም ምግዛእ፥ ስቕ ኢላ ትመሃር። 12ሰበይቲ ኽትምህር ወይ ኣብ ልዕሊ ሰብኣይ ክትስለጥን ኣይፈቕደላን እየ፤ ስቕ ኢላ ደኣ ትንበር። 13ኣዳም ብመጀመርታ ተፈጥረ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ሄዋን። 14ኣዳም ኣይተስሓተን፤ እታ ሰበይቲ ግና ተስሒታ በዳሊ ኮነት። 15ንሳ ግና፥ ብእምነትን ፍቕርን ቅድስናን ብዓቕሎምን እንተ ፀኒዖም፥ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ። a a v15 እቲ ተውላጠ ስም ካብ 'ንሳ' ናብ 'ንሳቶም' ይልወጥ — ከምቲ ኣብ መበቆላዊ ፅሑፍ ዘሎ — ምናልባሽ ነተን በዞም ሰናይ ጠባያት ዝቕፅላ ኣንስቲ ብሓፈሻ ዘመልክት ይኸውን።