ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ናብ ጢሞቴዎስ፥ ናይ ብሓቂ ወደይ

ጳውሎስ ንመንእሰይ ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንን ጥዑይ ትምህርቲ ምሕላውን ዝሃቦ ናይ ጓስነት ምኽሪ።

ምዕራፍ 1።

ጳውሎስ፥ ብትእዛዝ ኣቦና መድሕንናን ብትእዛዝ ክርስቶስ ኢየሱስ ተስፋናን ሃዋርያ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ፥ ናብ ጢሞቴዎስ፥ ብእምነት ናይ ብሓቂ ወደይ፦ ካብ ኣቦናን ካብ ጐይታና ክርስቶስ ኢየሱስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን ይኹን።

ንቤት ኣቦ ሓሉ

ከምቲ ናብ መቄዶንያ እንትኸይድ ዝማሕፀንኩኻ፥ ገሊኦም ካልእ ትምህርቲ ከይምህሩ ክትእዝዞም፥ ኣብ ኤፌሶን ፅናሕ፤ ንጽውጽዋያትን መወዳእታ ዘይብሉ ዝርዝር ትውልድን ከይሰዓቡ ድማ፤ እዚኣቶም ኣብ ክንዲ እቲ በእምነት ዝኸውን ናይ ኣቦና ምምሕዳር፥ ክትዓት የምፅኡ እዮም እሞ። ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ኸዓ፥ ካብ ንፁህ ልብን ፅቡቕ ሕሊናን ሓቀኛ እምነትን ዝመፅእ ፍቕሪ እዩ። ገሊኦም ካብዚኣቶም ርሒቖም፥ ናብ ከንቱ ዘረባ ዞሩ፤ መምህራን ሕጊ ክኾኑ እናደለዩ፥ እንታይ ከም ዝብሉ ኾነ እንታይ ኣፅኒዖም ብትብዓት ከም ዝዛረቡ ኣየስተውዕሉን።

ሕጊ ግና በቲ ዝግባእ መገዲ እንተ ተጠቒምናሉ፥ ፅቡቕ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ነዙይ እናፈለጥና፥ ሕጊ ንፃድቕ ዘይኮነስ፥ ንዓመፀኛታትን ንዓለወኛታትን፥ ንረሲኣንን ንሓጥኣን፥ ንርኹሳት ነቶም ዘይፈርሁን፥ ነቶም ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ዝወቕዑን ንቀተልቲ ሰብን ዝተገብረ ምዃኑ ነስተውዕል፤ ንኣመንዝራታትን፥ ምስ ተባዕታይ ንዝድቅሱ ተባዕትዮን፥ ንሰብ ሰሪቖም ንዝሸጡን፥ ንሓሰውትን፥ ብሓሰት ንዝምሕሉን፥ ነቲ ፅቡቕ ትምህርቲ ንዝፃረር ዅሉን እዩ፤ እዙይ ድማ ነቲ ኣነ ዝተኣመንክዎ፥ ናይ ቡሩኽ ኣቦና ክቡር ወንጌል ዝሰማማዕ እዩ።

ምሕረት ኣቦ ናብቲ ኣዝዩ ሕሱም መፀ

ነቲ ዘበርትዓኒ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና አመስግኖ ኣለኹ፤ እሙን ጌሩ ቘፂሩኒ፥ ናብ ኣገልግሎቱ ሸይሙኒ እዩሞ። ቀደም ንእግዚኣብሄር ፀራፊ፥ ሰጓጊ፥ ገፋዒ ነበርኩ፤ ግና ብዘይ እምነት ከይፈለጥኩ ስለ ዝገበርኩ ተማሓርኩ። ፀጋ ጐይታና ምስቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ እምነትን ፍቕርን፥ ኣባይ ኣዝዩ በዝሐ። እሙን ቃል ምሉእ ተቐባልነት ዝግብኦ እዩ፦ ክርስቶስ ኢየሱስ ንሓጥኣን ከድሕን ናብ ዓለም መፀ፤ ካብኣቶም እቲ ዝኸፍአ ኣነ እየ። ግና ኣነ ነዙይ ተማሓርኩ፦ ክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ልዕለይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝኸፍአ ሓጢኣተኛ፥ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ብእኡ ዝኣምኑ መርኣያ ምእንቲ ኽኸውን፥ ምሉእ ትዕግስቱ ገለፆ። ነቲ ንጉስ ዘመናት፥ ዘይመውት፥ ዘይረአ፥ በይኑ ኣምላኽ ዝኾነ፥ ንዘለኣለመ ዓለም ኣኽብሮትን ክብርን ይኹኖ። ኣሜን።

እቲ ፅቡቕ ውግእ ተዋጋእ

ኦ ወደይ ጢሞቴዎስ፥ ከምቲ ቀደም ብዛዕባኻ ዝተነግረ ትንቢት፥ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣማሕፅነካ ኣለኹ፤ በኣታቶም ነቲ ፅቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፥ ነእምነትን ፅቡቕ ሕሊናን ሒዝካ። ገሊኦም ነዚኣቶም ደርበዮም እሞ፥ ኣብ እምነቶም ተሰብሩ፤ ካብዚኣቶም ሄሜኔዎስን ኣለክሳንድሮስን እዮም፤ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ከይፀርፉ ምእንቲ ኽምሃሩ፥ ናብ ሰይጣን ኣሕሊፈ ሃብክዎም።